Dehai News

BBC.com: መግለጺ ቀዳማይ ሚንስተር ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ብዓይኒ ኤርትራውያን

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 10 June 2018

09.06.2018ካርታ ኢትዮጵያን ኤርትራን

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰሉስ 5 ሰነ ንትግባረ ስምምዕ ስላም ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ኪትግብር ሙኻኑ ምስገለጸ፡ ብዙሓት ደሃይ ሰላምን ዕርቅን ክሰምዑ ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን አሐጒሱ እዩ። ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ካብ ውሽጥን ግዳምን፡ " ኤርትራ ቅድሚ 16 ዓመት ምላሽ ሂባ እያ" ክብሉ ብትዊትን ድምጽን እኳ እንተገለጹ፡ ወግዓዊ ምላሽ ክህብሉ ዝጽበዩ ግን ብዙሓት እዮም።

ኣብ ለንደን ዝቕመጣ ሰለስተ ኤርትራውያን፡ ሰላም ስብሓት᎓ ቤትኤል ወልደሚካኤልን ኣዜብ ተስፋይን እቲ ዜና ድሕሪ ምቅልሑ ርእይተኦን የካፍላ።

ውሳነ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ

ኣባል 5 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነበር ኣዜብ ተስፋይ፡ ኣብ ኩናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ ተሳቲፋ'ያ። ኣብቲ ኩናት ስለዝወዓለት ሳዕቤን ኩናት አዐርያ እያ ትርደኦ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውሳነ ኮሚሽን ዶባት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምውልዋል ከተግብሮ ከምዝወሰነ ምስ ሰምዐት፡ "ከም እንደገና ናጽነት ዝመጸት ኮይኑ'ዩ ተሰሚዑኒ። ተሓጒሰ እልልታ ዶርጊሔዮ። እቲ ዕርቂ ብሓንቲ መዓልቲ ዝተወደኤ ኮይኑ ተሰሚዑኒ" ትብል ምድፍናቕ ብዝተሓወ ስምዒት።

ቤትኤል ወልደሚካኤል ብወገና፡ ብሰንኪ ምስሕሓብ ዶባት ዘንቀሎ ኩናት ሓደ ዝኾነ አሕዋት ህዝብታት ተዳምዮም ብዙሕ ህይወት ምጥፍኡ ከምዘጉህያ ትገልጽሞ "ክልትኤን ሃገራት ብብዙሕ ነገር ንድሕሪት እየን ተጎቲተን᎓ ናብዚ ሃገር መሰደዲና ምኽንያት ንሱዩ።" ብምባል፡ እቲ መግለጺ ብተግባር ክስነ ክትርእዮ ትምነ።

ኣብ ምውዳእ እቲ ጽዕጹዕ ኩናት ዝነበሮ ሳልሳይ ገጽ እቲ ኩናት ንዝተወልደ ውላዳ ረዲኤት ዝሰመየቶ ወይዘሮ ሰላም ስብሓት ካብ ሎንደን፡ " እግዚኣብሄር ንኤርትራ ኣብታ እዋን እቲኣ ረዲኡዋ እዩ" ትብል'ሞ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ክዓስለንን ዕርቂ ክገብራን ንነዊሕ እዋን ኪትጽበዮን ኪትጽልየሉን ምጽንሓ ትሕብር።

ምላሽ መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ኪኸውን እዩ ትብላ?

ቤትኤል ወልደሚካኤል
Image copyrightቤትኤል ወልደሚካኤል
ናይ ምስሊ መግለጺ
ቤትኤል ወልደሚካኤል

ቤትኤል፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ናይ ሰላም ጻውዒት ተቐቢሉ ኣብ ጣውላ ቀሪቡ ናብቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ክስጉም ክትርእዮ ልዑል ባህጊ ከምዘለዋ ትሕብር።።

ኣዜብ ተስፋይ እውን ብወገና፡ " ትጽቢተይ ኣዎንታ እዩ። ምናልባት ኣነ ዘይፈልጦ ክማላእ ኣሎዎ ዝብሉዎ ነገር ይህሉ ይኸውን ግና ኪቕበልዎ እዮም ዝብል'ዩ ትጽቢተይ። ምናልባት መንግስቲ ባይቶ ኣኪቡ ኪመያይጠሉ የድልዮ ይኸውን።

ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመ ገለ ንቀበሎ ንሰጉም ዝብሉ፡ ገለ ድማ ዘይቅበልዎ ኪኾኑ ይኽእሉ᎓ ስለዚ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ'ምበር መግለጺ ከምክህቡስ ኣይጠራጠርን እየ"ትብል። ሰላም እውን ብኢንተርነትን ተለቪዥንን ምላሽ መንግስቲ ኤርትራ ትከታተል ምህላዋ ትሕብር።

ትግባረን ተኣማንነትን መግለጺ ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያን ውድቡን

ኣዜብ᎓"ዓቢ ነገር እዩ᎓ብዙሕ ነገር ኣብ ግምት ዘእተወ ዪመስል። ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ክሳራ ኣብ ግምት የእትዩ ፣ኣመዛዚኑ ጽቡቕ ኣረኣእያ ዝገብረሉ ዪመስለኒ᎓ዘሕጉስ ውሳነ እዩ ወሲኑ እየ ዝብል ብወገነይ።

ነዚ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብቲ ኣብ ሃገሩ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታት ምትዕርራይ ተዓዚበ ነዚ ናይ ኤርትራ ጉዳይውን ዑትብን ናይ ማለቱን ተወፍዩ ንሰላም ክመልስ ዝሃቀነ ኮይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ብዙሓት ቃሎም ክዓጽፉ ርኢና ኢና።

ናይዚ መራሒ እዚ ግን ተግባራዊ ዝኾነ ሱምታታት ኪወስድ ንርእዮ ስለዘሎና᎓ብዝሓለፉ መንግስታት ክሳብ ሞት ዝተፈረዶ፡ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምሕረት ተጌሩሎም ኪፈትሕ ስለዝርኤኹ᎓ ነዚውን ኪተግሃሉዩ ኢለ" እትስፎ ኢላ።

ሰላም ስብሓት ብወገና ንዕትቡነት መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንድሌት ሰላም ናይ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኪትግምግም ከላ "እዚ ድምጺ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሰማዕናዮ ድምጺታት ዝተፈለየ እዩ።" እቶም ቀደም ዝነበሩ መራሕቲ ንዛተ

ሰላም ስብሓት
Image copyrightሰላም ስብሓት
ናይ ምስሊ መግለጺ
ሰላም ስብሓት

ንዘራረብ ቅድም እናበሉዮም ክሳብ ሕጂ ሒዞሞ ጸኒሖም። ከምዚ ተሪር መግለጺ ኣይወጸን ቅድሚ ህጂ። እቲ ዝረኣናዮ ግብሪ ሰናይ ዝገብሮ ኣብ ሃገሩ ዝገብሮ ዘሎ ርእየ፡ ነቲ ዝበሎ ከምዝገብሮ ይኣምን።

ድሮ ናይ ፖሊቲካ እሱራት ፈቲሑ᎓ናይ ህፁጽ ግዜ ኣዋን እቶእቶ ኣልዒሉ። እዚ ነገራት እዚ እሙን ይገብሮ።

ሰላም ብዛዕባቲ ክልቲኦም ህዝብታት ብሰንኪቲ ኩናት ዝኸሰርዎ ክሳራ ኪትገልጽ ከላ " ኣብ ኩናት ሰዓርን ተሳዓርን የለን᎓ክልቲኦም ህዝብታት ልዕሊ 200 ሽሕ ሰብዩም ከሲሮም። ስደትን ቁጠባዊ ዕንወትን እዩ ኣስዒቡ።

ቤትኤል ብወገና ኣብ መወዳእታ ነዚ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣውጺእዎ ዘሎ መግለጺ ካብ ናይ ካልኦት ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ መስግስቲ ኢትዮጵያ ኣወዳዲራ እንታይ ይፈልዮ ኪትገልጽ ከላ᎓"ቆራጽ ውሳነ እዩ ወሲኑ᎓ካልኦት ዘይገበርዎ ንሱ ይገብሮ ኣሎ።

ሂብዎ ዘሎ ተስፋታት ድሮ ዝተፈጸመ ኮይኑዩ ዝስመዓካ። ነቲ ናይ ኤርትራ ሕቶ ዝነብረ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ከምዘሎዎ ኪቕበልዎ ኣሎዎም ዝብል እዩ ኔሩ᎓ነቲ ጠለብ እቲ ዝመለሰ ኮይኑ ዪሰማዓኒ ሕጂ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብምቕባሎም ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ካልእ ዝቐርብ ሕቶ ወይ ጠለብ ብሕጂ ኪመጽእ ወይ ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን እየ።" ኢላ ትእምት።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events