Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ: መደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መበል 27 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ።

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Saturday, 26 May 2018

ጉምቦት 24, 2018 ዓም ፈረንጂ


ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን


ተሳተፍቲን ዕዱማትን


በዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ፡ ዝኽሪ 27 ናጽነት፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዮሃና!
ንኹሎም ኣብ ምውዳብን ምምዕራግን በዓል ዝደኸሙ ከኣ፡ ምስጋና።


ዓመት ሓለፈ፡ ዓመት መጸ፡ ርዝነትን ክብሪን፡ ሓርነትን ናጽነትን እናዓዘዘ፡ ትርጉም ልዑላዊነት ከኣ እናተዀልዐ ምምጽኡ፡ ዕግበት የትርፍ ጥራይ ዘይኰነ፡ ጽንዓትውን ዝድርዕዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ፡ራእይ ብዕዮ እዩ ድሌት ሓርነትን ናጽነትን ሰባት ከም ራእይ፡ ናይ ባህሪ ሕጊን መሰልንዩ። ናጻ ሃገር ምህናጽ፡ ማለት . . . ብቑጠባ ርህውቲ፡ ካብ ልምዓት-ናብ-ዝበረኸ ልምዓት ትግስግስ፡ ቅሳነትን ርግኣትን ዝሰፈና፡ ኣብ ህዱእ ናይ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ጐደቦ ትነብር፡ ውህድቲ ናይ ዜግነት ሃገር ምህናጽ፡ ሰናይ ባዕላዊ ድሌት ጥራይ ዘይኰነ፡ ክቡር ዋጋን ዕድልን ዝተኸፍሎ ሕድሪዩ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ራእይን መሰልን ሓርነት፡ ብጒንዖ (favor) ወይ ምጽወታ ዘይኰነ፡ ንኣስታት 50 ዓመታት፡ ብመዘና ዘይርከቦ ስራሕን መስዋእቲን ክዉን ኰይኑ። ጸወን (protection) ናጽነትን ልዑላዊነትን፡ ወይ ራእይ ሃገራዊ ድሕነት ከም ክዉን ንምርግጋጽ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ኩሉ ዓይነት ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ሽርሒታት፡ ጸጥታዊ ምፍትታን፡ ቁጠባዊ ሸርሒታት . . . ንምምካት ዝተፈጸመ ስራሕን መስዋእቲን፡ ዳግማይ ምስክርነት፡ ራእይ ብስራሕ ነይሩ።


ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን


ክዉን ታሪኽ ከምዝመሃረና፡ ዓለማዊን ዞባዊን ኣጀንዳታት፡ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዕዞና መጠናዊ ጽልዋ ዘለዎም ረቛሒታትዮም። እዚ ሎሚ ብዓለም ደረጃን፡ ኣብ ዞባናን፡ ኪርበጽ ንርእዮ ዘሎና ምዕባሌታት፡ ንመጻኢ ጉዕዞና ኣመታት ስለዘለዎ፡ ብዕቱብ ክንከታተሎን ክንርድኦን፡ ብኡቢሉ ከኣ፡ ኣብ መጻኢ መደባትና ኪህልዎ ዝኽእል መጠን ጽልዋ ክንግምግምን ግቡእዩ።


ካብ ድሕሪ 2 ኲናት ዓለም፡ ክሳብ ናጽነትና ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን፡ ከምዘመነ- ዝሑል ኲናትዝፍለጥ ክልተ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ነይሩ። ናይ ሰዓት-ሰዓት ዝርዝራቱ፡ ኣብ መዛግብትና ኣሎ። ክልተ- ቐጽራዊ ስርዓት ኣብቂዑ ኣብ ዝተባህለሉ- ወዝቢ ምስ ዓመተ ሓርነትና ዝተጋጠመ - መዋእል እንኮ-ቐጽራዊ ስርዓት ተራሕዩ ተባሂሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝተራእየ ሃለኽለኽን፡ ዘኸተሎ ዕንወትን፡ ናይ ትማሊ ድብቱር ዛንታዩ። እዚ ዝተባህለእንኮ- ቐጽራዊዓለማዊ ስርዓት፡ ከምቲ ዝተነበዩሉ ዘይኰነ፡ ዕምሩ ናብ ምሕጻር፤ ዘሎናዮ ርቡጽ ኩነታት ከኣ፡ ዕላመታት (symptoms) ናይ ምስግጋር መድረኽ ክበሃል ይከኣል። ናበይ ዝወስድ መሰጋገሪ መድረኽ? ክንደይ ይወስድ ይኸውን? ናብ ብዙሐ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ዝብሉ ኣለዉ። ናይ መነመን፡ ብዙሓት? ኣመሪካ? ቻይና? ሩስያ? ህንዲ? ኤውሮጳ? እንታይ ዝመስል ምጽንባር (combinations) ወይ ዝንቕ-ሚዛን ክህልዎ ይኽእል? በየናይ ስርዓተ-ክብሪታት (value system) ዝግዛእ? ንዞባና ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል?. . . ብዙሓት ሕቶታት ዘበጋግስዩ።

ንርዱእ ምኽንያታት፡ ናይ ክልተ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ ናፍቖት ኪህልወና ኣይክእልን፤ ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና ስለዝሰገርናዮ። ነዚ ናይ ትማሊ፡ ንእንኮ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ዝጠፍእ ፍቕሪውን ኪህልወና ኣይክእልን፤ ልዑላዊነትና ዝተደፍረሉን፡ ናይ ሸጠፍ ዘይሕጋዊ እገዳ ዝተስገደደሉን ስለዝዀነ። ናይ ብዙሐ-ቐጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ሃንቀውታ ነሕድረሉ ምኽንያትውን የብልናን። ክልተ-ቐጽራዊ ይኹን፡ እንኮ- ቐጽራዊ፡ ወይ ብዙሐ-ቐጽራዊ፡ ናይ ቀጽርታት ፍቕዲ ዘይኰነ ዘገድስ፤ ካብ ስሱዕ፡ ግዝኣተ-ጫካ ውሑዳት ገበትቲ ወጻኢ፤ ልዑላዊነትን ፍትሒን ዝኸብረሉ ስርዓት ኪኸውን፡ ናይ ኩሉ ህዝቢታት ዓለም ሕርያዩ።

ሓያላን ዓለምዝበሃሉን፡ ናይ ዞባናጎብለላት ኢናበሃልቲን ሓንከርቲን፡ . . . መጋበርያታቶምን፤ በብዝመስሎም ኣጀንዳታትን ጸወታን፤ ኣብ ዝሓለፈ 75 ዓመታት ዝፈጠሩልና ብድሆታት፡ ኣብ ዝኽሪታትና ስለዘሎ፡ ናይ መጻኢ ሲናርዮታት ዝተፈላለየ ድብልቕ ወይ ምጽንባር ኣጀንዳታት፡ ብጥንቃቐ ተገንዚብና፤ ናይ ጉዕዞና መርሓ-ጐደናታት ክንቅይስ ግቡእዩ። ኣብ ኩሉ ተኽእሎታት ግን፡ ኣእዳውና ኣጣሚርና ክንዕዘብ ዘይኰነ፤ ብዘይ ዘውጊ (bias) ብንጥፈት ክንዋሳእ ድሉውነትና ምሕያል ኣብ ቦትኡ ኪህሉዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን


ዓለማዊን ዞባዊን ምዕባለታት፡ መጠናቶም ብዘየገድስ፤ ኣብ ጉዕዞና ዝህልዎም ጽልዋታት ዘይከሓድ እንተዀነ፡ ቀንዲን ወሳኒን፡ ዘቤታዊ ምዕባለታትን ሓይሉንዩ። ከምቲ ናይ ቃልሲ ሓርነት ቅያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ነቲ ሩፍታ ዘይህብ ተጻብኦታት፡ ብዓቕሊን ጽንዓትን ሓያል መኸተን ገጢምና ስለዘይተጸዓድና፡ ኩሉ ዕላመት ተጻብኦታት፡ ናብ ጽዑቕ-ክንክን ወይ ምሕላቕ ገጹ ዘእንፍት። ከምኡ ስለዝዀነ፤ ንመጻኢ ጉዕዞና ተኸሲቱ ዘሎ ዕድላት ዓቢ እዩ። ልምዓታዊ መኸተና፡ ብዝዓበየ ጉልበትን ዝያዳ ናህሪን፡ ደርማስ ፕሮግራማት ከነተግብር ምእንቲ እምበኣር፤ በእምሮን ብኣካልን ክንዳሎ፡ ግድነት እምበር ሕርያ ኣይኰነን።


ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ምስ ውሁብ ኩነታትን ዕድላትን፡ ሒዝናዮም ዝጸናሕና ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታትን፡ ንዝበለጸ ተተግባራዊነት፡ ክለሳን ምጽዕዳውን ዘድልዮም እንተዀኑ፤ ሓፈሻዊ ኣስተዋጽኦኦም (summary) ከምዚ ዝስዕብዩ፦

 

  • ዘኒቡ ዝውሕዝ ማይ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቊጽጽር ናይ ምእታው እስትራተጂ፡ ብምዕሩይ ዝርግሐ፡ በብመድረኽ እናተተግበረ፡ ንልዑል (optimum) ኣጠቓቕማ ጸጋ ማይን መሬትን ክሊማን፡ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምትእትታው፡ ኣብ ዝተፈላለየ ምድባት ሕርሻ፡ ምህርቲ ብዓይነትን ዓቐንን ምኽዕባት፤
  • ኣብ ባሕራዊ ጸጋታት፡ ብተመሳሳሊ እስትራተጂ፡ ዘቤታዊ ናይ ምምራት ብቕዓት (capacity) ንምንዳቕ ዘበግስ መሰረታት ምንጻፍ፤
  • ንርዱእ እስትራተጂያዊ ኣገዳስነቱ፡ ናብ ምስናዕን ኢንዱስትሪያዊነትን ብፍጥነት ንምግስጋስ፡ ካብ ዘሎ ትሑትን ድኹምን፡ ቀረብን ኣገልግሎትን ኤለትሪክ ወጺእና፡ ዝተፈላለዩ ጽላታዊ ፕሮግራማትና ንምሕያል፡ ተቐዪሱ ዝጸንሐ ዝንቕ ዝተፈላለየ መመንጨዊ (ረስናዊ፡ ጸሓያዊ፡ ንፋሳዊ፡ . . . ካልእ) ሕርያታት ብምድዩላዊ (modular) ኣከፋፍላኡ ንምትግባር፡ ወፍሪን ጻዕሪን ምዝያድ፤
  • ትሕተ-ቕርጻዊ ፕሮግራማት (ጽርግያታት፡ ወደባት/ ማርሳታት፡ መዓልቦ . . . እንተላይ ጐሰስ ንዝብል ዘሎ ፕሮጀክትታት መንበሪ ኣባይቲ) በድማዕነት ንምትግባር፡ ኣብ ምድላብ ዘቤታዊ ጸጋታትን ዓቕሚን ወፍሪ ምዝያድ፤
  • ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ብዓይነትን ዓቐንን ምዕባይ፤
  • ጀሚሩ ኣብ መስርሕ ትግባረ ዘሎ፡ ፊስካላዊን ገንዘባዊን ዳግመ-ውቀራ (restructuring) ብዝሓየለ ዓይነታዊ ምሕደራ ከምዝምዕብል ምድራኽ፤
  • ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒታት ምምሕዳራት ዝጸንሐ፡ ድኻማትን ብከላን፡ ንምሕያልን ንምጽራይን፡ ተበጊሱ ዝጸንሐ ምትዕርራይ፡ ዳግም ከሊስካ፡ ምሕደራ ምሕሳን፤
  • ብፍሉይ ኣቓልቦን ልዕሊ ኩሉን፡ ጸጋ-ሰብናን ኣራባሕነቱን ንምዕባይ፡ ስርዓተ-ትምህርቲ፡ ብካሪክሉምን ደገፋትን፡ መምህራንን/ ኣሰልጠንቲን፡ ትሕተ-ቕርጺን ካልእ ኣገዳሲ መሳለጥያታትን ንምሕያል፡ ጥሙር (integrated) ወፍሪ ምኽዕባት፤
  • ኣብ ኩሎም መደባት ልምዓታዊ መኸተ፡ ኣብ ወጻኢ ናይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሱታፌን ኣበርክቶን ንምዕባይ፡ ተነዲፎም ዝጸንሑን፡ ከምቲ ዝድለ ዘይገስገሱን ፕሮግራማት ከሊስካ፡ ውጥን-ትግባረ ምንዳፍ . . . ቀንዲ ቀዳምነታት ናይ ዝመጽእ 3/5 ዓመታትዮም።


ደጊመ፡ ራእይና ንምጭባጥ ኣይክንሰንፍን ኢና እናበልኩ፤ ምስ ሰናይ ምንዮት ጥሉል ክራማት፤
ነባሪ ዝኽሪ፡ ነቶም ብኣርኣያነቶም ዝመሃሩናን ዘጽንዑናን ጀጋኑ ሰማእታት!


ዓወት ንሓፋሽ!


 

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events