Dehai News

(ቢቢሲ) ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኣምባሳደር ያማሞቶ ኣስመራ ኣትዮም።

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 23 April 2018

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኣምባሳደር ያማሞቶ ኣስመራ ኣትዮም።

23 ሚያዝያ 2018

ኣምባሳደር ያማማቶ

ኤርትራ፡ ኣብ ሶማል ንዝንቀሳቐስ ጉጅለ አልሻባብ ትድግፍ እያ ብዝብል፥ ውድብ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ማዕቐብ ካብ ዘንብረላ ኣትሒዙ ምስ አመሪካ ዝነበራ ርክብ ተበላሸዩ ድሕሪ ምጽንሑ'ዩ ሕጂ አምባሳደር ዶናልድ የማማቶ ድሕሪ ዒስራ ዐመት ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ዘለዉ።

እቶም ኣምባሳደር ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ፃንሒቶም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ከምዝራኸቡን ኣብ ክልተኣዊን ከባብያዊን ጉዳያት ከምዝመኽሩ መግለጺ ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት አመሪካ የረድእ።

ተቖጻጻሪ ኮሚቴ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ምስ ኣልቓዒዳ ጥቡቕ ርክብ ኣለዎ ንዘበሃል ኣልሸባብ ከምእድግፍ ዝሕብር ፀብፃብ ድሕሪ ምውፅኡ እዩ ብ2009 ማዕቐብ ተገይሩላ ንኽልተ ግዘ ድማ ተናዊሑ። እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ክሲ ብምንጻግ እቲ ማዕቐብ ንክለዓል ጎስጓስ ክገብር ፀኒሑ'ዩ። ተቖጻጻሪ ኮሚተ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ኣብ ናይ ዓሚ ጸብጻቡ፡ ኤርትራ ንኣልሻባብ ምድጋፋ ጭብጥታት ከምዘይረኸበ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ አፈወርቂ ፥ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጉዳይ ዶባት ዘይምፍትሑ ንመንግስቲ ኣመሪካ ሓላፍነት ከሰኩሙ ጸኒሖም። መንግስቲ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ንኤርትራ ብቐጻሊ እዩ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝወቕሳን ዝኸሳን።

ኣምባሳደር ነበር ዶናልድ የማማቶ ንኢትዮጵያ እውን ክበጽሑ እንተኾኑ ናይ ኣስመራ ጉዕዞኦም ግን ዝያዳ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ።

እቶም በዓል ስልጣን ድሕሪ ኤርትራ ንጉጅለ ልኡኽ ሃገሮም መሪሖም ናብ ክልቲኣዊ ፎረም ዝካየደሉ ጅቡቲ ከምርሑ እዮም። ብድሕሪኡ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ኣብ ወቕታዊን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓውድታትን ምስ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ከዝትዩ ትጽቢት ይግበር። እቶም ኣምባሳደር ቅድም ክብል ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ሓሳብ ከምዘለዎምን ፃዕሪ ክገብሩ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኣምባሳደር ያማሞቶ ኣስመራ ኣትዮም። - BBC ...







EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events