Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: ጉጅለ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣፍሪቃ - ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 23 February 2018

ጉጅለ ዓለማዊ  ውድብ ጥዕና ኣፍሪቃ - ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

ለካቲት 23, 2018

ብዳይረክተር ስርዓተ ጥዕና ኣብ ኣፍሪቃ ዶክተር ደላንዮ ዶቭሎ ዝተመርሕ ጉጅለ ካብ 12-16 ለካቲት 2018 ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ ኣብ ሰለስተ ዞባታትን ትካላት ጥዕናን ተዘዋዊሩ ከምዝተዓዘበን ብደረጃ ዓለም ክሳብ 2030 ዓ.ም ክትግበር ተወጢኑ ዘሎ ሸቶታት ነባሪ ምዕባለን ኣተገባብርኡን ኣመልኪቱ ምስ ዝተፈላላዩ ሚኒስትራትን ሓለፍቲ ኣህጉራውያን ትካላትን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበን ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ክፍሊ ፖሊሲን ውጥንን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ዶክተር ብርሃነ ደብሩ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሸፈነ ጥዕና ንምስፋሕ ካብ 2017-2021 ከተግብሮ ወጢንዎ ኣብ ዘሎ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት መርሓ ስራሕ ንምግምጋም ዝዓለመ ዓውደ ዘተ ተኻይዱሉን ሃናጺ ሓሳባት ከምዝተዋህበን ዶክተር ብርሃነ ደብሩ ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ እታ ጉጅለ ሸቶታት ነባሪ ምዕባል ክዕወት ኩለን ዝምልከተን መንግስታውያንን ኣህጉራውያን ትካላት ብሓባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣስሚራትሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

https://tigrigna.voanews.com/a/4266479.html#player-start-time=180.14983


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events