Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: ኪንዮ ህሉው "ስምዒታዊ ኵነታት" ምጥማት

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 30 September 2018

በቲ ዕንጭቝሊትን ዘራጊ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝዀነ ወያነ ጅሆ ተታሒዛ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ንስምምዕ ኣልጀርስ ን18 ዓመታት ን“ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ኮምሽን ዶብ ድማ ን16 ዓመታት ብምሕሳምን ኣህጉራዊ ሕጊ ብምርጋጽን፡ ንኤርትራን ህዝባን ንምንብርካኽ ብዘንቀደቶ ዕንደራ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብስእነት ሰላምን ምርግጋእን ክሳቐ’ዩ ጸኒሑ። እቲ ዕንደራ ግን፡ ብሳላ ጽንዓትን ንቕሓትን ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንሉኡላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ዘይህብ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራን ህግደፍን፡ ኣብ መወዳእትኡ ናብ ፈጻሚ’ቲ ዕንደራ ተገልቢጡ ብምምጻእ ንወያነ ለኪምዋ ጠፊኡ ኣሎ። ብዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ሓድሽ ምምሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መጸ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኤርትራ ጸኒዓ ዝሓዘቶ እንኮን ሕጋዊን መፍትሒ’ቲ ጉዳይ፡ ብ5 ሰነ 2018 “ብዘይቅድመ ኵነት ተቐቢለዮ ኣለኹ” ምስበለን ብዓጸፌታ ግብረ-መልሲ መንግስቲ ኤርትራን፡ እቲ ን20 ዓመታት ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወያነ ዝተሃንጸ መንደቕ ምፍልላይ ሃደሽደሽ ኢሉ፡ ዋሕዚ ሰላም ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተርክሶ ጀሚሩ ኣሎ። ይመልኣልና!!

 

ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ9 ሓምለ 2108 ኣብ ኣስመራ ካብ ዝፍረም፡ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልኣሉ ግዜ፡ ስምዒትን ሆይሆታን ዝዓብለሎ ኵነታት፡ ተስፋ ሰላም፡ ተስፋ ምርግጋእ፡ ተስፋ ዕብየት፡ ተስፋ ብሓባር ምስራሕ፡ ተስፋ ሕድሕዳዊ ምክብባርን ምትእምማንን ሓዚሉ ብናህሪ ይሕምበብ ኣሎ። ብ11 መስከረም፡ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ንዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወግዒ ምስከፈትዎ ከኣ፡ እቲ ብናይ ወያነ ጠርቋሽ ኣጀንዳ ተፈላልዩ ዝጸንሐ ህዝቢ፡ ንሓድሕዱ ክበጻጻሕ፡ ንዓመታት ተፈላልየን ዝጸንሓ ስድራ-ቤታት ክጠራነፋን ክልቲኡ ህዝብታት ንግዳዊ ምንቅስቓሳትን ከካይድን በቒዑ ይርከብ። እተን ብኵናት 1998-2000ን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጸ ናይ ኣስታት 20 ዓመታት መድረኽ “ኣይሰላም-ኣይኵናት”ን ባዲመን ዝጸንሓ ኣብ ንግዳዊ ምንቅስቓስን መጐዓዝያን ናይ’ቲ ካብን ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ መስመር ዝተመርኰሰ መነባብሮ ዘካይዳ ኣብ ዶባት ዝርከባ ሓውሲ-ከተማታትን ዓድታትን ድሮ ህይወት ክዘርኣ ጀሚረን ይርከባ። ብግደ ሓቂ’ውን፡ ኣብ ክልቲኡ ወገን ኣብ ዋጋታት ገለ ገለ ሃለኽቲ ነገራት ናይ ምርግጋእ ኵነት ፈጢሩ ይርከብ። ሰላም እንተተረኺቡ፡ ክልቲኦም ህዝብታት ብዙሕ ንግዳዊ ንጥፈታት ከካይዱን ብሓባር ክዓብዩን ከምዝኽእሉ ድማ ኣየጠራጥርን። ምኽንያቱ፡ ቁጠባ ምምልላእ’ዩ፤ ዘለካ ናብ ዕዳጋ ተቕርብ፡ ዘይብልካ ድማ ካብ ዘለዎም ትዕድግ።

 

እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም፡ ብኽልቲኡ ህዝብታት ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎ፡ ብክልተ እግሩ ደልዲሉ ዝረገጸ ድልዱል ሰላም ንክኸውን ድማ ገና ከቢድ ስራሕ ዝሓትትን ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ከቢድ ዋጋ ዝተረኽበ ሰላም፡ ልክዕ ከም’ቲ ከቢድ ኵናት፡ ብብቕዓት ምምሕዳሩን ብዓወት ካብኡ ምውጻእን ቀሊል ኣይኰነን። ዝተሓላለኸን ጥንቃቐ ዝሓትትን መስርሕ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ። ምኽንያቱ፡ በዚ ሓድሽ መድረኽ ሰላም ዝተገፍዑ ጸየቕቲ ገና ክዕንቅፍዎን ማእዝኑ ከስሕትዎን ዘይመልክዑ ከትሕዝዎን ካብ ምፍታን ኣየዕረፉን ዘለዉ። ንነዊሕ ዓመታት ተፈላልዩ ዝጸንሐ ህዝብታትን ቁጠባን፡ ብፍኑው ናይ ፈንጠዝያ ስምዒታት ዝተዓብለለ ዳግማይ ርክብ የካይድን ምሕዝነቱ ይመልስን ኣሎ። ብግብራዊ ዓይኒ (pragmatically) ክጥመት እንከሎ፡ ነዚ ብቕልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ምድላዋት ገይርካ፡ ሕግታትካ ኣርቂቕካ፡ ትካላትካ ኣዋዲድካ ማዕሪኡ ክትስጕምን ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ንግዳዊ ምልውዋጣት ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮን ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ርዱእ’ዩ። ይኹን ግን፡ ኣብ ገለ ገለ ሸነኻቱ ከተማእዝኖን ክትቈጻጸሮን ከምዘለካ’ውን ርዱእ እመስለኒ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድማ፡ ኩሉ ሕግታት ዘማልእን ብዝግብኦ መስርሕን ዝሓልፍን ክኸውን ከምዘለዎ፡ ክልቲኦም መንግስታት ዝሰማምዕሉ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ኣብ’ዚ ሓጺር እዋን ግን፡ ንክልቲኦም መንግስታት ቀሪብሎም ዘሎ ምርጫ ክልተ እዩ። ብክልቲኡ ወገናት፡ ኣብ ምንቅስቓስ ህዝቢን ንግዳዊ ንጥፈታትን ዘተኰረ ደቂቕ ዝርዝራት ዝሓዘ ስምምዓት፡ ሕጊታትን ትካላትን ክሳብ ዝዋደድ፡ ነቲ ህዝቢን ንግዳዊ ምንቅስቓስን ዓጺኻዮ ምጽናሕዶ ወይስ፡ ከም ሰናይ ድሌት ሰላምን ምሕዝነትን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት፡ እቲ ምንቅስቓስ ክጅምር ምኽፋቱ ዝብላ’የን። ነዚ ምርጫ’ዚ ንምምላስ፡ ክልቲኦም መንግስታት ግብራውነት መሪጾም ኣለዉ። እቲ ኵነታት፡ ብደረጃ ስምዒት ክልቲኡ ህዝቢታትን ኣሰራርሓ መንግስታትን በዚ ዘለዎ ፍኑው ናይ ስምዒትን ፈንጠዝያን መልክዑ ክቕጽል’ዩ ኢሉ ዝጽበ ሰብ እንተኣሎ፡ ግጉይ ርድኢት እመስለኒ። ብቑጠባ፡ ጸጥታን ካልእ ማሕበራዊ ረቛሒታትን ንክልቲአን ሃገራት ዘየርብሐን ብዙሕ ነገራት ምህላዉ ከምርዱእ ተወሲዱ፡ ክልቲኦም መንግስታት ነቲ ፍኑው ምንቅስቓስ ዝቈጻጸርሉን ነቲ ሒዝዎ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋታት ዘጕድልሉን ሓባራዊ ሕግታትን ኣሰራርሓን ከምዘማዕብሉ ከጠራጥረና ኣይግባእን። ይትረፍ እዘን ድሕሪ ነዊሕ ናይ ኵናት በሰላን ምፍልላይን ዳግማይ ዝምድናአን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝብገሳ ዘለዋ ክልተ ሃገራት፡ እተን ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ሕብረት ኤውሮጳ ንምቛም ዝነቐላን ንዝሓለፈ ኣስታት 70 ዓመታት ዝጸዓራን ሃገራት ኤውሮጳኳ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ህዝቢን ንብረትን ዘለወን ሕጊታትን ድሩትነታትን ንፈልጦ ኢና።

 

ብዙሓት ሰባት፡ እንተ ብፍላጥ እንተብዘይምርዳእ፡ ነዚ ኵነታት ዘይመልክዑ እናሃቡ ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ዘይምትእምማንን “ኣእምሮኣዊ ግብረ-ሽበራ”ን (psychological terrorism) ክፈጥሩ ምርኣይ’ምበኣር፡ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ሓጋዚ ኣይመስለንን። ህዝቢ፡ ኣብ ውድዓውነት ዝተመርኰሰ፡ ርትዓዊን ንነዊሕ ዝጠመተን ሓበሬታ፡ ርእይቶን ትንታነን’ዩ ዘድልዮ። ፈቲና ጸሊእና፡ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጎረባብቲ’ዮም፡ ነበርትቲ’ዮም ድማ። ዝዀነ ይኹን ርክብ ዘይብሎም፡ ተፈላልዮም ዝነብሩ ህዝቢ ክትገብሮም ዝከኣል ኣይኰነን። ህዝባዊ ግንባር ነዚ መትከል’ዚ ካብ ፈለማ ንቕሎኡ ኣትሒዙ ጽኑዕ መትከሉ ገይሩ ብምሓዝ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ክልቲኡ ሃገራት ሰላም፡ ምሕዝነት፡ ሕውነት፡ ምትሕግጋዝን ብሓባር ንምዕባይን ንምርግጋጽ ከቢድ ዋጋ እናኸፈለ ከምዝሰርሐን ይሰርሕ ምህላዉን ኣብ ታሪኽ ዝተሰነደ’ዩ።

 

ምሉእ ሰላም ንህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!

ዓወት ንሓፋሽ!!

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events