Dehai News

Dahabshiil long banner 728x90
Eritrea for mobile viewing

(ቢቢሲ) ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘተ ዕርቂ ተገይሩ።

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 28 August 2018

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘተ ዕርቂ ተገይሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ከምዝፀሓፎ፡ ብዳይረክተር ብሄራዊ ድሕንነትን ስለያን ኢትዮጵያ ጀነራል ኣደም መሓመድ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ እዩ፡ ምስ ኣቦ መንበር ዴምህት ኣይተ መኮነን ተስፋይ ነዚ ዘተ ዕርቂ ኣካይዱ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ልኡኻት ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ናብ ኣስመራ ብምኻድ፡ አብታ ሃገር ምስ ዝነበሩ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ምዝታዮም ዝዝከር እዩ።

ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁን ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ለማ መገርሳን ዝቖመ ልኡኽ ምስ ኣቦ መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ፡ ተራኺቡ ድሕሪ ምዝታይ፡ ኦነግ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምቁራጽ ሰላማዊ ፓለቲካዊ ቃልሲ ከካይድ ኣብዚ ወርሒ ከምዝተሰማምዐ ዝፍለጥ እዩ።

ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ 'ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝነበረ ምንቅስቓስ ዲሞክራሲያዊ ሓይሊ ኣምሓራ (ኣዴኃን) ድሕሪ ዝገበሮ ዘተ፡ እቲ ምንቅስቓስ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ፓለቲካዊ ንጥፈታቱ ብሰላማዊ ኣገባብ ከካይድ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሐ ይዝከር።

Dm eri tv subscribe

ERi-TV, #Eritrea: Interview with President Isaias Afwerki, November 3, 2018