Dehai News

(ሚኒስትሪ ዜና) ኣሰልቻዊ ናይ ሓሶት ወረ ‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስሌተር’

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 25 May 2018

ጋዜጣዊ መግለጺ

ኣሰልቻዊ ናይ ሓሶት ወረ

‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስሌተር’



25 ግንቦት 2018 

‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስሌተር’ ዝተባህለ ጋዜጣ፡ ኣብ ናይ 18 ግንቦት 2018 ቊ.1474 ሕታሙ፡ መባእታዊ ናይ ምጽራይ መስርሕ’ውን ከየካየደ፡ ብምሒር ምድግጋም ኣሰልቻዊ ዝኾነ ናይ ሓሶት ወረ ብዛዕባ ኤርትራ ዘርጊሑ’ሎ። ገለ ካብ’ቲ ዘርምምን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ወረ፡ እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፦

1, እቲ ጋዜጣ፡ ሚኒስትሪ ዜና ብ14 ግንቦት 2018 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ‘ንዕጡቓት ተቓውምቲ ኤርትራ’ ዝብልዎም ንምሕጋዝ ተሰማሚዖም” ንዝበሎ ብዝምልከት፡ ንሓደ ዘይሰመዮ “ምንጪ ካብ ኣዲስ- ኣበባ” ብምጥቃስ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ “ንዝኾነ ክኽሰት ዝኽእል ስግኣት ንምግጣም፡ ኣሃዱታት ዕቑር ሰራዊት ብምጽዋዕ፡ ሰራዊት ናይ ምኽታት ስጒምቲ ወሲዱ።” ክብል ዘርጊሑ።

እዚ ውጹእ ሓሶት’ዩ። ኤርትራ፡ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይወሃቦን ዘየጨንቕን ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ዝቐጸለ እከይ ተግባራት ንምግጣም፡ ሰራዊት ምኽታት ኣየድልያን’ዩ። ነዚ ብዝምልከት፡ እቲ ብሚኒስትሪ ዜና ዝወጸ መግለጺ፡ “እቲ ዛንታ ሓድሽን ዘገርምን’ኳ እንተዘይኰነ፡ ዓጀብ ዘብል’ዩ” ክብል ኣነጺርዎ’ዩ። 

2, ኣብ’ቲ ዝተጠቕሰ ሕታም ግን ከኣ ኣብ ካልእ ንጅቡቲን መጻብቦ ባብ-ኤል- መንደብን ዝምልከት ዓንቀጽ (ገጽ 4)፡ ‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስሌተር’፡ “ኣብ ስቴት ደፓርትመንት ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማማቶ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ንዞባ ኣቦኽ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ናጻ ምግባር ብዝምልከት፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዘራሪቡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ፡ ምስ ተቓዋሚ ጉጅለ ‘ፍሩድ’ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣብ ፍታሕ ምብጻሕ ከምዘይከኣል ገሊጹ።” ይብል።

እዚ’ውን ውጹእ ሓሶት’ዩ። ኣብ’ቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምክትል ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝተገብረ ርክብ፡ ከም’ዚ ዓይነት ጉዳይ ኣይተዘርበሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ፍጹም ኣይተላዕለን’ውን።

3, ኣብ ተመሳሳሊ ሕታም ኣብ ዝወጸ ሳልሳይ ዓንቀጽ፡ ‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስሌተር’፡ ኣብ ጅቡቲ “ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምምስራሕ ዘገልግል ማእከል” ዝምልከት ‘ርሱን’ ጉዳይ ከምዘሎ ብምፍኣም፡ እቲ ብፈረንሳን ሕብረት ኤውሮጳን ዝምራሕ ዘሎ ዛዕባ፡ ዛጊት ካብ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ተቐባልነት ረኺቡ’ሎ።” ክብል ኣስፊሩ’ሎ።

እዚ ጽውጽዋያዊ ዛንታታት፡ ምላሽ ክትህበሉ’ውን ዝበቅዕ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን፡ ‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስሌተር’ ባዕሉ ንዝፈልጦ ምኽንያታት፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዘይተገርሐ ዘመተ ናይ ሓሶት ዛንታታት ኣንጻር ኤርትራ ክዝርግሕ ይርአ’ሎ። እዚ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ድሙቕ ሕላገቱ ኰይኑ ጸኒሑ። 

ኣብ ዝሓለፈ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝተጠቕሰ፡ ሚኒስትሪ ዜና፡ ‘ኢንድያን ኦሸን ኒውስሌተር’ ንኣንበብቱ ገለ ክብሪ ብምሃብ፡ ካብ ምዝርጋሕ ንኻልእ ኣጀንዳታት ዘገልግል ናይ ሓሶት ወረን ዛንታታትን ብዛዕባ ኤርትራ ክሕየብ ይጽውዕ።

ሚኒስትሪ ዜና 

ኣስመራ - 22 ግንቦት 2018



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events