Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ'ዚ ከ ናበይ?

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 05 July 2018


ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን መዘራረቢ ኮይኑ
ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን መዘራረቢ ኮይኑ
 

ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን ተቐቢሉ ንክትግብር ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ርክባት ተጠናኺሩ ከምዝቀጸለ ዝዝከር’ዩ። ብመሰረት’ዚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኣዲሳበባ በጺሑ ተመሊሱ፣ ልኡኽ ኢትዮጵያ ድማ ናብ ኣስመራ ክገይሽ ይኽእል’ዩ ዝብል ቅድመ ግምት ኣሎ።

ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ንቡር ንክምለስ እንታይ ክግበር ኣለዎ? እንታይ ዕንቅፋት’ከ ከጓንፍ ይኽእል? ስለምንታይ’ዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስ’ውን ጠቂሱ?

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ክነቕፉ ከለው ‘ምስ ኤርትራ ወጥሪ ከምዝቕጽልን ዘይሕጋዊ እገዳ ከምዝዕቀብን ምስራሕ ስለዝኾነ፣ ነቲ ብዘይምኽኒት ዘባርዕዎ ትርጉም ዘይብሉ ግጭት ዶብ ተንጠልጢሉ ከምዝጸንሕ ንምግባር፣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቅንያት ከጋውሕዎ ዝፈተኑ ‘ሕራይ…ግን’ ዝዓይነቱ ጣቋ መርኣይኡ’ዩ ነይሩ’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ።

ንመደረ ፕረዚደንት ኢሳያስን ካልኦት ሕቶታትን ተመርኹስና ምስ ክልተ ኣጋይሽ ተዘራሪብና ኣለና። ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ ካብ ኒውዮርክ ኣሜሪካ፣ ዶ/ር በርሀ ሃብተ-ጊዮርርጊስ ካብ ኣስመራ ኤርትራ ኣጋይሽ በትረ ስልጣን ኮይኖም ኣለው።

 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events