Dehai News

ንገዚፍ ስራሕ እንብገሰሉ መድረኽ( ምንጪ-መጽሔት " መንእሰይ")

Posted by: "ሳሙኤል ዕቕቡ"

Date: Saturday, 27 October 2018

ንገዚፍ ስራሕ እንብገሰሉ መድረኽ  

 እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ብ11 ሓምለ 2018 ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ ሳዋ፡ ንተሳተፍቲ 8ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ንህልዊ ኵነታትን ምዕባለታትን ዞባና ኣመልኪቱ ካብ ዘካየዶ ሰሚናር ተጸሚቚ ዝቐረበ እዩ።    

    ኣብ ናይ ሎሚ ሰሚናር፡ ምስዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ዞባዊ ምዕባለታት ተኣሳሲሩ፡ ክንዛረበሉ እንኽእል ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። በየን ጀሚርካ፡ በየን ትውድእ፡ መትሓዚ ክትረኽበሉ እውን ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ መጀመሪ ወይ መእተዊ ናይቲ ብዙሕ ክበሃል ዝከኣል ጥራይ እየ ክገልጽ ዝኽእል። ኩልና ንከታተሎ ከምዘለና፡ ብሓፈሻ ንጎደቦና ማለት ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጀሚርካ፡ ንሶማል፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳን፡ የመን፡ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን ኸሊጅን፡ ንብምሉኡ’ዚ ከባቢ’ዚ፡ ኣብ ሓድሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ ወይ መድረኽ ዘእቱ ምዕባለታት ተኸሲቱ ኣሎ። እዚ ሓድሽ እንኣትዎ ዘለና ምዕራፍ እንታይ ይመስል? እንታይ ዕድላትን ብድሆታትን ኣለዎ? እንታይ ሓላፍነታትን ግዴታታትን ኣሎና? ሓደ ብሓደ ብልክዕ ፈሊጥና፡ ብኡ መሰረት፡መንእሰያት ናይ’ዚ ሃገር ግቡእ መረዳእታ ከምዝህልዎም ምግባርን ክስከምዎ ዘለዎም ሓላፍነት ምንጻርን ድማ ኣገዳሲ እዩ።  
    ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ መሪሕነት ተሓላሊኹን ተናዊሑን ዝጸንሐ ናይ ኲናትን ተጻብኦን መድረኽ ተዓጽዩ፡ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣቲና ኣሎና። እቲ መድረኽ’ቲ ምዕጻዉ ብዙሕ ዘከራኽር ነገር የብሉን። ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶ፡ ኣብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ንቕድሚት ምእንቲ ክንስጉም፡ እንታይ ክንገብር ኣለና?ኣብ ቅድመና ዘለዉ ብድሆታትን ዕድላትን እንታይ’ዮም? ዝብል እዩ።  
   እቲ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ብድሆ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኵነታት ዝገደፎ ሓድጊ (legacy)እዩ። እዚ ሓድጊ’ዚ ብመሰረቱ ተሓጺቡ ናብ ጎሓፍ ክድርበ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ታሪኽ እውን ክድምሰስ ዘለዎ እዩ። ብኸመይ ይጠፍእ? ቀሊል ክመስል ይኽእል ይኸውን። ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ ጌጋ ክእረም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ርግኣትን ምሉእ ብምሉእ ክሰፍን እንተኾይኑ፡ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዝጸንሐ ኣተፋናኒ ናይ ብሄራት ፖለቲካ ዘምጽኦ ጸገም ክፍወስ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ከቢድ ስራሕ ዝሓትት እዩ። እዚ ፖለቲካዊ ሓድጊ ወይ ውርሻ’ዚ ክሕጸብ ስለዘለዎ፡ ሓደ ካብ’ቶም ዓበይቲን በዳህቲን ዕማማት ናይ’ዚ ዝመጽእ ዘሎ እዋን እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ከመይ ገይሩ ካብ’ዚ ኣትዩዎ ዝጸንሐ መቓቓሊ ናይ ክልላት ፖለቲካ ወጺኡ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሃዋህው ይፈጥር? ብቓል ተዛሪብካ ዝውዳእ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ (ፖለቲካዊ ሕጽቦ እየ ዝብሎ ኣነ) ከድሊ እዩ።  
            እቲ ካልኣይ ብድሆ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኣብ ወገነይ ወገንካ፡ ብሄረይ ብሄርካን ካልእ ጸቢብ ኣቋውማን ዝተመስረተ ናይ ተራ ሰረቕቲ ፖለቲካ ዝፈጠሮ ብልሹው ስርዓተ-ቁጠባ እዩ። እዚ እውን ካብ ስሩ ተማሕዩ፡ ብሓድሽ ናይ ብሓቂ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝበቅዕ ናይ ቁጠባ ስርዓት ክትካእ ክኽእል ኣለዎ። ነዚ ምግባር ከኣ ካልእ ተወሳኺ ገዚፍ ብድሆ ወይ ዕማም ናይ’ዚ ዝመጽእ እዋን እዩ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ለውጢ ናይ ምምጻእ ሓላፍነት ብቐንዱ ናይ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ብወገንና እውን ክንተሓጋገዝ ሓላፍነት ኣለና። ንኽልቲኡ ህዝብታትና ዘረብሕ ሃዋህው ክንፈጥር እንተዄንና ክልቴና ብሓባር ክንሰርሓሉ ዘለና እዩ። ብሓደ ወገን ነዚ ሕጽቦ’ዚ እናካየድና፡ በቲ ካልእ ወገን መሰረታት ሓድሽ ህይወትን ሓድሽ ምዕራፍን ኣንጺፍናን ነዲቕናን ንመጻእቲ ወለዶታት ናይ’ዚ ከባቢ ማለት ንኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኪኖኡ’ውን ከም ዘገልግል ክንገብር፡ ሓደ ዓብዪ ውጥን ኣውጺእና ክንሰርሓሉ ተበጊስና ኣለና። እቲ ሓፈሻዊ መደብ ኣብቲ ተኸቲሙ ዘሎ ሓባራዊ ኣዋጅ ተኸታቲልኩሞ ኣለኹም። ከመይ ጌርና ንሰርሓሉ ዝርዝራት ክህልዎ እዩ። ብኹሉ መልክዓት ቁጠባዊ፡ ባህላዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ እንተላይ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲታትና ብሓደ ኣሳኒና፡ ጻዕርታትና ደሚርና፡ ገስጋስና ብዝሓየለ ናህሪ ብኸመይ ንቕድሚት ንደፍኦ እተነድፈ ፕሮግራም ኣሎ። እቲ ፕሮግራም ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ወይ ሓጺር ግዜ ክትግበር ዝኽእል ኣይኮነን። ደረጃ ብደረጃ ዝትግበር ኮይኑ፡ ከም መጀመሪ ክኾነና ግን ድሮ ዝተተሓሓዝናዮ መደባት ኣሎ።
     ኣብዚ ዕማም’ዚ ናይ ልምዓት መደባት ልዕሊ ዝኾነ ካልእ መደባት ዝጥመት እዩ። እቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ብድሆታት እናሃለዉና፡ ሓባራዊ ናይ ልምዓትን ህንጸትን መደባትና ማዕረ ማዕረኡ ምስጓም ቀዳምነት እንህቦ እዩ። ናይ ቁጠባን ልምዓትን መደባትና ብተመላላእነት ከነተግብር፡ ዘሎና ጸጋታት ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ብሓባር ኣጎሳጕስና ብሓደ ዕላማ ከም ዝሰርሕ ክንገብር፡ ከም ክልተ መደብ ዘይኮነ ከም ሓደ ጥሙር መደብ ክንሰርሓሉ ከድልየና እዩ። ቅድሚኡ ግን ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ምዕባለታት ክመጽእ ይኽእል? እዚ ናይ ምስግጋር መድረኽ ከመይ ክኸውን ይኽእል?ዝብል ሕቶ ክመጽእ ስለዝኽእል፡ ፈለማ ክስገሩ ዘለዎም ናይ’ቲ ዝጸንሐ ስርዓት ሓድግታት ከምዘለዉ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።  
    ቀዳማይ ናይ ዶብ ጉዳይ እዩ። ናይ ዶብ ጉዳይ ብይን ተዋሂብዎ ዝተደምደመ ስለዝኾነ፡ ከምዘይተፈትሐ ዓቢ ግድል ክውሰድ ዝኽእል ኣይኮነን። ብቐንዱ ፍቱሕ እዩ። ብኸመይ ይትገብር? መዓስ ይትግበር? ዘሀውኸና ጉዳይ እኳ እንተዘይኮነ፡ክትግበር ግን ኣለዎ። ቅድሚ ዝምድና ምትዕርራይ፡ ቅድሚ ናብ ሓድሽ መድረኽ ምእታውና፡ ግድን እዚ ጉዳይ’ዚ ክፍታሕ ኣለዎ ዝበሃሎ ኣይኮነን። ንዕኡ መመኽነይታ ገይሮም ክዕንቅፉ ወይ ክሓላልኹ ዝፍትኑ እውን ስለዘይሰኣኑ፡ ኣብ’ቲ ናቶም ጸወታ ዘእቱ ምኽንያት የብልናን። ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኵናት ስለዝኣተዉ፡ ፌስታ ገይሩ ክስሕቕ፡ ፍሽኽ ክብል፡ከዳኽር፡ ክዕንድር ዝጸንሐ ኣሎ። ሕጂ ግን ከምኡ ዝበሃል የለን፡ ዝኣኽሎም ግዜ ተጻዊቶም እዮም። ኢትዮጵያን ኤርትራን ተባኢሰን፡ እንታይ ትሓፍስ? ካብ እተዘርገ ማይ እንታይ ክሕፈስ ይኽእል? ዋላሓንቲ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ከብቅዕ ዘለዎ እዩ። እዚ ጸወታ’ዚ ካብ ግዚኡ ንላዕሊ’ውን ስለዝኸደ፡ ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ዝሓስቡ ሓይልታት፡ “ግዜኹም ኣኺሉ እዩ፡ ካልእ ስራሕ እንተለኩም ስራሕኩም ድለዩ፡ እንተዘየለ፡ ንሕና ስራሕ ኣሎና” ኢና ንብሎም። 
   እቲ ንደልዮ ዘለና ገስጋስ ክቕልጥፍ ኣለዎ፡ ግዜ ክወስድ የብሉን። ሎሚ፡ ጽባሕ ክንዛረበሉ ኢና፡ ከነዳቕቘ ኢና፡ክነጻርዮ ኢና፡ ኢልና ነደናጉዮ ነገር የለን። ቅድም ቀዳድም ኣገደስቲ እንብሎም፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ከቀላጥፉ ዝኽእሉ፡ ናይ ልምዓት መደባትና፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ከወሃህድዎን ከሳልይዎን ዝኽእሉ መደባት ኣለዉ። መጀመርታ ወደብ ዓሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኵነታት፡ሎሚ ጽባሕ ከይበለ፡ ምስ ኩሉ ዘለዎ ጸገማት ናይ ትሕተ ቅርጺ፡ኣብ ዝሓጸረ እዋን ተኸፊቱ፡ብዘለዎ ዓቕሚ ምንቅስቓሳት ክጅምር ኣለዎ። ኣብኡ ዘለዉ ናይ ማይ፡ ኤለክትሪክን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ብቕልጡፍ ተመሓይሾም ህዝቢ ኢትዮጵያ ክጥቀመሎም ክኽእል ኣለዎ። ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ዝበሃሎ ኣይኮነን።ዝከኣልና ጎዪና እቲ ኣገልግሎት ከም ዝጅምር ክንገብር ኢና።ብዘይካ’ዚ ካልኦት ንኽልቲኡ ቁጠባታት ዘራኽቡ ትሕተ ቅርጺታት ኣለዉ። ብባጽዕ፡ነፋሲት ደቀምሓረ ጌርካ ብሰንዓፈ ዝእቶ መስመር፡ብመረብን ኦምሓጀርን ዝእቶ መስመራት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክፉት ኮይኑ ምንቅስቓሳት ናይ ምድሪ፡ ንቑጠባታትና ናህሪ ከም ዝውስኸሉ ኮይኑ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ዘሎ ትሕተ ቅርጺ እናተመሓየሸ፡ መጓዓዝያ ምድሪ ክሕይል ክኽእል ኣለዎ። መጓዓዝያ ኣየር እውን ብተመሳሳሊ።ድሮ ኣብ ዜና ሰሚዕኩሞ ከምዘለኹም፡ ን17ሓምለ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ክጅምር እዩ።  
   ናይ ቁጠባ ምትሕግጋዝና ኣብኡ ጥራይ ዝሕጸር ኣይኮነን። ካልእ ብጥሙር ውጥናት ዝትግበሩ ገዘፍቲ ናይ ትሕተ ቕርጺ መደባት እውን ኣሎ። ክልቲኡ ቁጠባታት ዝሳነየሉ ናይ ፖሊሲ ስኒት (ሃርሞናይዘሽን) እውን ከድሊ እዩ። እዚ ሓድሽ ኣይኮነን፡ ቀደም እውን ክንሰርሓሉ ጀሚርና ዝነበርና እዩ። ንዕኡ መሰረት ብምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ፡ጸዓት፡ ማይ፡ ሕርሻ፡ እንተላይኣብ ትምህርትን ጥዕናን ኩሉ መደባትና ብሓደ ተሳንዩ ክሰርሕ ክኽእል ምእንቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ተነዲፉ ዝነበረ ንድፊ፡ ናብ ትግባረ ተሰጋጊሩ እቲ ስራሕ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክጅምር ኣለዎ።  
   እዚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መጺኡ ዘሎ ለውጢ፡ ኣብ ጎረባብትና እውን ሱር በተኽ ናይ ኣረኣእያን ናይ ኣተሓሳስባን ለውጢ ይፈጥር ስለዘሎ፡ እቲ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ኣባና ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን ንብምሉኡ እዚ ዞባ’ዚ ንሶማል፡ ደቡብ ሱዳን፡ሱዳንን ካልኦትን ዝጸሉ እዩ። እዚ ሕጂ ምስ ካርቱም ዘሎ ኵነታት መዓልቱ በሊዑ ዝውዳእ እዩ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ስግር ባሕርን እውን ብተመሳሳሊ ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ መደባት ክህሉ እዩ። ልዕሊ ኹሉ፡ ነዚ ናይ ሓባር መደባት ንቕድሚት ንምግስጋስ ዝድርኽ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ኵነታት እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት፡ ናይ ብሓቂ፡ ናብቲ ልዕሊ 20 ዓመታት ተኾሊፉ ዝጸንሐ ባህጊ ክንምለስ ጥራይ ዘይኮነ ኪኖኡ’ውን ንወለዶታት ዝኸይድ ለውጢ ከነምጽእ ተስፋ ዝህብ እዩ። ኣብ ሞንጎ ክልቴና ተፈጢሩ ዘሎ ስኒት፡ ናይ ኣረኣእያ ሓድነት፡ ብኽልቴና ወገን ዘሎ ቅሩብነት፡ ሰብ ክጽበዮ ብዘይክእል ደረጃ ናህሪ እናወሰኸ ይኸይድ ስለዘሎ፡ መጻኢ መደባትና ከነጻፍፍ፡ ከነዳቕቕ ምእንቲ ኣነ ጽባሕ ቀዳም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸይድ እየ።  
      ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልክዎ፡ ቅልጣፈ፡ ዕብየት ወይ ደርማስነት ናይዚ ምዕባለታት’ዚ፡ ናይ ብሓቂ ብቐሊል ክተኮማስዖን ክትውሕጦን ዝከኣል ኣይኮነን። ዓቢ እዩ። ከመይ ጌርና ማዕረ’ቲ ዝቕድመና ዘሎ ኵነታት ክንከይድ ንኽእል፡ ምስቲ ኣብ ቅድመና ተደርዲሩ ዘሎ ዕማማትን ብድሆታትን ክሳብ ክንደይ ክንጎዪ ንኽእል? ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ግድን ብቕልጡፍ ምስኡ ክንስጉም ኣለና።  
    እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት’ዚ ስቕ ኢሉ፡ብሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ መንእሰይ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ብዙሕ ክቃለሰሉ ዝጸንሐ፡ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ፡ ዕድል ዝጠፍኦ እዩ። ማእለያ ዘይብሉ ነገር ክግበር እናተኻእለ እንከሎ፡ በቲ ዝነበረ መኻልፍ ተደናጉዩ ወይ ተሓናዅሉ ጸኒሑ ኣሎ። ንዕኡ ክንሰግሮ ክንክእል ኣሎና። ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብሰፊሑ ዝተዘራረብናሉ፡ ነቲ ዝኸሰርናዮ ዕድላት ኣምሊስና ብኸመይ ብዝሓየለ ደረጃ ንቕድሚት ንጎዪ እዩ።እዚ ድማ እዚ ሃገር’ዚ፡ እዚ ህዝቢ’ዚ ክዳለወሉ ኣለዎ። ኣብ ዓበይቲን ንኣሽቱን መደባት፡ ኣብ ነንበይኖም ጽላታት፡ ንዞባና ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ሓቢርና እነካይዶ ስራሕ ስለዘሎ ነዚ ክንዳለወሉ ኣለና። ድሓን ይጽንሓልና፡ ጽባሕ ቀሰይ ኢልና ነርክበሉ፡ ረማዕ ኢልና ንሰርሓሉ ንብሎ ኣይኮነን። ማዕረ’ቲ ንስከሞ ዘሎና ሓላፍነት ክንጎዪ ስለዘሎና፡እቲ ህዝቢ ንዕኡ ድሉው ክኸውን ክኽእል ኣለዎ።ልዕሊ ኹሉ ኸኣ መንእሰያት ነዚ ሓድሽ ምዕባለን ተፈጢሩ ዘሎ ዕድላትን ድሉዋት ክኾኑ ኣለዎም። ክልተ ሰዓት ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ሽዱሽተ ሰዓት ክሰርሕ ኣለዎ፡ 10 ኪሎሜተር ንመዓልቲ ዝጎዪ ዝነበረ 100 ኪሎ ሜተር ክጎዪ ክኽእል ኣለዎ። ከምኡ ጌርና ጥራይ ኢና ዝኸሰርናዮ ኣምሊስና፡ ንቕድሚት ዝጽበየና ዘሎ መደባት ክንዓምም እንኽእል። ዜጋታት ክልቲኣተን ሃገራት ካብ ዝጸንሐ ኣካዪዳ ብዝቐልጠፈን ብዓጸፋን ክሰርሑ ክኽእሉ ኣለዎም። ስምዒትን ድሌትን ጥራይ ከይከውን ከኣ፡ ንጹራት ውጥናት፡ ብሰዓት፡ብመዓልቲ፡ ብሰሙን ዝግለጹ መደባት ተጻፊፎም፡ንዕኡ ዝኸውን ዓቕሚ ከነዋፍር ክንክእል ኣሎና።  
   ዝጸንሐ ተረፍ መረፍ ግዕዘያት ናይ ምጽራይ ዕማም ከይወጠጠና - ንሱ ቀሊል ነገር ስለዝኾነ -ንቕድሚት ዘሳጉመና፡ ዓበይቲ መደባት ክንስእል ኣሎና። ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ኣዋርሕ ድማ ነዚ ብዝምልከት ክልቴና ወረቓቕትና ከነጻፍፍ ኢና።ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ነዚ ብልቢ ክሰርሓሉ ልዑል ድሌትን ቅሩብነትን ስለዘለዎ፡ ንሕና እቲ ዝግባእ ደገፍ እናሃብና፡ እዚ መደባት’ዚ ከም ዝሰርሕ ክንገብር ክንክእል ኣሎና። ናይ ሓባር ዕማምና ከም ሓደ ሃገር፡ ከም ሓደ ህዝቢ፡ ከም ሓደ ሓይሊ፡ኴንና ከነተግብሮ እዩ መደብና። እዚ ብወገኑ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኩነታት ክንቅይር ክሕግዘና እዩ። ሕርያ ኣይኮነን። ኣብ ከባቢና ዘሎ ኩነታት ከይቀየርና ንሕና ናይ በይንና ኵነታት ጥራይ ቀይርና ኣለና እሞ፡ኩሉ ነገር ብጽቡቕ ክኸደልና እዩ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ንነብረሉ ዘለና ጎደቦ ክቐስን ክኽእል ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓቢሩ ምሳና ክጓዓዝ ስለዘለዎ፡ንሱ እውን ኣብዚ ናትና መደብ ከም ዝኣቱ ክንገብር ኢና። ነዚ ዝኸውን ባይታ ቀልጢፍካ ምጽራግ ከድሊ እዩ። ስጉምትታት ምውሳድ ከድልዮ እዩ። ድሮ’ውን ጀማሚርናዮ ኣለና። ዓው ኢልና ኣይንዛረበሉ እምበር፡ብግብሪ ግን ኣብ ባይታ ክንሰርሓሉ ጀሚርና ኣለና።  
   እዚ ኣውጺእናዮ ዘሎና ዓቢ መደብ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ወይ ዓመት እንታይ ክመስል ይኽእል ብግብሪ ክንርእዮ ኢና። ከመይ ጌርና ናህሪ ንውስኸሉ፡ ከመይ ጌርና ኣድማዕነቱ ነዕብዮ ኸኣ፡ ብሓባር ስለዘሎና፡ ኢሂንምሂን እናተባሃልና፡ ምዕባለታቱ ብግቡእ እናተኸታተልና፡ ናይ ዉሽጢ ዓቕምታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ዓቕምታት’ውን እናጎሳጎስና ክንሰርሓሉ ኢና።  
   ኣብዚ ልዕሊ ዝኾነ ነገር እቲ ወሳኒ ናይ ህዝቢ ሱታፌ፡ናይ ህዝቢ ሓይሊ እዩ። ስለዚ ኣብ ዓዓድና ዘሎ ኣወዳድባ ክነሐይል ኣለና። ርግጽ እዩ ክንሰርሕን ዝገጥመና ዝነበረ ብድሆታት ክንምክትን ጸኒሕና ኢና። እቲ ሕጂ ክስራሕ ዘለዎ ግን ዝያዳ ዝዓበየ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ዕድላትን ብድሆታትን ብግቡእ ክንሰርሓሉ፡ ቅድም ቀዳድም ናይ ህዝቢ፡ ብቐንዱ ኸኣ ናይ መንእሰያት ድሉውነት ክህሉ ኣለዎ። ሕጂ ኩነታት ደቂሱ’ዩ፡ኩሉ ነገር ተፈቲሑ’ዩ፡ ሰላም መጺኡ’ዩ ኢልና ረማዕ ንብለሉ ግዜ ኣይኮነን። ሰላም ስለዝመጸ ሓላፍነትና ዝኸበደ እዩ ዝኸውን። ስራሕና ዝኸበደን ዝዓበየን ገስጋስና ድማ ዝቐልጠፈን’ዩ ክኸውን ዘለዎ። ሰላም መጺኡ፡ቀሲንና ተሓጕስና ኢልና ክንዛነ ኣይኮናን። ኩሉ ጸገማት ተወዲኡ እዩ ኢልና ንዛነየሉ መድረኽ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ተኸፊቱ ዘሎ ሓዲሽ ምዕራፍ ብዝያዳ ሓይሊ፡ብዝያዳ ተገዳስነት፡ ክንሰርሕ ሓላፍነት እንስከመሉ ግዜ እዩ።እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህው፡ብዝተወጠነን ብዝተጸንዐን መገዲ ዓቕምታትና ብግቡእ ወዲንና ክንሰርሓሉ ኣለና።ሃማመተኤ ይኹን፡ ሃማደኤ፡ሃኮሰኤን ካልእ ዝተፈላለየ ወዳበታትን ናይ’ዚ ሃገር፡ እዚ ኩነታት እዚ ኣብ ቅድመና ገቲርዎ ዘሎ ሓላፍነታት ብዕምቈት ተገንዚቦም ክዳለውሉ ዘለዎም ነገራት ብዙሕ እዩ። ብስነ ኣእምሮ፡ኣወዳድባን ዝርዝር ናይ ስራሕ መደባትን ክዳለውሉ ዘለዎም ብዙሕ ጉዳያት ኣሎ። ኣወዳድባና ኣጽፊፍና፡ብዝበለጸ ምሕደራን ብዝለዓለ ብቕዓትን ክንሰርሓሉ ክንክእል በብወገንና ኮፍ ኢልና ወረቓቕትና ከነጻፍፍ ክንክእል ኣለና። ስለዚ ዘለናዮ ግዜ ንገዚፍ ስራሕ ቅሩብነት ዝሓትት እዩ። ቅድሚ ዝኣገረ መንእሰያት ናይ’ዚ ሃገር ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ሓላፍነት ብግቡእ ክግንዘብዎ ኣለዎም። ንወለዶታት መሰረት ኣንጺፎም ዝሓየለን ዝበለጸን ኵነታት ክፈጥሩ ስለዘለዎም፡ ማዕረ’ቲ ዝጽበዮም ዘሎ ሓላፍነት ኮይኖም ክርከቡ ኣለዎም።፨

ምንጪ-መጽሔት " መንእሰይ"
          ጥቅምቲ 2018 ቁ.60
ብተወሳኺ ኣብ መርበባት ሓበሬታ www.shabait.com(menesey magazine) / www.eriyouth.org ክትረኽብዋ ትኽእሉ.

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events