Dehai News

(ቢቢሲ) ሓዲሽ ምዕራፍ ኢትዮ ኤርትራ ድሕሪ 20 ዓመት ኩናትን ወጥርን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Sunday, 08 July 2018

ሓዲሽ ምዕራፍ ኢትዮ ኤርትራ ድሕሪ 20 ዓመት ኩናትን ወጥርን

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኢትዮጵያ ዶክተረ ኣቢይ ኣሕመድ ( ጸጋም ) ምስ ፕረዚደንት ሃገር ኤርትራ ኢሰይያስ ኣፈወርቒ ( የማን )Image copyrightFUTSUM AREGA

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ 20 ዓመታት ኩናትን ወጥርን ሎሚ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ክልተኣዊ ርክባትን ክዝቲ ንኣስመራ ኣትዩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ከኣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተቐቢሎምዎ።

እቲ ብሳልስቱ ጎደናታቱ ብባንዴራታት ክልቲአን ሃገራት ሸሊሙ ጋሽኡ ክቕበል ኣብ ምድላው ዝጸንሐ ህዝቢ ከኣ ብጓይላን ከበሮን ብኽብሪ ተቐቢሉዎ።

ኣዴታት ባህላዊ ክዳን ዙርያን መቕንዓትን ለቢሰን ባንዴራታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናኣምበልበላ ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ ብምውጻእ ሓጎሰን ክገልጻ ተራእየን።

ተሌቪዥን ኤርትራ ካብ ዘዘራረበቶም ሓደ ኣቦ ብትግርኛ፡

" ኣቢይ ናብ ሃገሩ፡ ናብ ፍርቂ ሓዉ ዝኾነ ህዝቢ እዩ መጺኡ። እዚ ምብጻሕ ከኣ ነቲ ንዓመታት ተንጠልጢሉ ዝጸንሐ ጉዳይ መዓልቦ ክረክብ ተስፋ ኣሎኒ" ክብል ተስፍኡ ገሊጹ።

ካልእ ኣደ እውን ብዓረብኛ " ህዝቢ ኤርትራ ደላይ ሰላም እዩ እሞ ከም ትምኒቱ ሰላም ክኾነሉ፡ ሰላም ክኾነልና ንምነ" ኢለን።

ካልእ ኣቦ እውን " ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔኡን ልዑላውነቱን ክቡር ዋጋ ስለዝኸፈለ እዚ ናይ ሕጂ ሰላም ውጽኢት ጽንዓቱን እዩ" ክብሉ ስምዒቶም ገሊጾም።

ነባሪ ናይሮቢ ኣቶ የማነ ተወልደ ብወገኑ፡ "እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ነገር ጸቡቕ'ዩ ኣመላኽ ይተሓወሶ መወዳእትኡ የርእየና"ክብሉ እንከለዉ፡ ኣቶ መዓሾ ተስፋይ ሃብተሚካእል ብወገኑ "ኩሉ ኩናት ወይ ሰላም ክጉዕጽጽ ወይ ሰላም ከረጋግጽ'ዩ ዝብገስ፡ እዚ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኩናት ግን ናይ ክልተ የሕዋት ህዝብታት ኮይኑ መሰረታዊ ጽልኢ ዘይብሉ ክስተት'ዩ፡ ሎሚ እዚ ድነ ክቕንጠጥ ኣምላኽ ስለዝፈቐደ ናብዚ ሰናይ ነገር ሰጊርና ኣለና፡ መወዳእትኡ ክኣ የርእየና" ኢሉ።

እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ብልፍንቲ ዝመርሕ ዘሎ ኢሂወደግን ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስትን፡ እቲ ናይ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳነኡ እቲ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ ከኣ ንብሄራዊ መሰላቶም ኣንጻር ስርዓት ደረግ ብሓባር ተቓሊሶም ዝተዓወቱ ናይ ቃልሲ መሓዙትን መሻርኽትን እዮም ነይሮም።

እንተኾን ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ትስፍዉ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ብዶብ ብዝተሳበበ ኩናት ካብ 1998-2000 ኣብ ዝነበረ ግዜ ከቢድ ኩናት ኣካይዶም ካብ ክልቲኦም ወገን ከኣ ዓሰርተታት ኣሻሓት ሞይቶም።

ብዙሕ ንብረት ጥፊኡ ብዙሕ ዕድላት ከኣ ተኸሲሩ።

እቲ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኩናት ብመሰረት ብስምምዕ ኣልጀርስ፡ ክልቲኦም ሃገራት ብእተሰማምዕሉ ኮሚሽን ዶባት ኢትዮ ኤርትራን ዝቖመ መጋባእያ ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ንምኽንያት እቲ ኩናት ዝነበረት ባድመ ንኤርትራ ሂቡ።

ብድሕሪኡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝቐረበ ቅድመ ኩነት፡ ን16 ዓመታት መመላእታ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስተመርጸን ነቲ ብይን "ብዘይ ቅድመ ኩነት ከነተግብሮ ቅሩባት ኢና" ምስበለን ግን መንግስቲ ኤርትራ እወታዊ ምላሽ ብምሃብ ልኡኻቱ ንኣዲስ ኣበባ ሰዲዱ። ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከኣ መቐጸልትኡ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኢትዮጵያ ዶክተረ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሃገር ኤርትራ ኢሰይያስ ኣፈወርቒንImage copyrightFUTSUM AREGA

እዚ ነህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ኣብ ዶባት ንዝነብሩ አህዛብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ከቢድ ጸገም ሸሚሙዎም ዝጸንሐ ጸገም እንተተፈቲሑ እቲ ብሳዕቤኑ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ተኾሚሩ ዝጸንሐ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጸገማት እውን ምስኡ ክቃለል ህዝቢ ብልዑል ተስፋ ይጸበዮ ኣሎ።

እቲ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ኩነታት ብፍላይ ነታ ውሑድ ዝህዝባን ድሩት ዝቑጠባኣን ኤርትራ፡ ድሕሪ ብይን ኣልጀርስ፡ ብሓይሊ ዝተጎብጠ መሬተይ ንምክልኻል ክትብል ውሑድ ዘይኮነ ዓቕሚ ሰራዊታ ኣብ ግንባራት ኣሰሊፋ ብምንባራ፡ ኣብ ጎደና ልምዕት ከይትስጉም ተደሪታ ጸኒሓ እያ።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነዊሑና ዝብሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያታ ፈቐዶ ኣጻምእ ሰሃራን ባሕሪ ሜዲተራንያን ኣብ ኢድ ሽፋቱን ኣሰጋግርቲ ደቂ ሰባትን ወዲቖም ናውቲ ኣካላቶም ከይተረፈ ክዝመትን ብሞት ክቕዘፉን ጸኒሖም እዮም።

እዚ ናይ ሰላም ዘተን ዝርርብን እምበኣር ንዘቤታዊ ጸገማት ክልቲአን ሃገራት ብፍላይ ከኣ ናይ ኤርትራ ክፍታሕ ዓቢ ትጽቢት ኣሎ።

ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ዶባትና ከይተሓንጸጸን ልዑላዊ መሬትና ተጎቢጡ እናሃለወን ብዛዕባ ቅዋምን ደሞክራስን ብዛዕባ ምጥያስ ኣባላት ሃገራዊ ኣግልግሎትን ጽገናን ክንዛረብ ኣይንኽእል ኢና ክብል ስለዝጸንሐ፡ እዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ሽግር ብሰላም እንተተፈቲሑ ዘቤታዊ ሕቶታት ክምለሱ እዮም ዝብል ዓቢ ትጽቢት ምህላው ይፍለጥ።

ይኹን እምበር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአን ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶባትን ብዘይ ቅድመ ኩነት ከምዘተግበር ምስ ገለጸ፡ ኣብ ዶባት ክልል ትግራይ ዝተራእየ ህዝባዊ ተቓውሞን ብመራሕቲ ህወሓት ክወሃብ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ቃለ መሕትት ሰበ ስልጣን ትግራይን ቅሬታን ዘይዕግበትን ይረአ ብምህላዉ፡ ሓያሎ ኤርትራውያን እምበር'ዶ እዚ ጉዳይ ዶባት መዓልቦ ክረክብ እዩ ብምባል ብሻቕሎት ዝከታተሉዎ ዘለዉ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።



6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events