ተሓጋጋዚት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢጣልያ ኢማኑወላ ክላውዲ ናብ ኤርትራ ትበጽሕ!
ተሓጋጋዚት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢጣልያ ኢማኑወላ ክላውዲ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብ መመረቕታ ኣሃዱ ሕክምና ልቢ - ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ተሳቲፋ።
ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፣ ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዶክተር ጆሰፒን ናምቦዚን ካልኦትን ኣብቲ ጽምብል ተረኺቦም። ኣሃዱ ሕክምና ልቢ ብመንግስቲ ኤርትራ፣ ብመንግስቲ ጥልያንን ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ዝተመወለ ፕሮጀክት ኢዩ።