Dehai News

ECSS-Online.com፡ ባይቶ ጸጥታን ኤርትራን ምኽንያት ምሕላፍን ምልዓልን እገዳ እንታይ’ዩ?

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 26 November 2018

ብዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

ሕዳር 26, 2018 ዓም ፈረንጂ


ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታ ብ14 ሕዳር 2018፡ ነቲ ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብውሳነ ቁጽሪ 1907 ዘሕለፎ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን እገዳ ብምሉእ ድምጺ ብውሳነ ቁጽሪ 2444 ኣልዒሉዎ ኣሎ። ቅድሚ ሓቀኛ ምኽንያት ናይ’ቲ ንምልዓል ውሳነ እገዳ ካብ ኤርትራ ዝደረኸ ረቛሒታት ምቅራብና እምበኣር፡ ባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ንምሕላፍን ንምልዓልን ዝቀረቦ ምኽንታት ምጥቃስ ኣገዳሲ ይኸውን።

ቀዳማይ፦ ምኽንያት ምሕላፍ እገዳ

እቲ እገዳ ንምሓላፍ ዘቀረበ ምኽንያት ከምቲ ኣብ ውሳነ እገዳ ቁጽሪ 1907 ተጠቂሱ ዘሎ ኣብ ሓደ ነጥቢ ተጸሚቊ ክቀርብ ይኽእል። ንሱ ኸኣ “ኤርትራ ነቶም ኣብ ሶማል መስርሕ ሰላምን ሃገራዊ ዕርቂን ንምዕንቃፍን ርግኣት ዞባ ንምህዋኽን ዝስርሑ ዕጡቓት ጉጅለታት...................

.............ምንባብ ቀጽል።

ብርሃነመስቀል


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events