Dehai News

8ይ ሃገራዊ ፌስቲቫል መንእሰያት ክረምታዊ መደባት፣ መንእሰያት #YPFDJ መንእሰይ:ጽዓት ዘላቒ ዕብየት ! الشباب : قوة دفع التنمية المستد ا مة Youth:the vigor of sustainable development

Posted by: Eritrean Media

Date: Sunday, 15 April 2018


መንእሰይ:ጽዓት ዘላቒ ዕብየት !                                الشباب : قوة دفع التنمية المستد ا مة                   
Youth:the vigor of sustainable development

        8ይ ሃገራዊ ፌስቲቫል መንእሰያት 
  ክረምታዊ መደባት፣ መንእሰያት  #YPFDJ
        
    8ይ ሃገራዊ ፌስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ “መንእሰይ ጽዓት ዘላቒ ምዕባለ!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ካብ 13-15 ሓምለ 2018 ኣብ’ታ መዲና መንእሰያት ዝኾነት ሳዋ ክእንገድ ኢዩ። 

    ቀንዲ ኣተኩሮ ናይ እዚ መቓን ተሳትፎ መንእሰያት #YPFDJ  ካብ ዝጸንሐ ደረጃ ናብ ዝበረኸ ናይ ንጡፍ ተሳትፎ መድረኽ ብምስግጋር፣ ቅርዓት 8ይ ፌስቲቫል ንዕቑር ዓቕምን ምስልን ሃገራዊ መንእሰይ ብምልኣት ከም ዘንጸባርቕ ንምግባሩ ዝዓለመ ኢዩ፡:

     መንእሰያት #YPFDJ ብፍላይ ብንጡፍ ከበርክቱሉ ጥጽቢት ዝግበረሉ ዓውድታት 8ይ ፌስቲቫል  :-

1- ኤግዝብሽን 
2-ሽልማት ሳዋ
3- መደብ ማእቶት
4-ምህዞን ሰንዓን
5-ፍልጠት ጠቀስ ውድድራት
6- ሽልማት ሶይራ
7-ስፖርታዊ ውድድራት
8- ባህላዊ ምርኢትን ውድድራትን ዘጠቓለለ ኢዩ።

    ኣደራሽ ኤግዝብሽን #YPFDJ 

ነዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክሓቁፍ :ኣብ’ዚ ኩርናዕ እዚ መንእሰያት #YPFDJ ናይ ዝነብሩሉ ኣከባቢ:-
1-ኣነባብራ
2-ቴክኖሎጂ
3-ምህዞ  (ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዝነብሩሉ ኮማት ዘለዎም ምውህሃዳትን፣ ማሕበራዊ ብድሆታትን ዓወታትን ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዕለታዊ ሂይወት ሞያ፣ ስራሕ፣ ዝምባለ….ወዘተ) ዘንጸባርቕ ክፋል::

4- ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣብ ሓራ መሬት ኣብ ከተማ ከረን ብ1978 ተመስሪቱ፣ ጉዕዞ 40 ዓመታት (1978-2018) ኣብ ውዳበ መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራን ተርኡ ኣብ ምኽታት ሃገራዊ ሓይሊ መንእሰይ፣ ሃገራዊ ባህጊ ክዉን ኣብ ምግባርን ዘንጸባርቕ ክፋል።  

5- ኣበርክቶ መንእሰይ #YPFDJ ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ መደባት ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዝግበር መደባት ከም ውድባዊ ንጥፈታት መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር፣ ምዕዋት ሃገራውያን መደባት (ሃገራዊ ባዓላት፣ ዋዕላታት፣ ኣኼባታት) ንምዕቃብ ባህልን ቋንቋን ዝግበር ዕዮታት፣ ሓፈሻዊ ናይ መኸተ መደባት፣ ዘንጸባረቕ ክፋል። 

       ምስግጋር ቴክኖሎጂ (ምህዞን ስንዓን)

   ኤርትራውያን መንእሰያት #YPFDJ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢታት ካብ ዘሎ ምዕባለታት ኣብ ዕለታዊ ሂይወት ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዘሎ ፍርያት ቴክኖሎጅን ኣብ ሃገር ክትኣታቶ/ክርዕም ዝኽእል ግዙፍን ረቂቕን ፍርያት ከም ዝቐርብ ክግበር።
     ብዘይካ’ዚ ብመሰረት መቃን 8ይ ፌስቲቫል ኣብዞም ዝስዕቡ ዓውድታት ብመንእሰያት  ዝተገብሩ ፈጠራዊ ስርሓት ወይ ምስንዓት ምስ ዝህሉ ተትሓሒዙ ብጥብቆ ቀሪቡ ብዘሎ ፎርም ዝርዝራቱ ክሳብ 15 ግንቦት ንኮሚቴ ክቀርብ።

          ዓውድታት ውድድር

1-ሓበሬታን ቴክኖሎጂን
2-ኤሌትሮኒክስን
3-ሜካኒካዊን    
4- ሜካ ትሮኒክስን ካልእን የጠቓልል ::

               ሽልማት ሳዋ

  እዚ መደብ እዚ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ተወሊዶም ንዝዓበዩን ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 2016/17 ከምኡ’ውን2017/18 ናይ 12 ዝዛዘሙን መንእሰያት ዝውሃብ ሽልማት ኮይኑ፣  ናይ ተሳተፍቲ ናይ ምምዝጋብ ገደብ ግዜ ክሳብ 25 ሰነ 2018 ይኸውን። ኣብ’ዚ መደብ እዚ ዝሳተፉ መንእሰያት መብጽዓኦም ንህዝቦምን ሃገሮምን ብዝምልከት ብዝተፋላለየ መገድታት ሓሳባቶም ንህዝቢ ከቕርቡ ይዕደሙን ይተባብዑን ። 

             ስፖርታዊ ውድድራት

     ብመሰረት መቓን ፌስቲቫል መንእሰያት #YPFDJ  ምስ ተመሃሮ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ሳዋን ዋርሳይ ይከኣሎን፣ ኣብ ኩለን ዓውድታት ያታውን ዘመናውን ስፖርት ክወዳደሩ፣ ይዕደሙ። ንብዝሕን ዓይነትን ተሳትፎ ብዝምልከት ክሳብ 15 ግንቦት 2018 ዝርዝር ኣስማት ተሳተፍቲ መንእሰያት ንኮሚቴ ፌስቲቫል ክቐርብ።   

         መጽናዕታዊ ጽሑፋት

ንዓቕሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ውሽጥን ደገን ብዝፍትሽ ኣገባብ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ንለውጢ ክእንፍት ዝኽእል ዕዮታት መጽናዕታዊ ጽሑፋት ብኽፉት ኣብ ኩሉ ዓውድታት ክቐርብ። ናይ ምቕራብ ገደብ ግዜ ክሳብ 15/ግንቦት/ 2018 ውዱእ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ናብ ኮሚቴ ፌስቲቫል ክቐርብ፣ 29 ሰነ 2018 ውድድር ኣብ ኣስመራ ይካየድ።   

           ሽልማት ሶይራ

እዚ ሽልማት እዚ፣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ኣብ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ለውጢ ንዘንቀሉ ዓበይቲ ስርሓት ዝሰርሑ መንእሰያት ዝውሃብ ዝልዓለ ደረጃ ዝሕዝ ናይ መንእሰያት ሃገራዊ ሽልማት ኮይኑ፣ ኣበርክቶ መንእሰያት #YPFDJ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ መንእሰያት ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ሽልማት ንኽሳተፉ ክፉት ኢዩ።    

                ዙራ ንሃገርካ
        19-23 ሓምለ 2018

    መደብ ዙራ ንሃገርካ ድሕሪ ምዝዛም ፌስቲቫል ናብ ልምዓታውን ታሪኻውን ቦታታት ናይ ምብጻሕ ንዞባታት 1-ጋሽ-ባርካ
2-ዓንሰባ
3-ማእከል
4-ደቡብን 
5-ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ዘጠቓልል  ሓፈሻዊ ናይ ዑደት መደብ ካብ ዕለት 19-23 ሓምለ 2018 ክካየድ ተሰሪዑ ኣሎ። 
     ሓጸርቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ኣብ ናይ ልምዓት ቦታታት ዓዲ ሃሎን ገርገራን ከምኡ’ውን ፍልፍል ሰለሙናን ጋሕቴላይን ክካየድ ኢዩ። 

                  መደብ ክረምታዊ 
            22 ሓምለ-08 ነሓሰ 2018

     ማእቶት ከም ኣካል ተታሒዙ ዘሎ ሃገራዊ ልምዓታዊ መደብ፣ ካብ ውሽጥን ወጻእን ኣስታት 1500 መንእሰያት ዝሳተፍዎ መደብ ክረምታዊ ማእቶት ካብ 22/07/18 - 08/08/18 ድሕሪ 8ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ክካየድ ኢዩ፡

        ምምዝጋብ ተሳተፍቲ መንእሰያት
           ሚያዝያ -08 ሓምለ 2018

     መስርሕ ምምዝጋብ መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምኡ’ውን ብonline 8th Eri-Youth festival registration form. ዝግበር ኮይኑ፣ ድሕረ-ገጻት ኣብ ዝዳሎ ፎርም online ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ክጅምር ኢዩ። ድሕሪ ናይ online ምዝገባ ክፍሊት ተሳትፎ (ናይ መጓዕዝያ ኣውቶቡሳት ካብን ናብን ኣስመራን ሳዋን ብጥርኑፍ ናይ ዝግበር ጉዕዞ ናይ መግብን ዘጠቓልል) ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሃማመተኤ ኣስመራ ካርድ ተሳትፎ ኣብ ዝዕደለሉ ግዜ ይካየድ።   

    ኣብ ውሽጢ ሃገር ብኣካል ንዝምዝገቡ ድማ ካብ ዕለት 25 ሰነ - 08 ሓምለ 2018 ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ክካየድ ኢዩ።   

Register now:- www.Eriyouth.org



6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events