Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: ኢጋድ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ጣልቃ ምእታው ኣየድልዮን ይብሉ ዋና ጸሓፊ’ቲ ትካል

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 25 March 2018

 
  • እስክንድር ፍሬው
  • ገብረ ገብረመድህን
  • መጋቢት 25, 2018

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ጣልቃ ምእታው ወይ ሓገዝ ዘድልዮ ኣይኮነን ክብሉ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ማሕቡብ ማዕሊም ሓቢሮም።መራሕቲ እታ ሃገር ባዕሎም መፍትሒ የናድይሉ ዘሎ ኩነታት እዩ እውን ኢሎም።ቀዳማይ ሚንስትር ካብ ስልጣን ወሪደ ኣካል ፍታሕ ክኸውን እደልው እየ ካብ ምባል እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ድልውነት እዩ ዝድለ ዘሎ ክብሉ እውን ሓቲቶም ኣለው።ኢጋድ ንቅድመ መጠንቀቕታን ምክልኻልን ግጭት ከምኡ እውን ንዲፕሎማሲያዊ ስራሃት ዝውዕል ናይ 42 ሚሊዮን ዩሮ ስምምዕ ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ትካል ልምዓት ኦስቲራያን ተፈራሪሙ’ሎ።

ኢትዮጵያ ባዕላ እትመርሖ ኢጋድ ክሳብ ሕዚ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዝሃቦ ርእይቶ ኣይሃበን።ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ዝሓተቱ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣቦ ወንበር ኢጋድ እውን እዮም።

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ኣምባሳደር ማሕቡብ ማዕሊም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል መራሕቲ እታ ሃገር ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ባዕሎም ይሰርሑ ኣለው ኢሎም።

ኣብ ዶብ ኦሮሚያን ሶማሊያን ብዝተፈጥረ ግጭት ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ዜጋታት ተመዛቢሎም፣ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብዝተፈጥሩ ግጭታት እውን ህይወት ብዙሓት ሰባት ምጥፍኡን ተደጋጋሚ ዘይምርግጋኣት ምፍጣሮም ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ዝኣወጀ ፀገማት ብስሩዕ ሕጋዊ ኣገባብ ምፍታሕ ኣይተኽኣለን ብዝብል እዩ።

ኣብ ቅድመ መጠንቀቕታን ምክልኻልን ግጭት ጠሚቱ ኣብ ዲፕሎማሲን ልዝብን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ሰላምን ፀጥታን ዝሰርሕ ኢጋድ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ጣልቃ ምእታው ወይ ሓገዝ ዘድልድዮም ኣይኮነን ይብል። ኬንያዊ ዋና ፀሓፊ ናይቲ ውድብ ኣምባሳደር ማሕቡብ ማዕሊም “ኣብ ከባቢና ፀገማት ሰላም ፀጥታን ዝፈጥር ሕድ ሕድ ምንቅስቓስ የተሓሳስበና እዩ።ዘጠራጥር እውን ኣይኮነን።ግን ሕድ ሕድ ሃገር ነዚ ዝሕዘሉ ስልቲ እንታይ ከምዝኾነ ምውሳን ኣለና።በዚ መንፅር ጉዳይ ኢትዮጵያ ናይ ፓርቲ ፖለቲካ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።ኣነ ዘለኒ ሓበሬታ ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሎ ስለዘይኮንኩ፣ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኮፍ ኢሉ ይዘራርበሉ ከምዘሎ እዩ።”

“ስለዝኾነ ኣቦ ወንበር ኢጋድ ዝኾኑ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክቡር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዝገበሩዎ ኣበርኽቶ ሪኢኻ ኢኻ።ኣብ ቅድሚ ዓለምለኸ ቴሌቪዥን ቀሪቦም ንዘራረበሎም ዘለና ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣለው፤ኣካል ናይቲ ፍታሕ ክኸውን እደልይ እየ ኢሎም ተዛሪቦም።ንዕኡ ምስ ሰማዕኹ ኣነ ባዕለይ ንብዓተይ’ዩ መፂኡ።ብኣብሃህልኦም ኣዚየ ኣዚየ እየ ተተንኪፈ።እዚ ፀገማት ንምፍታሕ ዓብዪ ናይ መሪሕነት ብቕዓት መርኣያ መንገዲ እዩ።ኣብዛ ኣህጉር ከምኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ቁፅሪ ከምዝውስኽ ተስፋ ንገብር።”

እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ንምፍታሕ መንግስቲ ድልየት እናርኣየ ስለዝኾነ እቲ ፀገም ካብ ዓቕሚ ናይታ ሃገር ኣይኮነን ይብሉ።

ነዚ እውን እዩ ጉዳይ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ መዘራረቢ ጉዳይ ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ።መራሕቲ ኢትዮጵያ ፍታሕ እናሃብሉ ዝርከብሉ ጉዳይ እዩ።ስለዝኾነ ንሕና ክንዘራረበሉ ኣይደልየናን።ምኽንያቱ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ካብ ስልጣን ዝወርዱ እንተኾይኖምን ኣካል እቲ ፍታሕ ክኸውን እደልይ እየ እንተኢሎምን ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ድልውነት ትደሊ?ትርድኣኒ ኢኻ።ከም ኢትዮጵያዊያን ነዚ ከተድንቑዎ ኣለኩም።እዚ ኣብ ታሪኽ ከም ዓብዪ ፍፃመ ኮይኑ ዝቕመጥ እዩ።ኣብ ሃገሮም ፀገም ዘለዎም ካልኦት መራሕቲ እውን ነዚ ከም ኣብነት ክወስዱዎ ተስፋ እገብር።

“ኢጋድ ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ትካል ልምዓት ኦስቲሪያን ዝተፈራረሞ ናይ 42 ሚሊዮን ዩሮ ስምምዕነት ኣብ ስራሕ ንዝርከቡ ፕሮግራማት ዝሕገዝ ከምዝኸውን ኣምባሳደር ማዕሊም ገሊፆም ኣለው።ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮጳን ትካል ልምዓት ኦስቲርያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኻየደ ስነስርዓት ፊርማ ተረኺቦም ኣለው።”

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events