Dehai News

(ድምጺ ኣመሪካ) ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ናይ ስርሖም ወረቓቕቲ ኣረኪቦም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 08 November 2018

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ናይ ስርሖም ወረቓቕቲ ኣረኪቦም





ቀርኒ ኣፍሪቃ  ሕዳር 08, 2018

ዋሽንግተን — ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ሎሚ ሓሙስ ናይ ስራሕ ወረቓቕቶም ንሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ኣረኪቦም።



ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ርኽብ ናብ ቀረባ ጊዜ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተኻየደ ዕርቀ ሰላም ብዝምልከት ከምዝዝተዩ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምግላጹ ፋና ብሮድካስቲንግ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ።

ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ንግዲን ህዝብታት ንምሕያል ከምዘልድይ ኣስሚሩ’ሎ።



ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓል ዝካየዱ ጻዕርታት ውጽኢት ይርከቦም ምህላዎምን ኢትዮጵያ ድማ እቲ እገዳ ምሉእ ንምሉእ ክሳብ ዝለዓል ጻዕርታታ ከምትቕጽል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምግላጾም ፋና ሓቢሩ’ሎ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ብወገኑ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ንምሕያል ከምዝሰርሑ ሓቢሮም ኣለው።







7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events