Dehai News

8ይ ሃገራዊ ፌስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ

Posted by: Eritrean Media

Date: Saturday, 24 March 2018

8ይ ሃገራዊ  ፌስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ 
    “መንእሰይ ጽዓት ዘላቒ ምዕባለ!” 

 ክረምታዊ መደባት:መንእስያት ድያስፖራ

8ይ ሃገራዊ ፌስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ “መንእሰይ ጽዓት ዘላቒ ምዕባለ!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 13-15 ሓምለ 2018 ኣብ’ታ መዲና መንእሰያት ዝኾነት ሳዋ ክእንገድ ኢዩ። 
  
     መንእሰያት ድያስፖራ ብፍላይ ብንጡፍ ከበርክቱሉ ጥጽቢት ዝግበረሉ ዓውድታት 8ይ ፌስቲቫል   
1-ኤግዝብሽን 
2-ምህዞን ሰንዓን
3- ሽልማት ሳዋ
4- ሽልማት ሶይራ
5-ፍልጠት ጠቀስ ውድድራት
6-ስፖርታዊ ውድድራት
7- ባህላዊ ምርኢትን ውድድራትን ዘጠቓለለ ኢዩ።
       
             ዙራ ንሃገርካ
        19-23 ሓምለ 2018

መደብ ዙራ ንሃገርካ ድሕሪ ምዝዛም ፌስቲቫል ናብ ልምዓታውን ታሪኻውን ቦታታት ናይ ምብጻሕ ንዞባታት ጋሽ-ባርካ፣ ዓንሰባ፣ ማእከል፣ ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ዘጠቓልል 01 ሓፈሻዊ ናይ ዑደት መደብ ካብ ዕለት 19-23 ሓምለ 2018 ክካየድ ተሰሪዑ ኣሎ። ሓጸርቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ኣብ ናይ ልምዓት ቦታታት ዓዲሃሎን ገርገራን ከምኡ’ውን ፍልፍል ሰለሙናን ጋሕቴላይን ክካየድ ኢዩ።

         መደብ ክረምታዊ ማእቶት
22 ሓምለ 2018 ክሳብ 08 ነሓሰ 2018 

መደብ ክረምታዊ ማእቶት ከም ኣካል ተታሒዙ ዘሎ ሃገራዊ ልምዓታዊ መደብ፣ ካብ ውሽጥን ወጻእን ኣስታት 1500 መንእሰያት ዝሳተፍዎ መደብ ክረምታዊ ማእቶት ካብ 22/07/18 - 08/08/18 ድሕሪ  8ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክካየድ ኢዩ፡፡

        ምምዝጋብ ተሳተፍቲ መንእሰያት
             ሚያዝያ 2018 -

መስርሕ ምምዝጋብ መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምኡ’ውን ብonline 8th Eri-Youth festival registration form. ዝግበር ኮይኑ፣ ድሕረ-ገጻት ኣብ ዝዳሎ ፎርም online ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ክጅምር ኢዩ። ድሕሪ ናይ online ምዝገባ ክፍሊት ተሳትፎ (ናይ መጓዕዝያ ኣውቶቡሳት ካብን ናብን ኣስመራን ሳዋን ብጥርኑፍ ናይ ዝግበር ጉዕዞ ናይ መግብን ዘጠቓልል) ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሃማመተኤ ኣስመራ ካርድ ተሳትፎ ኣብ ዝዕደለሉ ግዜ ይካየድ።   
ኣብ ውሽጢ ሃገር ብኣካል ንዝምዝገቡ ድማ ካብ ዕለት 25 ሰነ - 08 ሓምለ 2018 ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ክካየድ ኢዩ።   

                ንተወሳኺ ሓበሬታ
 ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣብያተ ጽሕፈት ውዳበ መንእሰያትን ከምኡ’ውን መርበብ ሓበሬታ www.Eri.youth.org ተወከሱ።
Dm eri tv subscribe

ERi-TV, Eritrea: Ethiopia Welcomes President Isaias Afwerki, July 14, 2018 - Part 1

Hdri Media Books on Amazon.com
visit hdrimedia.com