Dehai News

‘‘ኣየ ምጽዋዕ‘‘! ‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት፣ ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 1ይ- 25, 40-41-42 ክፋላት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 11 February 2018

‘‘ኣየ ምጽዋዕ‘‘! ‘‘ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈላለየ ኲናት።

ስርሒት ፈንቕል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ! 1ይ- 25, 40-41-42 ክፋላት

ወርሒ ለካቲት ዕለት 11, 2018 ዓም ፈረንጂ

Image result for photo of Gidewon Berakie
 

ትርጉም ካብ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ድምጻዊ ጊደዎን በራኺ

ጸሓፋይን ተሓታታይን ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ ታሪኽ፡ ሓለቃ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ

.........ኣፍልብኻ ዘንፍሕ ዘኹርዕ ሓቀኛ ኤርትራዊ ታሪኽ እዩ`  ከይሓልፈኩም ሸለል ከይበልኩም ኣንብብዎን ተኸታተልዎን!

‘’ኤርትራ ህያብ ሰማእታትና ኢያ ’’ ትብል ፍልስፍና ዝተሓወሳ ጭርሖ ኤርትራዉያን ሎሚ ኣብዞም ሓደሸቲ ወለዶ ኤርትራውያን ተራ ጭርሖ ኮይና ዘላ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ ዘሎ። ምክንያት ናይዚ ድማ ብትዕዝብተይ እቶም ሰራሕቲ ቅያ ጀጋኑ ዓበይቲ መራሕትን ተራ ተጋደልትን ነቲ ዝወዓልዎ ዉዕሎን መሪር ሂወት ገድልን፡ ምስጢር ዓወቶምን ታሪኽ ወሳኒ ግደ ዝነበሮም ዉልቀ-ሰባት ኣብቲ እዋን ቃል) ስጋብ ለይቲ ሎሚ እዉን እንተ ኮነ ከዘንትዉ ፍቃደኛታት ስለ ዘይኮኑ ኢዮም። ኣብዚ ግዜ ታሪክ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘዘርከበ ዘዘንትዎ ዳርጋ ኣፈ-ታሪኽ ንጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓ ዘገልግል መሳርሒ ጽውጽዋይድሙ ተዓንቂፋ ኣንጭዋ ሞይታዝዓይነቱ' ኮይኑ ዘሎ እዚ ናተይ ብሕታዊ ርእይቶ ኢዩ ።ተጋግየ እንተ ኮይነ ከኣ ጌጋይ ማርያም ትኽልኣለይ።

ኣነ ግን ‘’ስርሒት ፈንቅል ብጸላኢ እንክዝንቶ ከሎ ’’ ናተይ ኣርእስቲ ኣሰይመ ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተርጉመ እቲ ሓደ ወታሃደር ደርጊ ካብ መጀመርያ ስጋብ መጨረሻ ግዜ ኣብ ኩናትስርሒት ፈንቅልዝወዓለን ዝሓደረን ዝቀነየን ምስክርነቱ ክህብ ዝጸሓፋ ሓቀኛ ዛንታ ኩናት ባጽዕ ኢሉ ዝሰየማ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ።

እቲ ጅግንነትን ተወፋይነትን መስዋእትነትን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ እቲ ልዑል ምሕደራን ዉህደትን ጽፈትን ብልሕን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ተብርህ ከም ጥዋፍ ተብርህ መጽሓፍ ኮይና ስለ ዝረከብክዋ።

ነዞም ሓደሽቲ ወለዶታት ኣብ ግዜ ነጻነት ዝተመሃሩ ኣምሓርኛ ዘይፈልጡ ብቋንቁኦም ብምስክርነት ጸላኢ (ወታሃደር ናይ ስርዓት ደርጊ መንግስቲ ኢትዮጵያ) ዝተዘንተወ ዛንታ ኣያታቶምን ኣሓታቶምን ኣቦታቶምን ንክፈልጡ። ንቶም ኣጓብዝ ነበር ኣብ ግዜ ደርጊ ድማ ብዝተፈላለየ መክንያት እዛ መጽሓፍ ረኪቦም ከንብብዋ ዘይከኣሉ ግን ከኣ ቋንቋ ኣምሓርኛ ዝመልኩ ዕድል ናይ ምንባብ ክህብ ኢለ ምስ ሃቀንኩ። ኣእምሮይ ነቲ ሓደ መጽሓፍ ሙሉእ ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ሓደ ቋንቋ ክትርጉሞ ዘሎ ሃልክን ናይ ግዜ ሕቶን ደሚሩን ኣጉዲሉን ብፉጹም ኣይከዉንን ኢዩ ኢሉኒ ኔሩ። እንተ ኮነ ግን ሕልናይ መንፈስ ሰማእታትና ስለ ዝተቋደሰ ምእንቲ ሓፋሽ ህዝቢ ክነቅሕ ከተቃልሖ እትስዉኦ ግዜ ካብ ሰማይ ዝወረደ ‘’ማናግዜ’’ ኢዩ ኢሉ ስለ ዝሞጎቶ።ሕልናይ ስዒሩ ኣአምሮይ ሪዒሙ መስርሕ ምትርጓም ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ብፍስሃ ተቀቢሉ። ኣሃዱ ኢሉ ጀሚርዎ ኣሎ ።ሰናይ ንባብ። ሓደራ ዝብለኩም ግን ንኩላትኩም ኤርትራውያን የሕዋት ታሪኽ ኣንቢብኩም ጥራይ ስቕ ኣይትበሉ share ግበርዎ ታሪኽና ብናይ ኩላትና ጻዕሪ' ዝዕቀብን ናብ ውሉድ ወሎዶ ዝሰጋገርን፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና።
ሃገረ ኤርትራ ተሓፊራን ተከቢራን ትንበር።
ዓወት ንሓፋሽ።

፠፠፠፠፠፠፠

https://scontent-frx5-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-9/11208633_861720720549636_1033052359174464893_n.jpg?oh=0484f35fe8be829656f8d2c4dd6dc0bf&oe=5B1FACF4

  • *** ሓጺር መብርሂ፡ ኣይ ምጽዋ‘‘ ‘‘ኤርትራን ከኢትዮጵያ የነጠለ ጦርነት፣ ብትግርኛ ድማኣየ ምጽዋዕ‘‘ “ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈለየ ኲናት፣ ዝተባህለት መጽሓፍ ደራሲኣ ሓለቓ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ ይበሃል። እዚ ናይ ቀደም ኣባል ደርጋዊ ኢትዮጵያዊ ወትሃደር ነበር፣ ብጀጋኑ ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ [...] ‘‘ስርሒት ፈንቕል‘‘ ዝብል ስም ኣንጻር ባዕዳውን መግዛእታውን ወራሪ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ፣ ክጅመር ኣትሒዙ ስጋብ ብዓወት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ [...] ዝዛዘም፣ ካብቲ ውግእ ዝተረፉ ንሱ ደሚርካ ኣሽሓት ምሩኻትን ቁሱላትን ዝኾኑሉ ዝነበረ ኩነታት ብናቱ ትዕዝብቲ ኣብዛ ዝተጠቕሰት መጽሓፍ ሰኒዱዎ ኣሎ። እዛ ጽዋ [ዛንታ] መጽሓፍ እዚ ኣብ ክሊ ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማን ኣብ ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ውትሃደራቶምን ዝነበረ ናይ ኲናት ሃዋህውን ሕንፍሽፍሽን ብፍላይ ከምኡውን ብወገን ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ [...] ኣብ` ብጽኑዕ ተሃዲሙ ዝነበረ ወትሃደራዊ ዕርድታት ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ሃንደበታውን በርቃውን መጥቃዕቲ ድማ ብሓፈሻ፣ ብዝርዝር ገሊጹዎ ኣሎ።

ብሪጋዴር ጀነራል ተሾመ ተሰማ [ታሕተዋይ ስእሊ ኣብ ላዕሊ ተመልከት] እቲ ንሰላማዊ ህዝቢ ባጽዕ ጅሆ ሒዙ ኣብ ሞንጉኦም ተሓቢኡ ስጋብ መጨረሽታ ዝተዋግኣን ጠንቂ ዘየድሊ መስዋእትን ህልቀት ህዝብን ወትሃደራትን ዕንወት ወደባዊት ባጽዕ ዝኾነን ኣብ መወዳእታ ድማ ብኻላሽኑ ነብሰ-ቅትለት ዝፈጸመን ኣረሜናዊ ሰብ እዩ። በወገን ኢትዮጵያውያን ከም ባህላዊ ርድኢቶም ከም ሃጸይ ተዎድሮስ [ናይ ቀደም ስሙ ራስ ካሳ] ጀግና ኢሎም ይሰምይዎ እዮም። ብወገነይ ክምኡ`ውን ብዓለማውን ብሰብኣዊን ትዕዝብቲ ግን፣ ለባማት ኣቦታትና ከምኡ ምስ ረኣዩ ``ኣድግሲ መሬት ብድሕረይ ዳንዴር ኣትብቘላ በለት‘‘ ክብሉ ዝመሰሉዎ፣ ሰብኣዊ ርሕራሔ ዘይብሉ ጨካን ሰብ ኔሩ ኢለ ይገልጾ። በቲ ሓደ ወገን ብወትሃደራዊ ዓይኒ፣ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዘይነበሮ ቃልዕ ይኹን በረኻ ጎበታትን ከምኡውን ጎላጉል ኣንጻር ጸላኢኡ እናተዋግኤን ከም ሓላፊ እናዋግኤን ምስ ዘይሰልጦ ማለት ኣብ ኢድ ተጻይ ናይ ምውዳቕ ወይ ምምራኽ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ከምኡ እንተዝገብር ኔሩ፣ ኣነውን ብዘይቀልዓለም ካበየናይ ወገን ብዘየገድስ ጅግና ምበልኩዎ ኔረ። ከምኡ ግን ኣይነበረን።

ሓያሎይ ክፋላት ናይ` ትረኻ ካብ ገጽ-መጽሓፍ ዝዓቘርኩዎ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2017 ኣብ ብዙሕ ኽቡር መስዋእትን መውጋእትን ዝተኸፍለሉ ከቢድ ሰብኣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ነገራውን ዕንወት ዝተኸሰተሉን ብድምር ናቱ ድማ መበል 26 ዓመታት ክቡር ነጻነትና ዘኽበርናሉ እዋን፣ ንመዘኻኸሪ ክኸውን ንኸተምብብዎ ምእንታን ብድምር ክፋላት መዓልታዊ ሰዲደልኩም ኔረ እየ። ሕጅ`ውን እንተኾነ ኣብ መበል 28 ዓመታት ጽንብል በዓል ታሪኻዊ ሓራ ምውጻእ ምጽዋዕ ብፍሉይ ማለት ብጥርኑፍ ኣብ ሓደ ሰነድ እንደገና ንኽተምብብዎን ከምኡ`ውን ኣብ ቆፎኹም ክትዓቚርዎን ይሰዶ ኣሎኹ።

መተሓሳሳቢ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ገጽ-መጽሓፍ ዘሎ ክፋላት ብዝሑ ዛጊት 39 ይኹን እምበር፣ እቲ ጽሑፋት ኣብ ውሽጢ` 25 ክፋላት ጨቢጠ ሓቲመዮ እየ።  እተን 40 41 42ን-43 ክፋላት ድማ ከም መቐጸልታ ከም ዘለዋኦ ተለጢፈን ኣለዋ። እዚ ግን ምሉእ እታ መጽሓፍ ዘይኮነ ኣስታት ፍርቂ ትርጉም ናታ እዩ። ሰናይ ንባብ ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን!!!

ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና፠፠፠፠፠፠፠፠፠ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና!!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና፣ ክብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናት ስንኩላን ብጾትና!!!

ሞሳን ክብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

ዓወት ንሓፋሽ!!!

***ሓውኹም ብርሃነ ሃብተማርያም [ጸሓፊ-ናይ ሓጺር መብርሂ]

ተወሳኺ- ኣብ`ዚ ሰነድ`ዚ ፍጹም ኣይኹን እምበር ብዓቕመይ ቁሩብ ናይ ፊደላትን ቃላትን ነጥብታትን ብውሕዱ ድማ ኣሰራርዓ ቦታን *ቃላት* መኣረምታ ጌረ ኣሎኹ።

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

  • ሻድሻይ ነበልባል ክፍለ ሰራዊት ደርጊ (ኣብዮታዊት ኢትዮጵያ) ኣብ 1978 .. ብኮሎኔል ናይ ሽዑ እዋን ዳሕራይ ብርጋዴር ጀኔራል ዝኮነ ‘’ታሪኩ ዓይኔ’’ ማእከልነት ኣብ ከተማ መቀለ ክፍለ ሃገር ትግራይ፥ ኣብ ‘’ኲሃ‘’ ትባሃል ዓዲ ኢዩ ተተኺሉ (ተመስሪቱ) ኣብቲ ግዜ 19ኛ፥20ኛ፥21ኛ፥22ኛ፥ ነበልባል ብርጌዳት ኣብ ዉሽጡ ጠርኒፉ ኢዩ  ተመስሪቱ ኔሩ። ካብ 1979 ዓም ንደሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ግን በጀካ 21 ብርጌድ ገዲፍካ ካልኦት ብርጌዳት ተቀኒሶም መተካእታኦም ከኣ 112 83 ብርጌዳት ተመዲብሉ፡ ቀዋሚ ቦትኡ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ጌሩ ቀይሕ ባሕርን፥ ኩለን ከተማታትን ዓድታትን ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ኣጠቃሊሉ ብሓላፍነት ዝሕሉ ክፍለ ሰራዊት ኮይኑ።

ኣብ 1990 ዓም ፈረንጂ ግን እቲ ክፍለ ሰራዊት ማእከላይ መሪሕነቱን ሰለስተ ኣጋር ብርጌዳትቱን ሒዙ ካብ ባጽዕ 86 ኪሎ ሜትር ሪሒቃ ኣብ ኣትርከብሽዕብ’ (ሰለሞና) ኣብ ትባሃል ዓዲ ሰፈረ። ሻዕብያ ድማ ካብኣፍዓበትሓሙሽተ ኣጋር ብርጌድን ክልተ ሜካናይዝድ ብርጌድን፥ ሓደ ናይ ኮማንዶ ብርጌድን ኣሰሊፉ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ዕለት 30 1990 ዓም ፈረንጂ ልክዕ ፍርቂ ለይቲ፡ ኣብ ኣብ ሽዕብን ከባቢኣን ዝዓረደ ሰራዊት ደርጊ ብኣጋር-ሰራዊትን ብከበድቲ መሳርያታትን ተሰኒዩ መጥቃዕታዊ ኲናት ከፈተ።

ኣብቲ ግንባር ሽዕብን ሰለሞናን ዝዓረደ ሰራዊት መንግስቲ ኣብዮታዊት ኢትዮጵያ ሓደ ኣካል ናይ 6 ነበልባል ክፍለ ሰራዊት ዝኮነ 83 33 21 ኣጋር ብርጌዳትን፡ 29 ብርጌድ ‘’ዘርኣይ ደረስ’’ ሜካናይዝድ ብርጌድን ብተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኲናት መጥቃዕቲ ተከፊቲሎም ከም ዘሎ በቲ ተረኛ መኮነን ናይታ ምሸት ነቶም ቀዳማይ ሓላፊ ናይ 6 ነበልባል ክፍለ ሰራዊት ዝኾኑ ብርጋዲየር ጄነራል ተሾመ ተሰማ ተሓበሮም። ጄኔራል ተሾመ ተሰማ ቀጢን ቁመቶም ነዊሕ የዕንቶም የዕንቲ ፍንጃል ዝመስል ኣብ 1990 ዓም ፈረንጂ ብግምት 45 ዓመት ይገብሩ ኔሮም።

ጄኔራል ተሾመ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ምስ ተሓበሩ ብቕጽበት ካብቲ ቤተ መንግስቲ ከተማ ምጽዋዕ ዝነብሩሉ ገዛ ‘’ጂፕመኪኖኦም ኣልዒሎም ናብቲ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትር ካብ ከተማ ምጽዋዕ ሪሒቑ ዝርከብ ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ መገዲ ኣስመራ-ምጽዋዕ ዝርከብፎርቶዝባሃል መአዘዚ ቦትኦም ኣምርሑ።

እቶም ጄኔራል ኣብቲ መኣዘዚ ቦታ ምስ በጽሑ ’’77’’ ወታደራዊ ሬድዮ ርክብ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሬድዮ ምስቲ ሓላፊ ሰራዊት ግንባር ሶሎሙና ሌተናል ኮሎኔል ኣፍወርቂ ተኽለ ተራኸቡ።እታ መዛረቢት(Handset) ባዕሎም ሒዞም ኢዮም ዝዛረቡ ኔሮም።

ኣብታ ዕለት እቲኣ ወታደራዊ መለለዪ ምስጢራዊ ቁልፊ 6 ነበልባል ክፍለ ሰራዊት መንግስቲ ኣብዮታዊት ኢትዮጵያቀጭኔ’ (ቀጢን) ኢዩ ኔሩ።

ትሰምዓኒ ኣለኻ ቀጢን? ኣነ ነብሪ ኢየ።በሉ ጄኔራል ተሾመ ተሰማ።ቀጢን ኢየ።እወ እሰምዓካ ኣለኹ። ህዝባዊ ግንባር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፊቱልና ኣሎ። ኣብ ማእከላይ መምርሒ ቦታ ግንባርና ጥይት ከቢድ ብረት ከም በረድ ኢዩ ዝዘንብ ዘሎ። ኲናት ኣጋር ሰራዊት ኣዝዩ ሓያል ኢዩ ዘሎ። ስለዚ ከኣ ብቕልጡፍ ሓጋዚ ተደራቢ ሰራዊት የድልየኒ ኣሎ።በለ እቲ ቀንዲ ሓላፊ ግንባር ሰሎሙና።

ጄኔራል ተሾመ ተሰማ እዚ ምስ ሰምዑኣጆኻ ኣንበሳ። ኩሉ ዝከኣለካ ጌርካ መክት። ሓገዝ ተደራቢ ሰራዊት ክሰደልካ ኢየ። በርትዕ።ኢሎም ኣተባቢብዖም ግብረ መልሲ ናቱ ክሰምዑ ተሃንጠዩ።

እቲ ሓላፊ ግን ካብ ንዕኦም መልሲ ምሃብ ነቶም ሓለፍቲ ናይ 21ኛ፥ 113ኛ፥83 ኣጋር ብርጌዳት ምትብባዕ ኢዩ መሪጹ። እቲ ዝነበረ ህሞት ከምቲ ንቡር ኣገባብ ሬድዮ ርክብ ክፍጸም ዘፍቅድ ኣይነበረን። እቲ ቃላቶምኣጆኹም ንሻዕብያ ጽቡቅ ጌርኩም ቅጽዕዎም። እዞም ተገንጸልቲ ሸፋቱ ሕሪ-ሕራይ ጌርኩም ክጽዕዎም። ሓገዝ ተደራቢ ሰራዊት ካብ ባጽዕ እመጸና ኣሎ። እዞም ተደረብቲ ሓገዝ ሰራዊት ምስ መጹና ካብ ምኽልካል ናብ ምጥቃዕ ክንሰጋገር ኢና። ሻዕብያ ሓመድ-ዕደ ክንገብሮ ኢና።በሎም።

ብኸምዚ መልክዕ እቶም ሓላፊ ሰራዊቶም ኣብቲ ዘለዉዎ ስፍራ ኮይኖም ኣበርቲዕም ክዋግኡ ትእዛዝ ክህቡ ኣብ ወተሃደራዊ ሬድዮ ድምጾም እስማዕ ኔሩ። ጄኔራል ተሾመ ተሰማ ድማ ንነዊሕ ሰዓታት እቲ ልዝብ ኣብ ወታሃደራዊት ሬድዮ ርክብ እናሰምዑ ነቲ ህልዉ ኩነታት ኲናት እከታተልዎ ነበሩ። ሓደ ሓደ ግዜዉን ኣብ ሞንጎ ኣትዮም ኣገዳሲ ዝበልዎ ሓሳብን ትእዛዝን እህቡ ኔሮም።

ሰዓት ሓደ ለይቲ ግን ሻዕብያ ብላዉንቸርን ብኢድ- ቦምባን እቲ ከባቢ ድርምስምስ ኣቢሉ ነቲ ናይ 6 ክፍለ ሰራዊት መአዘዚ ስፍራ ከም ዝተቖጻጸሮ ካብቲ ኦፕሬተር ናይ ወታሃደራዊት ሬድዮ ሰምዑ። ኣዝዩ ዘሰንብድ ወረ ኢዩ ኔሩ። ጄኔራል ተሾመ ተሰማ ነታ ወታሃደራዊት ሬድዮ ርክብ ባዕሎም ሒዞም ነቲ ኦፕረቴር ሬድዮ ምስ ኣዛረብዎ፣ እቲ ቀንዲ መአዘዚ ስፍራ ናይቲ ክፍለ ሰራዊት ሻዕብያ ከም ዝተቆጻጸረቶ ኣጊሂዱ ሓበሮ።

ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ኩሉ ሰንበደን ሓዘነን። እቲ ኩነታት ኣይቀደወን። ነገራት ብኣዝዩ ዘገርም ቅልጣፈ እንዳተቐያየሩ ኢዮም። ድሕሪ ሒደት ደቓይቅ እቲ ሓበሬታ ክህቦም ዝጸንሐ ኦፕሬተር ወታሃደራዊት ሬድዮ ንብርጋዴር ጄኔራል ተሾመ ተሰማ ብጥይት ጸላኢ(ሻዕብያ) ከም ዝተሃርመ ኩሉፍ ኩሉፍ እንዳበለ ነገሮም። ጄኔራል ተሾመ ተሰማ ወላ እኳ ኩሉ ዝከኣሎም እንተገበሩ ንሱ ግን ዝያዳ ሓበሬታ ክህቦም ኣይከኣለን።

ድሕሪ ደጊም ርክብና ተበቲኹ ኢዩ። ኣነ ተወጊኤ ስለ ዘለኹ ክንቀሳቀስ ኣይክእልን ኢየ።’’ ምስ በለ ብድኹም ድምጺ እቲ መስመር ቡኡ ንቡኡ ተቛረጸ።.........................

..........ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ ኢኻትኩም።

ሰናይ ንባብ!
 
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events