Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: ንሕና ኤርትራውያን ምስ ትግራዎት ጽልኢ ከምዘይብልና ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና። ወያነ ናይ ኢትዮጵያ ሕሳባቱ ምስ ኢትጵያውያን ይግበሮ። ....አብ ውሽጣዊ ጉዳይኩም ኣይትጒተቱና።

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 18 November 2018

 
http://www.zemenawi.com/wp-content/uploads/2016/05/Battle_Afabet.png
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
 
*እዘን ስእልታት ካብቲ ኣብ 1988 ዓም ብህግሓኤ "ንናደው እዝ" ንምድምሳስ ዝተበገሰ ታሪኻዊ ወትሃደራዊ ስርሒት ኣብ`ቲ ግጥም ካብ ዝተወስደ ሰነድ ብኢደ-ወነነይ ኢየ ለጢፊዮ እሞ ክቡር ሓወይ ማሕሙድ ሳልሕ ኣይትሓዘለይ።
 
በቲ ንሃገርካን ህዝብኻን ቅድም ብኣካል ኣብ ክሊ ንኡስ ዕድሜኻ ዝተቓለስካሉ ድሕሪኡ ድማ ካብ ነዊሕ እዋን ጀምርካ ብብርዕኻን ብቓልካን ብግብሪ ትጣበቐሉን ትከላኸለሉን ዘሎኻ ድማ ምስ ኣድናቖትን ምስ ምሉእ ኣኽብሮትን ምስጋናይ ይገልጸልካ። ቀጽሎ ኸኣ!!!
 
*ሓውኻ ብርሃነ ሃብተማርያም
 
http://www.eriswiss.com/wp-content/uploads/2013/03/NADOW.png

ብ1988፡ ኣብ ምድምሳስ ናደው፡ ምዑታት ታንከኛታትና ነታ ካብ ቀዳሞ ዝነበረት ተሽከርካሪት ምስ ዘበጡ እቲ ብጥውይዋይ ክሳድ ዓዲ ሽሩም ናብ ኣፍዓበት ዝሃድም ዝነበረ ውሩይ መካናይዝድ ዘርኣይ ደረስ ኣብ ጥውይዋይ ናይ'ቲ ዓቐበት ተረጊጡ። ኣይላዕሊ፡ ኣይታሕቲ ኮይኑ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግ ከም፡ዝተኸስረ ምስ ኣመኑ፡ ንኽቃጸል ኽልተ ነርፈርቲ ሰዲዶም ይበሃል። ሽዑ ሓደ ካብቶም ፓይሎታት ኣጠዓዒሙ ነታ ቀዳመይቲ ቦምባ ክሰዳ እንከሎ "ኣየ መንግስት ሲወድቕ" ክብል ብኣሃዱታትና ተጠሊፉ ተባሂሉ ተተሪኹ ኣሎ።

እዛ ሓንቲ ምልእቲ ሓሳብ ናይ'ዚ ፓይሎት ሓዘን ተርኢ፡ ነታ ቦምባ ምፍናዉ ከኣ ሓዘኑ ከም ዝዓጸወ እተረድእ ተግባር እያ። ከምኡ ምውሳኑ ነቲ ክውንነት ተቐቢልዎ ማለት እዩ።

ሕጂ ኸኣ ናይ ወያነ ዶክቶር ደብረጼን፡ "ንሰረቕቲ ኣንጠልጢልና ክነረክቦም ኢና" ኢሉ ኣሎ። እዚ ንጹር መልእኽቲ እዚ ድሕሪ ክንደይ ኣዋርሕ ዝወሰደ ምዕጥይጣይ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኣብቲ መጀመርያ እዋናት ታህዲዳት ዝመልኦ መግለጺትስትን ሆይሆይታን ንሰምዕ ኔርና።

ቀጺሉ " ሕገ መንግስቲ'ባ ይኸበር" እንዳተባህለ ንክልል ሶማልያን ኦሮሞን ንምልዕዓል ጻዕሪ ተኻይዱ። እዚ ምስላጥ ኣብዪ፡ ኣብ ጉባኤ ኢህወደግ ወያነ ናይ ብሓቂ ንእሽቶ ተጻዋታይ (በዓል ጉዳይ) ምዃኑ ምስ ተረጋገጸን ሕጂ ከኣ እቶም ንኢትዮጵያ ዘድመዩን ዝመጸዩን ኣባላቱ ክህደኑ ምስ ጀመሩ ሓዘኑ ዝዓጸወ ይመስል። ደጊም፡ ገባራይን ሓዳጋይን ከምዘይኮነ ዝተሰቀሮ ይመስል። " ኣየ የወያነ መንግስት ሲወድቕ"ዝብል ዘሎ ይመስል። ናብ ኤርትራ ገጹ ከኣ ኣድሂቡ ኣሎ።

ንሕና ኤርትራውያን ምስ ትግራዎት ጽልኢ ከምዘይብልና ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና። እንተ እቶም ደምና ዝመጸዩ ጎሓላሉ ብክሳዶም ክውጠጡ ክንርኢ እንከለና እንሓዝነሉ የብልናን። ፈደራላዊ፡መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ገና ናብቶም ስቡሓት ጎይቶት ወያነ ክበጽሕ ትጽቢትና እዩ። ካብ ፍትሒ ናይ መሬት ዘምለጡ ድማ ፍትሒ ሰማይ ክተራኽበሎም ጸሎትና እዩ። ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ'ዶ ሰማዒ እዝኒ ክስእን?

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ወያነ ናይ ኢትዮጵያ ሕሳባቱ ምስ ኢትጵያውያን ይግበሮ። "ነቲ ኣብ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ወያነ ዝካየድ ዘሎ ሃድን ፕረሲደንት ኢሰያስ እዩ ኣዚዝዎ" ክበሃል ሰሚዕና። እዚ ኮነ ኢልካ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትትራን ትግራይን ቅርሕንቲ ንምዝራእ ተባሂሉ ብወያነን ኣእጋሮም ዝኾኑ ድኹማት-ሕልና ኤርትራውያን ዝበሃል ዘሎ እዩ። እንተኮነሎም ድማ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሓሎም ናይ ከፋፊልካ ሰዓር ውይ ድማ ግዛእ ዝብል ሜላኦም ናብ ኤርትራውያን ከተኣታትዎ ይፍትኑ ዘለዉ ይመስሉ። እዚ ሰራም ፕሮፓጋንዳ'ዚ ናብ ኤርትራውያንን ተዛረብቲ ትግርኛን ትግራዎትን ዝጠመተ እዩ። "ተወሪርና፡ ኢስያስ ምስ ኣምሓሩ ወጊኑ፡ ሃየ ተላዓል፥ ወገንካ ይውረር ኣሎ ዘስምዕ ኡይ-ኡይታ ንርኢ ኣለና። ጸገሞም፡ ገና ንህዝቢ ኤርትራ ክፈልጡ ዘይምኽኣሎም እዩ። ንዓመታት'ኮ ሰሪሖምሉ እዮም። ብስም ናይ ብሄርን ሃይማኖትን ኣውራጃን እኮ ብዙሓት ዕሱባት ኣዋፊሮምሉ እዮም፡ ኣይቐንዓሎምን እምበር። እታ "ኣይንፈላለን"እትብል መጽሓፍ ዝህቦም'ዶ ተሳኢኑ ደቀይ!!?

መቸም፡ እቲ ዝበሃል ዘሎ ክስታት ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ አብ ውሽጣዊ ጉዳይኩም ኣይትጒተቱና። 
ንእሽቶ ንሓተኩም ግን ኣለና። ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ'ንዶ ኣይተባህለን። ነዚ ተካል ዶብ ግዳ ጥርር፡ ጥርር፡ጥርር ዘይነብሎ። ሽዑ ከምታ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዝበለኩም፡ ኣክንዲ ብሕጓ፡ ብማዕጾ፡ ባብ ኳሕኲሕኩም ብኣገባብ ምስ ኤርትራ ጽቡቕ ዝምድና ክትምስርቱ ትኽእሉ።
እዚ ዎ ደሓንኩም።

 

https://1.bp.blogspot.com/-L9eJIyjpJCM/Vy2LIF3o5wI/AAAAAAAARbY/5k4EaJlFDqQ7LeKDpc_Trfwa_yE8XZFHQCLcB/s1600/EPLF%2Bfighters%2BEritrea.jpg


Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events