Dehai News

መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ሺካጎ

Posted by: Ben Araya

Date: Tuesday, 19 June 2018

ኣበዓዕላ ምዓልቲ ሰማእታት

ኣብ ሺካጎ፡ ሰሜን ኣመሪካ

 

ንኽብሪ ምዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ፡ ኣብ ሺካጎን ከባቢኣን ዝነብሩ ተቐማጦ ኤርትራውያንን፣ደገፍትን ሰንበት 17 ሰነ 2018 ብዓቢ ክብሪ ተባዒሉ። ቁጽሮም ክብ ብዝበለ ተሳተፍቲ ሽምዓ ኣብሪሆም ዝክራዊ ዕዶት ኣካይዶም። ንምዓልቲ ሰማእታት ዝምልከት መልእኽቲ ድሕሪ ምስማዕ፡ ምስክርነትን፣ጭርሖታትን፣ግጥምታትን ቀሪቡ፡፡

በዛ መዓልቲ`ዚኣ ተቐማጦ ሺካጎን፣ከባቢኣን ልዕሊ 30 ስድራቤት ሰማእታት ንምሕጋዝ ብጽዓ ኣትዮም። እዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ መብጽዓ ብተወሳኺ፡ መቐጸልታ ናይቲ ካብ ብ2004 ዝጀመረ ባህሊ እዩ። ብጠቕላላ ካብ 2004 ክሳዕ 2018፡ ተቐማጦ ሺካጎን፣ ከባቢኣን ልዕሊ $219,406 ብተወሳኺ ናይዚ ዓመት፡ ናይ ኣስታት 350 ስድራቤት ሰማእታት ወፍዮም እዮም።

 

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ዓወት ንሓፋሽ!

ኣካየድቲ ስዉኣት ስድራ-ቤት ሺካጎን፣ከባቢኣን
​​
​​
​​
​​
​​
​​
​​
​​
​​


Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events