Dehai News

ኢድ ሸናሒት ጸናሒት!!!!!!!

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 12 December 2018

 
 
 
 
Berhane Habtemariam hat einen Beitrag geteilt.
 
 

ወርሒ ታሕሳስ 12, 2018 ዓምን ፈረንጂ

መሳፍንቲ መራሕቲ ጭፍራ ህውሓት ኣብ`ቲ ናይ ንኣስታት 27 ዓመታት ዝኣረገን ድሑርን ዓሌታዊ ስርዓቶም ሕጂ ግን ዝፈረሰን ኣብ ቀቢላን ጽልእን ምፍልላይን ዝተሞርኮሰ ዝዘርእዎ እኩይ ፈልሲ በቚሉስ ሕጂ ሸዊቱስ ነቒጹን ፍርያቱ ወይ ድማ ውጽኢቱ ይዓጽድዎ ኣሎዉ።

 

ኣነ ዘሕዝነኒ ግን ኣብ`ቲ ዝሓለፈ እዋን ን27 ዓመታት ኣብ 4ተ ኪሎ ቤተ-መንግስቲ ተኾይጦም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከርዕድዎን ክረግጽዎን ክኣስርዎን ክቕንጽልዎን ንሃብቲ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ዘውጽኤ ንዕቀትን ጃህራን ካብ ስነ-ምግባርን ባህሊ ሓበሻ ዝረሓቐ ኣገባብ ክሰርቁን ክዘምቱን ንዋይ ሃገር ናብ ደገ ከህድሙን ኮብዶምን ከብዲ ኣዝማዶምን ኮራኹሮም ከዘፍጥጥሉን ኔሮም እዮም። ነቲ ውጹዕን ድኻን ሰፊሕ ህዝቢ ትግራይ ግን ክምቲ ዝግብኦ ከይገበሩን ቁሊሕ ከይበልዎን ጸኒሖም እዮም።

 

ሕጂ ግን ስርዓት ሕውሓት ብቓልሲ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብእግዛምቤቲ መቐመጭኡ ተዘቢጡ ርዖኡ ጠቕሊሉ ናብ ውሻጠ ወይ ብዓቲ መቐለ ትግራይ ምስ ተሓብኤ፣ ሎም ቅነ ናይ ዓቕሊ ጽበት ሞት ተታሒዙ ነቶም መሳርቕቱ ኮራኹሩን ነቲ ሳንቲም ዘይሰረቐ ውጹዕ ሰፊሕ ህዝቢ ትግራይን ንዑ ኣማውቱኒ ኢሉ ኣብ ኣደባባይ ኣውጺኡ ከድርፎምን ከሳዕስዕምን ኣብ ዝሓለፈ ዘመነ-ቓልሲ ዘይገበሮ ስርሒት ብሓሶትን ብጃህራን ብታህዲድን ኣሰንዩ ክግዕር ኩላትና ክንዕዘቦ ቀኒና ኢና።

 

ስለዚ መራሕቲ ሕውሓት ብውጹዕ ህዝቢት ትግራይ ምሽቃጥን ምቑዛምን ይኣኽለኩም፣ ካብ ዘይጭበጥ ሕልምኹም ተበራበሩ። ነቲ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ብፍላይ ህዝቢ`ቲ ዞባ ኸኣ ብሓፈሻ ብስኒትን ብምክብባርን ብምትሕግጋዝን ንኽነብር ብሰላም ሰሪሑ ክኣቱን ግደፍዎ። እቲ ንኣስታት 27 ዓመታት ብሓሶትን ንዕቀትን ጅሆ ሒኩምዎ ዝነበርኩም ህዝቢ ትግራይ/ኢትዮጽያን ትጻወትዎ ዝነበርኩም ተዋስኦን ተጸንቂቑን ተወዲኡን እዩ!!!

 

እዚ ዎደሓንኩም!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም
 
Abspielen
 
 
 
-3:07
Zusätzliche Grafikeinstellungen
„Ansehen und scrollen“ aufrufenZum Vergrößern klicken
Stummschaltung aufheben
 
 
 
 
 
19.291 Aufrufe
 
Simon Ngussie

ኢድ ሸናሒት ጸናሒት!!!!!!!


Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events