Dehai News

ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ኤርትራ ፈላሚን ታሪኻዊን ምብጻሕ ከካይድ'ዩ

Posted by: Ghezae Hagos

Date: Friday, 27 July 2018

ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ኤርትራ ፈላሚን ታሪኻዊን ምብጻሕ ከካይድ'ዩ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 27 July 2018

Farmajo

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምክያድ ጽባሕ ቀዳም 28 ሓምለ ኣስመራ ክኣቱ ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ዝምርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሶማል ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዘቕረበሉ ዕድመ ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ኣብ መልእኽቱ ገሊጹ።

ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ፣ ኤርትራ ኣብ 1991 ናጻ ሃገር ካብ እትኸውን፣ ኣብዚ 27 ዓመታት ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ፈላሚ ፕረዚደንት ሶማል ክኸውን'ዩ።

ድሕሪ ምውዳቕ መንግስቲ ሲያድ ባረ ኣብ 1991 ርጉእ መንግስቲ ዘይጸንሓ ሶማል፣ ካብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ተዝዝዛማዲ ርግኣት ረኺባ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ከተቕውም ክኢላ ኣላ።

ይኹን'ምበር መንግስቲ ሶማል፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምዕጥቃ ተቓወምቲን ሽበራውን ጉጅለታትን ክኸሶ'ዩ ጸኒሑ።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ'ውን ምስዚ ናይ ሶማል ኩነታት ብዝተሓሓዝ ምዃኑ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንመንግስቲ ሶማል ከምዝድግፍን ንፈለማ እዋኑ ብወግዒ ዝገለጸሉ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ።

እንተኾነ መንግስቲ ሶማል ዝኾነ ምላሽ ከይሃበ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ሶማል ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝጀመርዎ መስርሕ ሰላም'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ "ከም ሚኒስተር ጉዳያት ውጻኢ ኤርትራ ኮይነ እንተሰሪሐ፣ ናይ ስራሕ ምትእትታው ከይመስል" ክብል ንኤርትራ ካብ ዲፕሎማስያዊ ተንጽሎ ንምውጻእ ክሰርሕ ምዃኑ ከምዝኣንፈተ ይዝከር።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ካብ ኣስመራ ኣብ ዝተመልሰሉ ዕለት፣ ብጉዳይ ሶማል ተሳቢቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ክልዓል፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ዘካየድ ንዝነበረ ዋና ጸሓፉ ሕ.ሃ ኣንቶንዮ ጉተረስ ብወግዒ ሓቲቱ'ዩ።


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events