Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ መራሒ ሕውሓት ኣይተ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ቤት ምኽሪ ትግራይ ካብ ዝተዛረቦ ዝተቈንጨበ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 21 October 2018

ጥቅምቲ 20, 2018 ዓም ፈረንጂ

''ዓዲ ዝተረጋግዐት ከይመስለኩም መልክዑ ቀይሩ እምበር ኣብ ኩናት ኢና ዘለና'' / ደብረፅዮን

~ ካብ ደገ እትግዛእ መኪና ኣይትህሉን ኮብራ ድሕሪ ሐዚ ኣይንገዝእን ኣብዚ ዝተገጣጠማ ኢና ንገዝእ ድሕሪ ሐዚ
~ዓመት ሙሉእ አብገምጋም ከምዘሕለፍናዮ ዓመት ሙሉእ ኣብ ስራሕ ነብዕሎ
~ ኣብ ፍሉይ ውግእ ኢና ዘለና ወይ ከጥፍኡና ወይ ክነጥፈኦም ከም ህዝቢ ንስመር
~ እዚ ዓመት እዙይ ናይማን ናይ ለውጢ ዓመት ንግበሮ ተዘየለ ተወዲእና ኢና
~ ዘረባ አይፀላእናን ከይሰራሕኻ ምዝራብ ግን አይንደልን ከይሰራሕኻ ዘረባ እዩ ዝዶቑሰና ዘሎ
~ ዓዲ ጥዕና ዘለዋ ከይመስለና ገና እዩ ኣይተረጋገዐን... ተዘይ ሰሪሕና ኣብቲ ግጥም ክንሰዓር ኢና
~ ፈታዊ ህዝቢ ትግራይ እንተኮይኑ ለውጢ የምፅእ በቃ... መዐቀኒትና ንሳ እያ
~ ናይ አረኣእያ ናይ ኣተሓሳስባ እናበልና አይንውዕልን ድሕሪ ሐዚ
~ ብሳሪሃ ማሪሃ፤ ብእገለ ወዲ እገለ ብኔትዎርክ ክሳብ ታሕቲ ሐዚ አውን ገና ኣሎ... እናሰዓብና ክንፀርጎ ኢና እናተጠላለፍካ ዝበሃል የለን... ሐዚ እውን ይዕዘቦም እየ
~ እዛ ቦታ እዚኣ ርስቲ ኣይኮነትን በጃኹም ኣቱም ብኸምዚ ዝመፃኹም ኣመራርሓ ከይሰዓብናኩም ተኣለዩ ህዝቢ ይዓቢ
~ ንስልጠና ዝበሃል አበል ድሕሪ ሐዚ ኣይህሉን ብዙሕ ቅርሺ እዩ ዝባኽን ዘሎ
~ ፀገም ዘለወን ዩኒቨርስቲታት ነፅነዐን ኣለና ደቅና ፀገም ናብዘለወን ክንሰድድ አይንደልን ነፅንዐን ኣለና ኢና
/ ደብረጽዮን /ሚካኤል አብ ቤት ምኽሪ ሐዚ ይዛረብዎ ካብዘለዉ ዝተወስደ

@ ጉናዛ

 

 

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events