Dehai News

BBC.com: ኣፍቃሪ ክራር ዳዊት ሽላን፡ 'ዳዊት ንዓይ ኩሉ ነገረይ'ዩ' ትብል በዓልቲ ቤቱ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 03 October 2018

ዳዊት ሽላን ናይ ምስሊ መግለጺዳዊት ሽላን

ን20 ዓመታት ተሃርሂሩ ዝፀነሐ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስተጋሕገሐ፡ ካብቶም ምስ ስድራኦም ዝተራኸቡ ከየንቲ ዳዊት ሽላን ብቐዳምነት ይስራዕ።

20 ሴፕቴምበር 2018

ኣንገሶም ተኽላይ ዝተባህለ ዓጋመታይ ምድሪ ምስ ወገሐ ኣብታ ፈላሚት በረራ ኣውሮፕላን ናብ ኣስመራ ይኸይድ።

ኣብታ ፃንሒቱ ንዳዊት ሽላን ረኺቡ "ኣምላኽ እንተይልዎ ኣብ መእተዊ ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያውያን፡ ክምርዐው ይሓስብ ኣለኹ እሞ ዓዲመካ ኣለኹ" ይብሎ።

ብኣውሮፕላን ተዛዊሩ ክመፅእ ዝተመደበሉ ሽላን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ድሮ መርዓ ኣንገሶም ተኸፊቱ። ሽላን ብመኪና ሸደድ እናበለ ናብ ዓዲ ግራት። ዳዊት ሽላን ብወላዲቱ ኤርትራዊ እዩ።

ወላዲኡ ኣያ ተኽለሰንበት ኣፅብሃ ድማ፡ ተወላዲ ድብላ ስዔት ዓጋመ ኢትዮጵያዊ እዮም።

ኣንገሶምን መሓዙት ሽላንን ዳዊት ሽላን ምስ ወላዲኡ ሃንደበት ከራኽብዎም ብስልኪ ሕሹኽ እናተበሃሉ ቀንዮም። ንዳዊት ድርብ መገሻ ኮነሉ።

ንወላዲኡ ንኣያ ተኽለሰንበት ካብቲ ዝነብርሉ ዘለዉ ካብ ከተማ መቐለ ሒዞም ኣብ ዘላምበሳ ኣፅኒሖምዎም። ፅደቕ ዝበሎ ኣንገሶም ንሽላን ክሳብ ዓዲ ቐይሕ ብምኻድ ብመኪናኡ ተቐበሎ።

ኣቦን ወድን ድሕሪ 19 ዓመት ገፅ ንገፅ ተራኣኣዩ። ክሳድ ንኽሳድ ተሓናኒቖም ነብዑ።

ኣንገሶም ተኽላይ ከምታ ዝተመፃባዓ ዳዊት ሽላን ኣብ መርዕኡ ምስ ህዝቢ ዓጋመ ክውዕል ብምግባር ሓሳብ ልቡ ኣስመረ።

ዳዊት ሽላን ምስ ስድራ ቤቱ

'ሽላን ሕማቕ ዘይወፆ'

ዳዊት ወዲ ኣያ ተኽለሰንበት ስሙይ ኤርትራዊ ድምፃዊ እዩ:: ድምፃዊ ጥራሕ እውን ኣይገልፆን። ፍሉይ ተዓፃፃፋይ ድምፂ ዝተዓደለ ደራፊ ከምዝኾነ ማይ ዝሰተየ ዝበዝሕ ሰማዒ ትግርኛ ይፈልጦ እዩ።

"ኣንቲ ሊሎ ሊሎ... ዓዲ ኣቦና ሽሻይ መሊኡ ኣሎ" ትብል ዜማኡ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ሰባት የስተማቕርዋ።

ዳዊት ሽላን ምስ ክራር ብዘለዎ ዝተፈለየ ፍቕርን ክእለትን ይልለ። ክራር ሒዙ ሓንሳብ ናብ መድረኽ እንተወፅዩ እኽለማይ ጥራሕ እንተይኮነስ ውንኡን ቀልቡን ስሒቱ ኣብ ናይ ባዕሉ ዓለም ይጣኒ።

"ኣነ ከም ደቀይ እየ ዝገልፃ ንኽራር። የፍቅራ እየ። ከም ድላየይ እየ ዝፃወታ። ከምቲ ካልእ ንኽራር ዝፃወታ ኣይርእያን እየ። ኣብ ብስጭት ኣብ ጫውጫው ኣብ ዛሕሊ ኣብ ዘለኹዎ ነቲ ዘለኽዎ ኮይነ ይፃወታ" በለ።

ዳዊት ሽላን ዘረብኡን ድምፁን ኣይራኸብን። ከውግዕ ህድእ ኢሉ ስለዝዛረብ ድምፁ ብኽንደይ ብኽንደይ ጉድ ኢኻ ትሰምዖ። ክዝይም እንተሎ ኣበይ ተሓቢኡ ከምዝነበረ ዘይርደአካ መስቆንቆናይ ድምፁ ቃጭል ኮይኑ ይድመፅ።

ዳዊት ምስ ህይወቱ ዝተኣሳሰረት ደርፊ ኣላቶ ይሰምዕ ስለዝነበርኩ ኣብ ከተማ መቐለ ተራኺብና እዚ ቃለ ምልልስ ኣብ ዘካየድናሉ እዋን ኣልዒለሉ።

"ሓቅኻ ኢኻ። ክሳብ ሎሚ ለጋስ ኢኺ ከም ኮኾብ..." ትብል ዜማ ነታ ብጣዕሚ ዝፈትዋ በዓልቲ ቤቱ ኣኽበረት በረኸት ከምዝደረፈላ ነጊሩኒ። እቲ ኣገላልፃ ከምዝውሕዳን ገና ብሕዚ እውን ክገልፃ ከምዝፅበ ይዛረብ።

ዳዊት ሽላን ምስ ስድርኡ: መሓዙቱን ፈተውቱን

ሽላን ምስ ኣኽበረት 5 ቆልዑ ወሊዶም። ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመፀሉ እዋን ምስ ኣኽበረትን ክልተ ደቁን እዩ መፂኡ ነይሩ።"ክሳብ ሎሚ ለጋስ ኢኺ ከም ኮኾብ..." ትብል ደርፊ እናሰማዕ ናይ እማን ኣኽበረት ንሽላን ኮኾቡ ከምዝኾነት ንምርዳእ ኣይኸብድን። ከም በዓልቲ ቤቱን ከም ኣላይቱን ኮይና ክትዋሳእ ተዓዚበ።ኣኽበረት ንዳዊት ክትገልፆ እንከላ "ካብ ብቖልዑትና መተዓብይቲ ኢና። ከም በዓል ቤተይ ጥራሕ ተይኮነስ ከም ሓወይ እየ ዝርእዮ። ዳዊት ንዓይ ኩሉ ነገረይ እዩ" ብምባል ትገልፆ።"ከም ስነ ጥበበኛ ግለፅዮ እተተባሂለ ናይዞም ትግርኛ ዝዛረቡ ስነ ጥበባውያን ኣውራ እዩ" ብምባል ትገልፆ።ምስ ክራር ዘለዎ ዝምድናን ፍቕርን ካብቲ ዳዊት ዝገለፆ ንላዕሊ ኣፀቢቓ ብምትንታን ትገልፅ።"ዳዊት ንኽራር ደኺሙላ እዩ:: ንኽራር ንስለ እንጀራን ምዝንጋዕን ኣይኮነን ሒዙዋ።"

ካብ ብቖልዕኡ ምስ ወለዱ ጭልጭል ካብተብል ትምህርትኻ ግበር እናተባህለ ክንደይ ፀገም ኣሕሊፉ እዩ። ንኽራር ደኺሙላ እዩ። ገና እውን ካብዚ ንላዕሊ ክደኽመላ እዩ ፃዕሩ ዕጉብ ኣይኮነን።

ብኽራር ፒያኖ ባር ከምዝስራሕ ኣርእዩ እዩ። ብኽራር ክቑዘም ከምዝኽእል ብኽራር ዕሰለን ትልሂትን ሆይሆይታን ዳንኬራን ክብል ከምዝኽእል ኣርእዩ እዩ" ብምባል ኣፀቢቓ ትገልፆ።ኣያ ተኽለሰንበት ብወገኖም ንወዶም "ዳዊት ሕማቕ ዘይወጽኦ፡ ኣፍቅሮተ ሰብ ኣለዎ" ብምባል ብሓፀርቲ ቃላት ይገልጹዎ።

ዳዊት ሽላን ኣብ ኤርትራ ዓበይቲ ሃገራዊ በዓላት ተዓዲሙ ዝፃወት ሓደ ካብቶም ስሙያት ኤርትራውያን ዘየምቲ ከምዝኾነ ርዱእ እዩ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን 20 ዓመታት ዘቑፀረ ፅልእን ምትፍናንን ብሰላምን ዕርቅን እንትፈትሐኦ ክልቲኦም መራሕቲ ሃገር ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃገረ ኤርትራ ተረኺቡ ብኽራሩ ገይሩ ዘይሙ ነይሩ።

"ተዘወሪ መኪና ተዘወርየ... ኣስመራን ሽዋን ኮይኑ መዛወርየ" በለ።

እዛ ከም ስም ወላዲኡ ለጊባትሉ ዘላ ሽላን ትብል ቃል መፀውዒት ዜማ እያ። ገጣምን ዘያምን ኣክሊሉ ተስፋጽዮን እዩ ሰሪሑዋ። ኮይኑ ግና ዳዊትን ኣክሊሉን ሎሚኸ ብሓባር ዶ ይሰርሑ ኣለዉ? ኢሎም ዝሓቱ ሰባት ኣለዉ።"ኣይተፈላለናን ኣብ ስራሕ ክሳብ ሕዚ ብሓንሳእ ኣለና:: ኣብዚ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ከማን ኣንበሳ ትብል ሓንቲ ኸኣ ዓደየ ዝብላ ደርፍታት ሰሪሑለይ እዩ። ኣለና ብሓንሳብ ንሰርሕ"።

ባዕሉ ዓቕሙ ዝፈቐዶ ዜማን ግጥምን ከምዝፍትን ዝዛረብ ዳዊት ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ዘየምትን ገጠምትን ከምዝሰርሕ ይገልፅ። ድምፃዊ ዳዊት ሽላን ካብተን ደርፍታቱ ዝያዳ ትምስጦ ደርፊ ክነግረኒ ሓቲትዮ።"ፅምዋ እዩ ዘለኹዎ ቦታ... ፀድፊ ገደል ሃሩር'ዩ ሃልሃልታ

እንሄኹ ደብዳቤ ሕጂ ይሰደልኪ...

ስእለይ እሞ እንታይ ኢልክዮ ይትረፍኪ... ክትሓዝኒ ኢኺ" ትብል ዜማ ካብ ኣዒንቱ ክፈስስ ዝህንደድ ንብዓት እናዓገተ ኣስሚዑኒ።ዳዊት ሽላን ኣብታ ዝነበርቶ ሓፃር ፃንሒት ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ኣብ መርዓ ኣንግሶም ተኽላይ ንዝተዓደመ ኢትዮጵያውን ኤርትራውን ጋሻ ብኽራሩ ዳርጋ ምሉእ ለይቲ ኣዘናጊዑ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ብዘረባ በዓልቲ ቤቱን ኣላይቱን ወ/ሮ ኣኽበረት በረኸት ብዛዕባ ዳዊት ሰብ ክፈልጦ ትደልዮ ቁዉም ነገር ነጊራትና።"ልዕሊ ማንም ሓላፍነታዊ ከምዝኾነ: ንዳዊት ለውሃት ጥራሕ እዩ ክዕንቅፎ ዝኽእል እምበር ሓላፍነታዊ እዩ። ብሽግር ሰብ ዝቑንዞ ብሓጎስ ሰብ ዝሕጎስ ፈቃር ጥበባዊ ከምዝኾነ ሰብ ክርዳእ ኣለዎ" ትብል።

ዳዊት ሽላን ደጊም ሰላም ካብ ኮነ ከምቲ ዝዘየሞ ተዘወሪ መኪና ስለዝተብሃለ ኤርትራውያን ፍያትን ኦፔልን ሒዞም ኣብ ከተማታት ትግራይ ሸናዕ ይብሉ ኣለዉ።

ኢትዮጵያውያን ብግዲኦም ኣብ ኣስመራ ፃዕዳ ሓዲሮም ይምለሱ ኣለዉ። ሽላን እውን ኣብ ኣስመራ የራኽበና ዳሓን ፅንሒ መቐለ ብምባል ተፈልዩና።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events