Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 25 May 2018


መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

25 ግንቦት 2018 

Keynote address by President Isaias Afwerki on the occasion of Eritrea's 27th Independence Anniversary

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲን ዕዱማትን

በዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ፡ ዝኽሪ 27 ናጽነት፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዮሃና! 

ንኹሎም ኣብ ምውዳብን ምምዕራግን’ዚ በዓል ዝደኸሙ ከኣ፡ ምስጋና።

ዓመት ሓለፈ፡ ዓመት መጸ፡ ርዝነትን ክብሪን፡ ሓርነትን ናጽነትን እናዓዘዘ፡ ትርጉም ልዑላዊነት ከኣ እናተዀልዐ ምምጽኡ፡ ዕግበት የትርፍ ጥራይ ዘይኰነ፡ ጽንዓት’ውን ዝድርዕ’ዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ፡ “ራእይ ብዕዮ እዩ”። ድሌት ሓርነትን ናጽነትን ሰባት ከም ራእይ፡ ናይ ባህሪ ሕጊን መሰልን’ዩ። ናጻ ሃገር ምህናጽ፡ ማለት . . . ብቑጠባ ርህውቲ፡ ካብ ልምዓት-ናብ-ዝበረኸ ልምዓት ትግስግስ፡ ቅሳነትን ርግኣትን ዝሰፈና፡ ኣብ ህዱእ ናይ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ጐደቦ ትነብር፡ ውህድቲ ናይ ዜግነት ሃገር ምህናጽ፡ ሰናይ ባዕላዊ ድሌት ጥራይ ዘይኰነ፡ ክቡር ዋጋን ዕድልን ዝተኸፍሎ ሕድሪ’ዩ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ራእይን መሰልን ሓርነት፡ ብጒንዖ (favor) ወይ ምጽወታ ዘይኰነ፡ ንኣስታት 50 ዓመታት፡ ብመዘና ዘይርከቦ ስራሕን መስዋእቲን’ዩ ክዉን ኰይኑ። ጸወን (protection) ናጽነትን ልዑላዊነትን፡ ወይ ራእይ ሃገራዊ ድሕነት ከም ክዉን ንምርግጋጽ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ኩሉ ዓይነት ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ሽርሒታት፡ ጸጥታዊ ምፍትታን፡ ቁጠባዊ ሸርሒታት . . . ንምምካት ዝተፈጸመ ስራሕን መስዋእቲን፡ ዳግማይ ምስክርነት፡ ራእይ ብስራሕ’ዩ ነይሩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ክዉን ታሪኽ ከምዝመሃረና፡ ዓለማዊን ዞባዊን ኣጀንዳታት፡ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዕዞና መጠናዊ ጽልዋ ዘለዎም ረቛሒታት’ዮም። እዚ ሎሚ ብዓለም ደረጃን፡ ኣብ ዞባናን፡ ኪርበጽ ንርእዮ ዘሎና ምዕባሌታት፡ ንመጻኢ ጉዕዞና ኣመታት ስለዘለዎ፡ ብዕቱብ ክንከታተሎን ክንርድኦን፡ ብኡ’ቢሉ ከኣ፡ ኣብ መጻኢ መደባትና ኪህልዎ ዝኽእል መጠን ጽልዋ ክንግምግምን ግቡእ’ዩ።

ካብ ድሕሪ 2ይ ኲናት ዓለም፡ ክሳብ ናጽነትና ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን፡ ከም “ዘመነ- ዝሑል ኲናት” ዝፍለጥ ክልተ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት’ዩ ነይሩ። ናይ ሰዓት-ሰዓት ዝርዝራቱ፡ ኣብ መዛግብትና ኣሎ። ክልተ- ቐጽራዊ ስርዓት ኣብቂዑ ኣብ ዝተባህለሉ- ወዝቢ ምስ ዓመተ ሓርነትና ዝተጋጠመ - መዋእል እንኮ-ቐጽራዊ ስርዓት ተራሕዩ ተባሂሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝተራእየ ሃለኽለኽን፡ ዘኸተሎ ዕንወትን፡ ናይ ትማሊ ድብቱር ዛንታ’ዩ። እዚ ዝተባህለ “እንኮ- ቐጽራዊ” ዓለማዊ ስርዓት፡ ከምቲ ዝተነበዩሉ ዘይኰነ፡ ዕምሩ ናብ ምሕጻር፤ ዘሎናዮ ርቡጽ ኩነታት ከኣ፡ ዕላመታት (symptoms) ናይ ምስግጋር መድረኽ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ናበይ ዝወስድ መሰጋገሪ መድረኽ? ክንደይ’ከ ይወስድ ይኸውን? ናብ ብዙሐ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ዝብሉ ኣለዉ። ናይ መነመን፡ ብዙሓት? ኣመሪካ? ቻይና? ሩስያ? ህንዲ? ኤውሮጳ? እንታይ ዝመስል ምጽ’ንባር (combinations) ወይ ዝንቕ-ሚዛን ክህልዎ ይኽእል? በየናይ ስርዓተ-ክብሪታት (value system) ዝግዛእ? ንዞባና’ኸ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል?. . . ብዙሓት ሕቶታት ዘበጋግስ’ዩ።

ንርዱእ ምኽንያታት፡ ናይ ክልተ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ናፍቖት ኪህልወና ኣይክእልን፤ ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና ስለዝሰገርናዮ። ነዚ ናይ ትማሊ፡ ንእንኮ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ዝጠፍእ ፍቕሪ’ውን ኪህልወና ኣይክእልን፤ ልዑላዊነትና ዝተደፍረሉን፡ ናይ ሸጠፍ ዘይሕጋዊ እገዳ ዝተስገደደሉን ስለዝዀነ። ናይ ብዙሐ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ሃንቀውታ ነሕድረሉ ምኽንያት’ውን የብልናን። ክልተ-ቐጽራዊ ይኹን፡ እንኮ- ቐጽራዊ፡ ወይ ብዙሐ-ቐጽራዊ፡ ናይ ቀጽርታት ፍቕዲ ዘይኰነ ዘገድስ፤ ካብ ስሱዕ፡ ግዝኣተ-ጫካ ውሑዳት ገበትቲ ወጻኢ፤ ልዑላዊነትን ፍትሒን ዝኸብረሉ ስርዓት ኪኸውን፡ ናይ ኩሉ ህዝቢታት ዓለም ሕርያ’ዩ።

“ሓያላን ዓለም” ዝበሃሉን፡ ናይ ዞባና “ጎብለላት ኢና” በሃልቲን ሓንከርቲን፡ . . . መጋበርያታቶምን፤ በብዝመስሎም ኣጀንዳታትን ጸወታን፤ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 75 ዓመታት ዝፈጠሩልና ብድሆታት፡ ኣብ ዝኽሪታትና ስለዘሎ፡ ናይ መጻኢ ሲናርዮታት ዝተፈላለየ ድብልቕ ወይ ምጽን’ባር ኣጀንዳታት፡ ብጥንቃቐ ተገንዚብና፤ ናይ ጉዕዞና መርሓ-ጐደናታት ክንቅይስ ግቡእ’ዩ። ኣብ ኩሉ ተኽእሎታት ግን፡ ኣእዳውና ኣጣሚርና ክንዕዘብ ዘይኰነ፤ ብዘይ ዘውጊ (bias) ብንጥፈት ክንዋሳእ ድሉውነትና ምሕያል ኣብ ቦትኡ ኪህሉ’ዩ።

ኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ዓለማዊን ዞባዊን ምዕባለታት፡ መጠናቶም ብዘየገድስ፤ ኣብ ጉዕዞና ዝህልዎም ጽልዋታት ዘይከሓድ’ኳ እንተዀነ፡ ቀንዲን ወሳኒን፡ ዘቤታዊ ምዕባለታትን ሓይሉን’ዩ። ከምቲ ናይ ቃልሲ ሓርነት ቅያ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ነቲ ሩፍታ ዘይህብ ተጻብኦታት፡ ብዓቕሊን ጽንዓትን ሓያል መኸተን ገጢምና ስለዘይተጸዓድና፡ ኩሉ ዕላመት ተጻብኦታት፡ ናብ ጽዑቕ-ክንክን ወይ ምሕላቕ ገጹ’ዩ ዘእንፍት። ከምኡ ስለዝዀነ፤ ንመጻኢ ጉዕዞና ተኸሲቱ ዘሎ ዕድላት ዓቢ እዩ። ልምዓታዊ መኸተና፡ ብዝዓበየ ጉልበትን ዝያዳ ናህሪን፡ ደርማስ ፕሮግራማት ከነተግብር ምእንቲ እምበኣር፤ በእምሮን ብኣካልን ክንዳሎ፡ ግድነት እምበር ሕርያ ኣይኰነን።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ምስ ውሁብ ኩነታትን ዕድላትን፡ ሒዝናዮም ዝጸናሕና ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታትን፡ ንዝበለጸ ተተግባራዊነት፡ ክለሳን ምጽዕዳውን ዘድልዮም’ኳ እንተዀኑ፤ ሓፈሻዊ ኣስተዋጽኦኦም (summary)፡ ከምዚ ዝስዕብ’ዩ፦

• ዘኒቡ ዝውሕዝ ማይ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቊጽጽር ናይ ምእታው እስትራተጂ፡ ብምዕሩይ ዝርግሐ፡ በብመድረኽ እናተተግበረ፡ ንልዑል (optimum) ኣጠቓቕማ ጸጋ ማይን መሬትን ክሊማን፡ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምትእትታው፡ ኣብ ዝተፈላለየ ምድባት ሕርሻ፡ ምህርቲ ብዓይነትን ዓቐንን ምኽዕባት፤ 

• ኣብ ባሕራዊ ጸጋታት፡ ብተመሳሳሊ እስትራተጂ፡ ዘቤታዊ ናይ ምምራት ብቕዓት (capacity) ንምንዳቕ ዘበግስ መሰረታት ምንጻፍ፤ 

• ንርዱእ እስትራተጂያዊ ኣገዳስነቱ፡ ናብ ምስናዕን ኢንዱስትሪያዊነትን ብፍጥነት ንምግስጋስ፡ ካብ ዘሎ ትሑትን ድኹምን፡ ቀረብን ኣገልግሎትን ኤለትሪክ ወጺእና፡ ዝተፈላለዩ ጽላታዊ ፕሮግራማትና ንምሕያል፡ ተቐዪሱ ዝጸንሐ ዝንቕ ዝተፈላለየ መመንጨዊ (ረስናዊ፡ ጸሓያዊ፡ ንፋሳዊ፡ . . . ካልእ) ሕርያታት ብምድዩላዊ (modular) ኣከፋፍላኡ ንምትግባር፡ ወፍሪን ጻዕሪን ምዝያድ፤

• ትሕተ-ቕርጻዊ ፕሮግራማት (ጽርግያታት፡ ወደባት/ ማርሳታት፡ መዓልቦ . . . እንተላይ ጐሰስ ንዝብል ዘሎ ፕሮጀክትታት መንበሪ ኣባይቲ) በድማዕነት ንምትግባር፡ ኣብ ምድላብ ዘቤታዊ ጸጋታትን ዓቕሚን ወፍሪ ምዝያድ፤

• ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ብዓይነትን ዓቐንን ምዕባይ፤ 

• ጀሚሩ ኣብ መስርሕ ትግባረ ዘሎ፡ ፊስካላዊን ገንዘባዊን ዳግመ-ውቀራ (restructuring) ብዝሓየለ ዓይነታዊ ምሕደራ ከምዝምዕብል ምድራኽ፤ 

• ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒታት ምምሕዳራት ዝጸንሐ፡ ድኻማትን ብከላን፡ ንምሕያልን ንምጽራይን፡ ተበጊሱ ዝጸንሐ ምትዕርራይ፡ ዳግም ከሊስካ፡ ምሕደራ ምሕሳን፤ 

• ብፍሉይ ኣቓልቦን ልዕሊ ኩሉን፡ ጸጋ-ሰብናን ኣራባሕነቱን ንምዕባይ፡ ስርዓተ-ትምህርቲ፡ ብካሪክሉምን ደገፋትን፡ መምህራንን/ ኣሰልጠንቲን፡ ትሕተ-ቕርጺን ካልእ ኣገዳሲ መሳለጥያታትን ንምሕያል፡ ጥሙር (integrated) ወፍሪ ምኽዕባት፤ 

• ኣብ ኩሎም መደባት ልምዓታዊ መኸተ፡ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሱታፌን ኣበርክቶን ንምዕባይ፡ ተነዲፎም ዝጸንሑን፡ ከምቲ ዝድለ ዘይገስገሱን ፕሮግራማት ከሊስካ፡ ውጥን-ትግባረ ምንዳፍ . . . ቀንዲ ቀዳምነታት ናይ’ዚ ዝመጽእ 3/5 ዓመታት’ዮም።

ደጊመ፡ ራእይና ንምጭባጥ ኣይክንሰንፍን ኢና እናበልኩ፤ 

ምስ ሰናይ ምንዮት ጥሉል ክራማት፤ 

ነባሪ ዝኽሪ፡ ነቶም ብኣርኣያነቶም ዝመሃሩናን ዘጽንዑናን ጀጋኑ ሰማእታት! 

ዓወት ንሓፋሽ!




6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events