Dehai News

(ሻባይት) ስነ-ሞጎት ሓይልን ዕንወቱን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 12 May 2018

ስነ-ሞጎት ሓይልን ዕንወቱን 

12 ግንቦት 2018 

13 ግንቦት 1998፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ፓርላማን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ዚኣወጀሉ ዕለት እዩ። እዚ ብጉዳይ ዶብ ተመኽንዩ፡ ካብ ግንቦት 1998 ክሳብ ሰነ 2000 ዝተኻየደ፡ ብግብሪ ግን ካልእ ዘይሰመረ ሓደገኛ ጥሙሕ ዚነበሮ ኲናት’ዚ፡ ኣብዚ ዚሓለፈ 20 ዓመታት፡ ሰናይ ጉርብትና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሪጉ፡ ንክልቲኦም ህዝብታት ከቢድ ዋጋ ኣኽፊሉ፡ ሰላምን ምርግጋእን ዞባና ሓሚሱ፡ ኣብ ልምዓትን ዕብየትን ህዝብታት ናይዚ ዞባ ዘውረዶ ሃስያ፡ ዘስዓቦ ናይ ግዜን ዕድላትን ክሳራ ቀሊል ኣይኮነን። 

ኣብ 1991፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ዚወሰደ መሪር ሓርነታዊ ኲናት፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብናጽነት ምስ ተደምደመ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ጸልማት ዘመን ወጺኦም ብሩህ መጻኢ ናብ ዘማዕድውሉ ሓድሽ ምዕራፍ ኪሰጋገሩ ክኢሎም ነይሮም እዮም። ከምዚፍለጥ፡ ኣብቲ ነዊሕ ኲናት፡ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምጭፍላቕ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዚፈጸምዎ ጃምላዊ ህልቂትን ግፍዒን ናይ ኩናት ገበንን ውሑድ ኣይነበረን። ብስልጡን መትከላት፡ እዚ ገበን’ዚ ብወግዒ ይቕሬታ ኪሕተተሉን ካሕሳ ኪኽፈለሉን ይግባእ እኳ እንተነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን ዚሓለፈ ምዕራፍ ብምዕጻው፡ ንቕድሚት ኪጥምቱ እዮም መሪጾም። መጻኢ ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ከምዚዓቢ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ሰላማዊ ጉርብትናን ምሕዝነትን ብሂጎም። ዕላማ ናይቲ ክቡር መስዋእቲ ዚኸፈልሉ ቃልሲ፡ ምርግጋጽ ሰላም፡ ሰናይ ጉርብትና፡ ምርግጋእን ሓባራዊ ዕብየትን ስለዚነበረ። በዚ ሰፊሕ ልቦና’ዚ፡ ዚሓለፈ ጸሊም ምዕራፍ ተዓጽዩ፡ በቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንሓጺር እዋን ዚሰፈነ ሰላም፡ ኢትዮጵያ ተጠቃሚት ወደባት ኤርትራ ክትከውን ኣብ ርእሲ ምኽኣላ፡ ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ናይ ሚኒስተራት ኮሚተ ብምቛም፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ጸጥታ፡ ዲፕሎማሲ፡ ቁጠባ፡ ንግዲን ካልእ ብዙሕ ዓውድታትን ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና ብምፍጣር፡ ንህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ዘርብሕ ባይታ ክጸርጋ ክኢለን ነይረን። ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት፡ ብዘይ ፓስፖርት፡ ብመንነት ወረቐት ጥራይ ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን እናነጠፉ ረባሕቲ ናይቲ ዝተፈጥረ ሰላምን ርግኣትን ኪኾኑ በቒዖም ነይሮም። ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዚሰፈነ ሰላምን ርግኣትን ሓድሕድ ምትሕግጋዝን ድማ ንምሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዚጸለወ ምዕባለታት ወሊዱ። ኣብ ምክልኻል ደርቂ ጥራይ ኣተኲሩ ዚነጥፍ ዚነበረ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ብቐንዱ ብተበግሶ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ብምትሕብባር ሃገራት ዞባና፡ ዕላማታቱ ናብ ልምዓትን ምትሕግጋዝን ሃገራት ናይዚ ዞባ ከምዚሰፍሕ ተገይሩ። በዚ ከኣ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምሉኡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ሓባራዊ ዕብየት ከማዕዱ በቒዑ ነይሩ። 

የግዳስ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ እቲ “ኣብነታዊ ዝምድና” እናተባህለ ንውሑድ ዓመታት ዝተናእደ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፡ ንካልኦት ሃገራት ኣርኣያ ኪኸውን ትጽቢት እናተገብረሉ፡ ደግሲ ዚሓለፈ ታሪኽ ተኸሲቱ፡ ከም ብሓድሽ ናብ ዘመነ ኲናት ሪት-ለስ ኮይኑ።

እቲ ብ13 ግንቦት 1998 ዝተኣወጀ ኲናት፡ ኣብ ግዜኡ ንብዙሓት ሃንደበት እኳ እንተኾኖም፡ እቲ ናብዚ ምዕባለታት’ዚ ዚደፍአ ተጻባኢ ተግባራት ስርዓት ወያነ ግን ብውሑዱ ካብ ከባቢ 1996 ዚጀመረ እዩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ እዋን፡ ስርዓት ወያነ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት፡ ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዚነብሩ ኤርትራውያን ብዙሕ ተጻባኢ ተግባራት እናፈጸመ፣ ኣብ ከባቢታት ባድመ፡ ዓዲ-ምሩግን ቡሬን መሬት ንምግባት ዚገብሮ ዚነበረ ሰላሕታዊ ምስፍሕፋሕን ወተሃደራዊ ምትዂታዂን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዝምድና ክልቲኦም ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ብምሕላይ፡ ብዓቃልን ስቱርን መገዲ ኪሕዞ እዩ መሪጹ። ኣብ ነሓሰ 1997 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዚለኣኾ ክልተ ደብዳበታት፡ ንዶብ ዚምልከት ሽግር እንተሎ፡ ከየተዓባበኻ ብክልተኣዊ መገዲ ብሰላማዊን ሕጋዊን ኣገባብ ንምፍትሑ ካብ ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ኮሚቴ ኪቐውም ዚጽውዕ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ስርዓት ወያነን ናይ ግዳም ደረኽቱን ክንዮ ዶብ ዚኸይድ ካልእ ዕላማታትን ስትራተጂን ስለዚነበሮም እዚ ሰላማዊ ኣገባብ’ዚ ኣይተመርጸን። 

ኣብ ጽባሕ ኣዋጅ ኲናት ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ብ14 ግንቦት 1998 ህጹጽ ኣኼባ ዘካየደ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ እውን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብወግዒ ዝተኣወጀ ኲናት ከም ልሙድ ግብረ-መልሰ ናይ ሃገራት ብኣዋጅ ኲናት ኣይመለሰሉን። ኲናት ብዘይካ መቕዘፍቲን ዕንወትን ካልእ ውጽኢት ከምዘይርከቦ ብምስትውዓል፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ብህዱእን ዓቃልን መንፈስ፡ ናብ ኲናት ዘህጽጽ ምኽንያት ከምዘየለ ብምግላጽ፡ እዚ ዚስዕብ ናይ መፍትሒ እማመታት እዩ ኣቕሪቡ፡- 

1) ጉዳይ ዶብ ብሰላማዊን ሕጋዊን መገዲ እምበር ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኪፍታሕ ስለዘይክእልን ዘይግባእን፤ ሓይሊን ስነ-ሞጎት ሓይሊን ተወጊዱ፤ ንምፍትሑ ብቕልጡፍ ሳልሳይ ኣካል ዚሳተፎ ዘተ ኪግበር፤ 

2) ዘየድሊ ጎንጺ ንምውጋድ፡ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ንግዜኡ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናይ ክልቲኡ ወገን ናጻ ኮይኑ ተዓዘብቲ ኪኣትውዎ፤ 

3) ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት ብኣሃዱ ካርቶግራፊ ሕቡራት ሃገራት ምምልካት ዶብ ኪግበር፤

እዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከም ግብረ- መልሲ ኣዋጅ ኲናት ወያነ ዘቕረቦ ናይ መፍትሒ ሓሳባት ይኹን ቅድሚኡ ካብ 1997 ጀሚሩ ጉዳይ ዶብ ብክልተኣዊን ሰላማዊን መገዲ መዓልቦ ኪግበረሉ ደጋጊሙ ዘቕርቦ ዚነበረ ምሕጽንታታት፡ ኣብ እዋኑ ተቐባልነት ረኺቡ እንተዚነብር፡ ከም ሳዕቤን ናይቲ ድሒሩ ዚመጸ ኲናት ኣብ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ዚወረደ ገዚፍ ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራ ከሎ ገና ኪውገድ ምተኻእለ ነይሩ። ጉዕዞ ልምዓት ክልቲኦም ህዝብታትን ሰላምን ምርግጋእን ዞባናን ድማ ከምዚ ሎሚ ተሓንፍሽዎ ዘሎ ኣይምተዘርገን።

 እዚ ኹሉ ክሳራ ግን ኣብ ምንቲ ምንታይ? ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ፡ ካብዚ ኲናት’ዚ ብርግጽ እንታይ’ዮም ረቢሖም? ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘዋጽእ መገዲ ምስ ጎረቤቱ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላምን ምክብባርን ምንባር’ዶ ኣይምኾነን? ቀዳሞት ስርዓታት ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ንምንብርካኽ ዘካየድዎ ኲናትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ንብላሽ ዚኸፈሎ ዋጋን ተሞኲሮ ኪቕስመሉ ኣይ ምተገብአን’ዶ? ብስነ-ሞጎት ሓይሊ ህዝቢ ኣንበርኪኽና፡ ድላይና ክንፍጽም ንኽእል ኢና ዚብሉ ዓንደርቲ፡ ከምኡ ኪገብሩ ብቕዓት ኮነ ዓቕሚ ከምዘይብሎም ሕሉፍ ተሞኩሮ ዓለምና ኣይነገረን ድዩ? እዚ ዳግማይ ኲናት’ዚ እንተዘይመጽእ፡ ሎሚ ክልቲኦም ህዝብታት ኣብ ከመይ ኩነት ምሃለዉ? ካብ ኲናት’ዶ ካብ ሰናይ ጉርብትና ዚርከብ ረብሓ ይዓቢ? ብኣጋጣሚ 20 ዓመት ዝኽሪ ግንቦት እምበኣር፡ እዚ ሕቶታት’ዚ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ብዕምቈት ከስተንትንዎ ዚግባእ እዩ። 

ከም ኣካል ናይዚ ኲናት’ዚ፡ ስርዓት ወያነ ዘርኢ እናጸብጸበ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ነበርቲ ኢትዮጵያ ዚፈጸሞ ግፍዒ፡ ዝምታን ምብራርን፣ ኣብ መስርሕ’ቲ ኲናት ብወራር ኣብ ዚኣተዎ ከባቢታት፡ ህዝቢ ካብ ዓድታቱ ብምፍንቓል፡ ኣባይቱ ብምዕናው፡ ይዕበ ይንኣስ ንብረቱ ብምዝማት፡ ክሳብ መቓብር ሰማእታት ምፍሓር ዚበጽሐ ዘስገድግድ ተግባር፡ ሓዲግዎ ዘሎ በሰላ ብቐሊል ዚግመት ኣይኮነን። ስርዓት ወያነ ከምዚ ዚኣመሰለ ግፍዒታት ኣብ ዚፍጽመሉ ዚነበረ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ኪወስድ ትጽቢት ናይቲ ስርዓት እኳ እንተነበረ፡ መንግስታት ሓለፍቲ ህዝብታት ግን ብሓባር ነበርቲ ምዃኖም ብምስትውዓል፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ብ26 ሰነ 1998 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ መሰል ኢትዮጵያውያን ነበርቲ ኤርትራ ብዚኾነ መገዲ ወይ ኣካል ከይግሃስ ዚጽውዕ መግለጺ እዩ ኣውጺኡ።   

ስርዓት ወያነ ብድፍኢትን ደገፍን ዓበይቲ ሃገራት፡ ብስነ-ሞጎት ሓይሊ ኪወቕዖ ዚሓለነ ዕላማታት፡ ኣብ ባይታ ምስ ሓያል መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ተራጺሙ፡ ኣብ መወዳእታ ዚከኣል ኮይኑ ኣይተረኽበን። ሰለስተ ዓበይቲ ወራራት ብዘይካ ዕንወት ካልእ ፋይዳ ከይተረኽቦ ዘፍ ኢሉ። እቲ መመኽነይታ ኮይኑ ዚቐረበ ጉዳይ ዶብ ድማ ብኣህጉራዊ ሕጊ፡ ብይን ተዋሂብዎ መዓልቦ ረኺቡ።

ድሕሪ’ዚ ኹሉ ኣዕናዊ ተሞኩሮ እውን እንተኾነ፡ እቲ ዝተዋህበ ብይን ተተግቢሩ፡ እቲ ኩነታት ቀልጢፉ ናብ ንቡር ኪምለስ ትጽቢት ናይ ኩሉ ደላይ ሰላምን ምዕባለን እዩ ነይሩ። የግዳስ ትግባረ ብይን ሓኒቕካ ብምሓዝ፡ ንህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ የዳኽም’ዩ ዝተባህለ ሕብረ ብዙሕ ተጻብኦታት ስዒቡ። ኩሉ ግን ኣይሰርሐን። ይኹን’ምበር ሃስያኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዞባና ቀሊል ኣይነበረን። ኣብዚ ዚሓለፈ 20 ዓመት ዚወረደ ክሳራ መጠኑ ብገንዘብ ይኹን ካልእ መለክዒ ዝትመን ኣይኮነን። ድሕሪ’ዚ ኹሉ ፋይዳ ዘይተረኽቦ ናይ ኲናት ሃዋህው እምበኣር፡ ህዝቢ ኢትዮጵያን መራሕቱን ልቦና ኪገብሩ ዘግባእብእ እዩ።

ተደጋጊሙ ከምእተገልጸ፡ ሓቂ ንምቕባል ትብዓት እንተሎ፡ ፍታሕ ናይዚ ጉዳይ’ዚ ሓደን ቀሊልን ዘየሻሙን እዩ። ልዕልና ሕጊ ብምኽባር፡ ብመሰረት ውሳነ ኮምሽን ዶብ፡ ጎበጣ ልኡላዊ መሬት ኣብቂዑ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ዚምለሰሉ፡ ዝተኸስረ ግዜን ዕድላትን ዚድበሰሉ፡ ስልጡንን ተባዕን ስጉምቲ ምውሳድ ጥራይ እዩ። ካብኡ ወጻኢ ዚፍተን ኩሉ ዓይነት ምውስዋሳት ግን፡ ሕጂ’ውን ፋይዳ ኪርከቦ ከምዘይክእል ምግንዛብ የድሊ።

Editorial




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events