Dehai News

"ዘንጊ ሓቂ ትቐጥን እምበር ከቶ ኣይትስበርን"

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Saturday, 17 November 2018

ወርሒ ሕዳር ዕለት 17, 2018 ዓም ፈረንጂ

ሰላማት ክቡራን ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ብሓበራ፣

 

ከመይ ኣሎ ዓለማዊ ናብራ?

 

ብርእሳ ናብ ውሽጢ መሬት ዝነበረት ሓቂ ተቐቢራ፣

 

ብተባዕን ዓቃልን ኩለንትናዊ ህዝባዊ መኸተን ቃልሲን ብእግራ መሰስ ኢላ ወጺኣ ናብ ብርሃን ተሰንያ ብጩራ

ንጸላእቲ ኤርትራ ዓለም-ለኸ ዊዲታቶምን ሽርሕታቶምን ኣብ ቃልዕ ኣደባባይ ኣሕፊራ፣

 

ንኤርትራን ህዝባን መንግስታን ተሊሞም ዝኾዓቱዎ ዓሚቕ ጋህሲ ንባዕላቶም ምስ ኣሸቀልቶም/ከደምቶም ብሓባር ኣው`ኡ ቀቢራ፣

 

ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ ምስ ተባዕ ህዝባ ጅግና ህዝባዊ ሰራዊታ መንግስታ ህዝባዊ ግምባራ፣

 

ዳግማይ ናጽነታ ሓርነታ ክብሪታታ ብግብሪ ብድሙር ጻዕራን ግብራዊ ስራሕን ኣብ ቅድሚ ዓለም ኣመስኪራ፣

 

እወ ሕጅውን እወ! ኤርትራ ብህዝባዊ ቃልሳን ኩለንትናዊ መስዋእታን ውፉይ ህዝባዊ መኸተኣን ንኹለ ዓለማዊ ውዲታት ሸርሕታት ብድሆታት ዓለም ብዘየዳግም ስዒራ፣

 

ኣብ መወዳእታ ኤርትራ............መሰስስስስስስስስስስስስስ ኢላ ተዓዊታ ወጺኣ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተውትን ከይተዋገየትን እቲ ብወርቂ ዘይትመን ዓቂባ ምሉእ ክብራ!!!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!|
ክብርን ሞሳን ንጀጋኑ ስንኩላን ተጋደልትናን ንሓርበኛታት ህልዋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!|
ዓወት ንሓፋሽ!!!

ኽቡራት እሕዋትን ኣሓትን፣ እስከ ንቐደም በሉ፣ ኣይተስተዋሕድዎ ኸኣ! ዮሃና ዮሃና ዮሃና! እንቛዕ `ሓጐሰኩም ሓጎሰና!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም

 
 
Abspielen
 
 
 
-8:05
Zusätzliche Grafikeinstellungen
„Ansehen und scrollen“ aufrufenZum Vergrößern klicken
Stummschaltung aufheben
 
 
 
 
 

Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events