Dehai News

ቢቢሲ / ቻምፕዮና ብሽክሌታ 2018 ብኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ተዓብሊሉ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 17 February 2018

ቻምፕዮና ብሽክሌታ 2018 ብኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ተዓብሊሉ
ቀዳም 17 ለካቲት 2018 


ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ተሸለምቲ ወርቂ መዳልያ ኮይነን ኣለዋ

ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐዳደምቲ፡ ሎሚ ቀዳም ኣብ ኪጋሊ፡ ርእሰ-ከተማ ርዋንዳ ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለ ቻምፕዮና ቕድድም ብሽክሌታ 2018 ዓብሊሎም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተመራሪሖም ብምእታው ተወሰኽቲ ሰለስቲ መዳልያታት ተዓዊቶም።

ኣብ'ቲ 20 ተቐዳደምቲ ዝተሳተፉዎ፡ 72 ኪሎሜትሮ ዝንውሓቱ ናይ ጽርግያ ዉድድር፡ ቢንያም ሃይሉ ብምዕዋቱ ወረቂ መዳልያ ክሽለም እንከሎ ቶማስ ዮሴፍን ሃገር መስፍንን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ተሸለምቲ ብሩርን ነሓስን ኮይኖም ተዓዊቶም።

ብተወሳኺ'ዉን፡ ናታን ግርማይ ሓሙሻይ ኮይኑ ዉድድሩ ብምዝዛም፡ ኣርባዕተ ካብቶም ቀዳሞት ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ኤርትራውያን ብምዃን ነቲ ዝተኻየደ ናይ ጁንየር ቅድድም ብናይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዕብለላ ተፈጺሙ'ሎ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ'ቲ ናይ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 48 ኪሎሜትር ዉድድር፡ ኤርትራዊት ተቐዳዳሚት ደሴት ኪዳነ ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ክትከውን እንከላ፡ ኢትዮጵያውያን ተቐዳደምቲ ጻድቃን ካሳሁንን ዛይድ ሃይሉ ንደሴት ሲዒበን ብምእታው ብሩርን ነሓስን ተሸሊመን።

ጁንየር ደቂ-ተባዕትዮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ቢሒቶሞ

ዉድድር ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ኤሊት'ውን ብዓብላልነት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ኢዩ ተፈጺሙ። እቲ ናይ 84 ኪሎሜትር ቅድድም ጽርግያ ብዓወት ኤርትራዊት ተቐዳዳሚት ብስራት ገብረመስቀል'ዩ ተዛዚሙ።

ቀጺለን ተመራሪሐን ዝኣተዋ ድማ፡ ጸጋ በየነ (ኢትዮጵያ) ካልኣይቲ፡ ሞሳና ደበሳይ (ኤርትራ) ሳልሰይቲ፡ ኢየሩ ተስፎም (ኢትዮጵያ) ራብዐይቲ፡ ትዕግስቲ ገብረሂወት (ኤርትራ) ሓሙሸይቲ፡ ወሓዚት ኪዳነ (ኤርትራ) ሻዱሸይቲ ኮይነን።

በዚ መሰረት፡ ቀጽሪ ናይቲ ክሳብ ሕጂ ብሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክሌታ ኤርትራ ተዋህሊሉ ዘሎ ቁጽሪ መዳልያ ናብ 8 ወርቂ፡ 2 ብሩርን፡ 2 ንሓስን ክብ ብምባል፡ ብጠቕላላ ኤርትራ ብሃገር ደረጃ ብ12 መዳልያታት ቀዳመይቲ ምዃና ኣረጋጊጻ ኣላ።

ኣኣንጋዲት ሃገር፡ ርዋንዳ 1 ወርቂ መዳልያ፡ 4 ብሩር፡ 2 ብሮንዝን፡ ብጠቕላላ 7 ሜዳልያታት ብምዕዋት ኣብ ካልኣይ ደረጅ ኣላ።

1 ወረቂ፡ 2 ብሩር፡ 2 ብሮንዝ፡ ብጠቕላላ 5 መዳልያታት ዝተሸለመት ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ።

እዚ ኣብ ኪጋሊ ርዋንዳ ክካየድ ዝቐነየ ቻምፕዮና ቕድድም ብሽክሌታ 2018፡ ጽባሕ ሰንበት ብዝካየድ ናይ ኤሊት ደቂ-ተባዕትዮ ናይ 168 ኪሎሜትር ዉድድር ጽርግያ ክዛዘም'ዩ።
ቢቢሲ

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events