Dehai News

"እዚ ናይ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ፖለቲካዊ እንበር ህዝባዊ ኣይኮነን"

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 09 December 2018


(ካብ ከባቢ እቲ ናይ መቐለ ሰልፊ ናብ መስከረም ዝተላእከ  12/09/2018 02:42:28 PM)

እቲ ደጊም ኢትዮጵያ ናይ በይንና ግዝኣት እያ ዝብል ሓሳብ ተሳዒሩ። እቲ ኢትዮጵያ ብዘይ በኣና ናብ ተብሎ የብላን ዝብል ጃህራ ተበቲኑ። ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንትግራይ ራሕሪሑ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰፊሩ ዝጸንሐ መሪሕነት ህወሓት ከም መገዲ ዝጠፍኦ ገያሻይ ዝሕብሮ ዝደሊ ናብ ትግራይ ተመሊሱ ሰለማዊ ሰልፊ ከዳሉ ይውዕል ኣሎ።

"ዝተወደበን ዝተዋደደን ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ደው ይበል!" እታ ውርይቲ ናይ ሳሕል ጥቅሲ ዓወት ንሓፋሽ ዝብል ጭርሖ ዘለዎ �እታ ዝሃነጽናያ ሃገር ከተኽብረና እንተዘይኪኢላ ናትና ሃገር ክንሃንጽ ክንግደድ ኢና�፡ ካልእ እውን ኣሎ ናይ ሜድያ ሰራዊቶም ዝብልዎ �ኤርትራውያን የሕዋትና ካብ ዝፈትውዋ ሃገሮም ኢትዮጵያ ክግንጸሉ ዝተገደዱ ኣብ ሃገሮም ኢትዮጵያ ስለ ዘይተኸበሩ እዩ� ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታት ዝሓዙን ገዚፍን ገዛ ገዛ ዝኣተወ ጎስጓስን ዘይተኣደነ ገንዘብ ዝወጾን ሰልፊ ትማሊ ኣብ መቐለ ሪኢና።

እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ፖለቲካዊ እንበር ህዝባዊ ኣይኮነን። ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝተዋደደ ሰልፊ እንበር ጠለብ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ (ካብ ህዝቢ ናብ መንግስቲ) ኣይኮነን። ኮነ ኢሎም �ዝተወደበን ዝተዋደደን ዘርኣዊ መጥቃዕቲ� እናበሉ ንህዝቢ ዘለዓዕልዎን ንዓሌታዊ መግዛእቲ ኣምሓራ እናዘከሩ ዝወደብዎ ሰለማዊ ሰልፊ ንህወሓት ንምድሓን እንበር ንስለ ሓልዮት ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን።

እዚ ዝስተ ጽሩይ ማይ ረኺቡ ዘይፈልጥ ህዝቢ; ብሬድኤት ዝመጸ ዱኽዒ ካብ Dedebit Credit and Saving Institution SC እናገዝአ ግራቱ ከልምዕ ዝጸንሐ ህዝቢ፡ ብሰንኪ እዚ ንኤርትራ ቁጠባውን ማሕበራውን ምዝንባል መታን ከጋጥማ ተባሂሉ ዝተማህዘ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ስልቶም ን20 ዓመት ዝኣክል ንህዝቦም ኣብ ፊት ውግእ ኣቀሚጦሞ ዝጸንሑ ህዝቢ፡ ንዓ ተሰለፍ ካብ ገዛኻ ውጻእ ከመይሲ ዳግም ክትውረር ኢኻ! ሕጊ መንግስቲ ዝጥሕስን መሪሑ ዘይክእልን ጉጅለ እዩ ስልጣን ሒዙ ዘሎ እናበሉ ከሰልፍዎ ሪኢና።

ንዓና ንኤርትራውያን ዘገድሰና ሰለማዊትን ርግእትን ትግራይ እዩ። በዚ መንጽር ኣብ ውሽጢ ትግራይ እንነብር ዘሎና ኤርትራውያን ክንዕዘቦ ከሎና ግን ወያነ ሒዝዎ ዘሎ መገዲ ቅሳነት ዝህብ ኣይኮነን በሃልቲ ኢና። ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ከም መንግስትኻ እንድሕሪ ዘይትቅበሎ ኣሎኻ ንባዕልኻ ካብ ሕጊ መንግስቲ ትወጽእ ኣሎኻ ማለት እዩ። ንዑ እንዶ ምጹ ከነርኢየኩም ኢና፣ ክንደይ ግዜ ዘይማረኽናኩም፣ ወይ ድምጽና ይሰማዕ ወይ ክስማዕ እዩ ዝብሉ ፈኸራ ካብ መራሒ ወያነ ክትሰምዕ ከሎኻ ናይ ጥዕና ከም ዘይኮነ ተስተውዕል።

ሎሚ ኣብ ትግራይ ዘሎ መንእሰይ ንውግእ እዩ ርእሱ ዝሕጸብ ዘሎ። መሪሕነቱ ህድእ ኢልና ንርኣዮ ንህዝብና ናብ ውግእ ኣይነቃልዖን ኢና ኣናበለ ካድራት ወያነ ግን ኣብ ፈቀዶ ወረዳታት ንመንእሰይ ትግራይ ተላዓል ተበገስ እዮም ክብልዎ ዝውዕሉ ዘለዉ።


Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events