Dehai News

ኣመሪካ፣ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ መቕርቡን ዝቐተለ ወዲ 64 ዓመት ኤርትራዊ ኣቦ ብፖሊስ ተቐቲሉ

Posted by: Ghezae Hagos

Date: Tuesday, 08 May 2018

ኣመሪካ፣ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ መቕርቡን ዝቐተለ ወዲ 64 ዓመት ኤርትራዊ ኣቦ ብፖሊስ ተቐቲሉ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 07 May 2018

Ohio killing

ኣባዲ ገብረግዝኣብሄር ዝተባህለ ወዲ 64 ዓመት ኤርትራዊ ኣቦ፣ ንጓል 33 በዓልቲ ቤቱ ኣዜብ ደሞዝን ካልኦት ሰለስተ ናይ ቀረባ ኣዝማዱን ብኻራ ወጊኡ ከምዝቐተለ ንፖሊስ ኣመሪካ፣ ካብ ግዝኣት ኮሎምቦስ ኦሃዮ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ንሱ ነዚ ዘስካሕክሕ ቅትለት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፈጸመሉ ምኽንያት ገና ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ዝሓበረ ፖሊስ፣ ኢዱ ክህብ ፍቓደኛ ብዘይምንባሩ ኣብ ጎደና ከምዝቐተሎ'ዩ ዘመልክት።

ክልተ ካብቶም መወቲ፣ ሰላም ሃብተን ርእሶም ሃብተን ዝተባህሉ ኣሕዋት ክኾኑ እንከለዉ፣ ጓል 51 ዓመት ኣዲኦም ኣልጋነሽ ገብረግዝኣብሄር ካብ ሞት ድሒና ኣብ ሕክምና ተዓቝባ ትርከብ።

እታ ዝዓበየት ጓል ሸውዓተ ዓመት ዝኾነት ሰለስተ ደቆም ንቀታሊ ኣባዲ ገብረግዝኣብሄርን መዋቲት በዓልቲ ቤቱ ኣዜን ደሞዝን፣ ብዝኽትምና ተሪፎም ከምዘለዉ ዝሓበረት ኣንጂ ፕሉመር ዝተባህለት ማሕበርዊት ተሓጋጋዚት ስደተኛታት፣ ካብ ኤርትራ ዝኣክል ሃዲሞም ከብቅዑ ኣብ ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት ግዳያት ዘቤታዊ ጎነጽ ክኾኑ ዘሕዝን'ዩ ክትብል ገሊጻ።

========================



7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events