Dehai News

ዝኸሰሩ ተጋሩ እንታይ ይብልዩ….

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 10 June 2018

Jun
08
2018
 
 

ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልስና ዝተሳዕሩ መኮንናት ደርግ ዝጸሓፉዎ ጽውጽዋያት መጻሕፍቲ፥ ከምኡ ውን ኣብቲ ናይ ዶብ ዝመስል ጒናት ዝተሳዕሩ ጭፍራ ወያነን ዝጽሓፉዎ መጻሕፍቲን ዘንበበ ሓደ ምሁር ደንቆሮ፥ ሓንሳብ ንኣጀንዳ ማለሊት ዝድግፍ ክመስል መግለጺ ይህብ። ሓንሳብ ድማ ንደርግ ዘሞጉስ ቃላት ይገልጽ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ህሉው ኩነታ ኢትዮጵያ ዝብሎ ዘሎ ድማ ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ክገልጾ’የ። ሎሚ ግን ናይ’ዚ ምሁር ደንቆሮ ዶ ንበሎ ወይስ ብኽፍኣት ዝተመልአ ትግራዋይ ኣይተ ሰናይ ከሰተ ንተጋራጫዊን ሓሶታቱን ብሕጽር ሕጽር ዝበለ ኣብዚ ናይ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ መግለጺ ክህበሉ ክፍትን’የ። ሓብሬታን ተዋሳኺ ርእይቶም ዘለኩም ድማ ብወሳብን መሰሰንጀርን ገይርኩም ክትልእኩለይ ይላቦ እቶም መይለይ ዘለኩም ድማ ብመይል ክትሰዱለይ። ሰናይ ንባብ

መጀመርታ ንናይ 1900 – 1902 – 1908 ንዝተሓንጸጸን ዝጸደቐን ናይ ዶብ ውዕላት ክኽሕድ ይፍትን ሰጊሩ ድማ ኣብ ኣለጀርስ እተን ተጋቢኤን ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ሰላም ከምጽኣ ኢለን በቲ ናይ ሕጋዊ ዝኾነ ካርታ እየን ፍርደን ሂበን ድማ ይብል።

ኣብቲ ናይ ውዕል ካይሮ ብ1964 ዝበሎ ተንታኒ ትግራዋይ ክምለስ፥ እተን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ተጋቢኤን “ምእንቲ ኣብ ዘይ ውዳእ ደማዊ ኲናት ጢሕልና ከይንነብር፥ ነቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝሓንጸጽዎ ዶብን ካርታን ከይቅየር” ዝበልኦ ኸ ሓቀን ዶ ኮይነን ኤርትራን ኢትዮጵያን ከ ኣብዘይ ነጽፍ ደማዊ ኲናት ዶ ተሸሚመን ነይረን?።

ኣክሊሉ ሃብተወልድ ናይ ሽዑኡ ናይ ኢትዮጵያ ወጻኢ ጉዳያት ዝነበረ ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ባዕሉ ኣብ መድረኽ ወጺኡን ቀሪቡን ከምዚ ዝስዕብ ክብል ገሊጹ ክቡራት ተጋባእቲ እዚ ሎሚዝወጸ ሕግታትን ዝተገብረ ስምምዓትን ንኣፍሪቃውያን መሬተይ ህዝበይእንዳበልና ኣብ ዘይነጽፍ ደም ምፍሳስ ጠሊቕና ከይንነብር፥ ጽቡቕ ውሳኔ ሓሊፉ” ክብል ገሊጹ ነይሩ። ኢትዮጵያውያን ግን ምእንቲ ባሕሪ ክብሉ ድዮም ወይስ ብኻልኦት ናይ ደገ ሓይልታት ተላኢኾም ድዮም፥ ንመግዛእታዊ ካርታ ጢሒሶም ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ደማዊ ኲናት ከምዝሽመማ ገይሮመን እንከሎ’ዩ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ዝተዋራዘየ።  

እሞ ኢትዮጵያ ዋላ’ኳ 2 ዓመት ኣቐዲማ እንተኽዕነት ነቲ ውዕል ጥሒሳቶ ትኹን ድሕሪ 2 ዓመት ግን ኣብ ካይሮ ምስ ተነግራ ክትእርሞ እንድዩ ነይርዋ ዋላ ናብቲ ፈደረሽን ምምላስ ወይ እቲ ናይ 10 ዓመት ውዕል ፈደረሽን ወዲቑን ሓሊፉን ስለ ዝነበረ ከምቲ ዝነበረ ውዕል ረፈረንዱም ክካየድ እንድዮም ከፍቅዱ ነይርዎም?።

ግን ንሕና ሎሚ ከምዚ ዶ ኣይምኾነን እንዳበልና ንዛረብን ንጽሕፍን ኣለና’ምበር ንረብሓ ኣሜሪካ’ምበር ንረብሓ ኢትዮጵያ ኢሎም ስለ ዘይገበሩ ኢትዮጵያውያን ነቲ ንረብሓ ኢትዮጵያን ንረብሓ ኤርትራን ዝውክል ስጉምቲ ክወስዱ ናይ ሓንጎል ዓቕሚ ኣይነበሮምን። ሎሚ ውን ገና ዘይተወድአ ጉዳይ ኦጋደን ኣለዎም። ነዚኣ ናይ ኦጋደን ሶማል’ኳ ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ግርም ገይረ ከብርሃ እየ።

እዞም ተጋሩ ሎሚ “ንባድመ ሓምሳታት ቀያሕቲ ኣሕዋትና ኣሰዊእናሉ ስለ ዝኾንና ካብ ባድመ ኣይንወጽእን ኢና” ዝብሉ ዘለዉ፥ ክቡራት ኤርትራውያን ከምዚ በልዎም’ስከ ኣቱም ተጋሩ ኣብዘይ መሬትኩም ኢኹም ታዋጊእኩምን ሞይትኩምን እስከ ንበሎም።    

ንዓና ንኤርትራውያን ግን ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕጋዊ ዝኾነ መግዛእታዊ ካርታ፥ እቲ ኣባሃህላ ናይ ኣሜሪካ ውን ክሳብ ምሉእ ዓመተ ናጽነት ብትብዓትን ብሞራልን ንኽንቃለስ ከም ዓቢ ምስክር ኮይኑና’ዩ ዋላ’ኳ ኣሜሪካውያን ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ኣንጻር ብረታዊ ቃልስና ደው እንተበሉ። ብሞራል ግን ኩሉ ግዜ ንሕና ኤርትራውያን ናጽነት ከምዝግብኣና ይኣምኑ ነይሮም’ዮም ኣሜሪካውያን።

ደርግ ንመላእ ኢትዮጵያ እንዳተቓለሰ እንከሎ፥ ገሊኦም ተጋሩግ ኣብ ጎድኒ ሸዓብያ ተሰሊፎም ተዋጊኦም እየም እዚኦም ድማ ሎሚ ዝዘርኡዎ ይዓጽዱ’ለዉ” ድማ ይብል ተንታኒ ኣይተ ሰንናይ ከሰተ ብናይ ዝጠፈሹ ተጋሩ ጽሑፋት ዝተደናገረ።

ከምዚ ክብል ከሎ ንበዓል መልስ ስዩም መስፍን ኣባይ ጸሃየን ማለቱ’ዩ። እዚ ሰብ’ዚ ልክዕ ኣብ ጎድኒ በዓል ገብሩ ኣስራትን ኣሉላ ሰሎሞን ናይ ዓረና ሰልፊ መራሒን ኮይኑ ናታቶም መጽሓፍቲ ዘንብብ ከምዝኾነ ድማ በዚ ንርዳእ።

                                       ዓወት ንሓፋሽ!!

በርሀ በራኺ

ናብ 2ይ ክፋል ይቕጽል  

ምንጪ ጽሑፍ፡ ኤሪጋዘተ

 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events