Dehai News

( ቢቢሲ ) ሰበ ስልጣን ኤርትራ፡ መንግስትና ቅድሚ 16 ዓመታት ስለዝመለሰ ሕጂ ዝህቦ ምላሽ የብሉን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 08 June 2018

ሰበ ስልጣን ኤርትራ፡ መንግስትና ቅድሚ 16 ዓመታት ስለዝመለሰ ሕጂ ዝህቦ ምላሽ የብሉን

 
8 ሰነ 2018 

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ንውሳነ ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ክትግብሮ ከም ዝወሰነ ቅድሚ ክልተ መዓልታት እኳ እንተፍለጠ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ መልሲ ከይተዋህበ ጸኒሑ።

ይኹን እምበር፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል"መርገጺና እዉን ንጹር እዩ። ስምምዕ ኣልጀርስ ይኹን ዉሳነ ዶብ፡ ብዘየወላዉል ካብ ንቕበሎ 16 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ'ሎ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስጢፋኖስ ኣፈወርቂ'ዉን ብስልኪ ርእይቶኡ ሂቡ ኣሎ።

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ጽባሕ እቲ ዉሳነ ኣትሒዙ መርገጺኡ ከም ዘነጸረ ብምሕባር፡ "ኢትዮጵያ ኣብዚ መርገጺ'ዚ እንተሰሚራ ብእወንታ ዝርአይ ስጉምቲ ኢዩ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ "ኮምሽን ዶብ ኣብ 2002 ዉሳኒኡ ምስ ኣሕለፈ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ዓቢይ ዓወት ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኢዩ ወሲድዎ፤ ኣብኡ ከኣ ጠጠዉ ኢሉ ጸኒሑ፤ ክሳብ ሕጅ'ዉን ኣብኡ ደዉ ኢሉ ኣሎ" ድሕሪ ምባል "ኤርትራ ከም ሓድሽ እትህቦ መግለጺ የብላን" ይብል።

"ክልቲኡ ህዝብታት ንዉግእ፡ ንድኽነት፡ ንድሕረት ኣይኮነን ተፈጢሩ" ዝበለ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ፤ ወነንቲ እኹል ዝኾነ ባህርያዊ ጸጋታት ዝኾኑ እዞም ክልተ ህዝብታት፤ ብሰንኪ ኵናት ኣብ ጥቕሚ ህዝቢ ክዉዕል ከም ዘይከኣለ ይሕብር።

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ወሲኹ እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዉጺእዎ ዘሎ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ሓድሽ ክስተት ከም ዘሎ ዘርኢ ምዃኑ ይገልጽ።

"ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብህወሓት ዝተባሕተ ኢዩ ነይሩ። ህወሓት ንኢትዮጵያ ንምብትታን ክሰርሕ'ኳ እንተጸንሐ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ተቓዉሞ ግን ክዕወት ኣይከኣለን" ብምባል "እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት፡ ፖለቲካ 'ታ ሃገር ካብዚ ዕብለላ ከም ዝወጽአ ዘመላኽት ኢዩ" ኢሉ።

ካብዚ "ዝነፍስ ዘሎ ጽቡቕ ንፋስ" ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥራይ ዘይኮኑ፤ እቲ ዞባ ብምሉኡ ከም ዝጽሎ ዝሓበረ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ፤ "ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ኣሳታፊ ለውጢ ንኹሉ እቲ ዞባ ኢዩ ዝጸሉ" ብምባል "ካብ ዉግእን ወጥርን ብዘይካ ድኽነት፤ ስደትን ምብኻን ሃብትን ካልእ ዝርከብ ዉጽኢት የሎን" ኢሉ።
ኤርትራ ንዉሳነ ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባ




7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events