Dehai News

Meskerem.net፡ ድሕረ-ቅልውላው፣ ስለምንታይ ሎሚ? 2ይ ክፋል

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 09 August 2018

ብማህሙድ ሳልሕ
ነሓሰ ዕለት 09, 2018 ዓም ፈረንጂ
 
ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋት ከብርሆ ከምዝፈተንኩ፥ ዝበዝሕ ምድንጋር ነቲ ኩነታት ብግቡእ ካብ ዘይምግምጋም ዝብገስ ኮይኑ ይስመዒኒ። ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቃስ ይኹን ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዜረአ ዘሎ ስሉጥ ምሕዳስ ዝምድናታት ከምኡ እውን ብሓፈሽኡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍጥነት ዜምዕብል ዘሎ ሓድሽ ናይ ምትሕግጋዝን ሰናይ ጉርብትናን ንጥፈታት ብግቡእ ክንበብ እንተኾይኑ፡ እዙ ዜስዕብ መሰረታዊ ሓቂ ክነስተብህሎ ኣሎና። እቲ ኣብዘን ዜሓለፋ 27 ዓመታት ንኢትዮጵያ ክገዝእ ዝጸንሐ ሓይሉ ምስ ፍልስፍንኡን ኣተሓሳስባኡን፡ ሎሚ የሎን። ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ዲግመ-ስርርዕ ፖሇቲካውያን ሓይልታት ሱር እንዲ ሰዯዯ እዩ። ኣተሓሳስባ መራሕቲ ወያነ ንጽልእን ቅርሕንትን ቅንእን ዕብለላን ዓመጽን ስርቅን ይውክል። ኢትዮጵያውያን ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣልዮሞ ኣለዉ። ዳግም ትንፋስ ከይዘርእ ድማ ኣብ ምርብራብ ኣሎዉ። እዙ ተወጊኑ ዘሎ ፍሌስፍና ወያነ፡ ንናይ ትማሊ ገፈጥ-መፈጥ ይውክል። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሰረትዝሕዝ ዘሎ ሓድሽ ኣተሓሳስባ፡ ከም ተቓውሞ ወይ ከኣ ነጸገታ (negation) ናይ’ቲ ኣብ ዝሓፋለፋ ዓመታት ወያነ ክኽተል ዝጸንሐ ስነ ሓሳብን ሜላታትን ክውሰድ ይኸኣል። ስለ’ዚ፡ ነዚ ሓድሽ ኩነታት ብግቡእ ክንበብ እንተኾይኑ፡ እቲ ኣብ ዘመነ-ወያነ ዝሳዕረረ ናይ ጎበጣን ዕብለላን ኣተሓሳስባን ቋንቋን ፖለቲካዊ ባህልን ብመሰረቱ ከምዝተቐየረ ክቕመጥ ኣለዎ። ነዙ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኩነታት’ዚ ከም ሓሳብ ቀሪጽካ ክተሰሊስል ይኹን ክትርእዮ (conceptualize ክትገብሮ) እንተኾንካ፡ ኣተሓሳስባኻ ብሱሩ ካብ ዘመነ-ወያነ ክለቐቕ ኣለዎ። ኣብ ዘመነ-ወያነ ኮይንካ ነዚ ሓድሽ ምዕባለታት ብግቡእ ክትግንዘቦ ኣይትኽእልን። ...................
 
............ምንባብ ቐጽል
 
ድሕረ-ቅልውላው 1ይ ክፋል ኣብዚ ታሕቲ ጠዊቕኩም ኣምብብዎ።

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events