Dehai News

ናይ መስፍናዊት መሪሕነት ጭፍራ ህውሓት ተግባር`ሲ "ኣመል ምስ መግነዝ" እዩ ነገሩ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 12 December 2018

ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 12, 2018 ዓም ፈረንጂ

 

ወይጉድ! ለባማት ኣቦታትናን ወሓሉ ኣዴታትናን "ኣመል ምስ መግነዝ" ዝበሉዎስ ከምዚ ምስ ተረኽበ እኮ ኣዩ።

 

ኣነ ብዛዕባ ኣዚ ቃለ-መሕትት ኣይኮንኩን ክዛረብ ደልየ ዘሎኹ። ብዛዕባኡስ ክልተ ነዃላት ኣእዛን ብተፈጥሮ ስለተዓደልኩም ሰሚዕኩም፣ መኽዘን ናይ ስነ-ሓሳባት ዝኾነ ከክንዲ ኩዕሶ ሽከናታት ስለ ትውንኑን ባዕልኻትኩም ሚዛንኩም ኣቐምጡ።

 

ንዓይ ዘዛርበኒ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነስ ዝገርመኒን ዘጉህየኒን ጉጅለ ህውሓት ነቲ ኤርትራዊ ታሪኽና-ናይ ሰውራ ውዕሎና [ስርሒት ኲናትና] ጭርሖና-ስነ ጥበባትና-ደርፍፍታትና-ስእልታትና ............ወዘተረፈ ሰሪቓን ሰኒዓን ከም ናታ ባዕላ ከም ዝሰርሓቶን ከይሓፈረት ምዝርጋሓ እዩ! ሓንቲ ካብ ብዙሓት ሕላገትናን ኣብ ግዜ ሰውራ ኤርትራ መሪሕ ተራ ዝነበራ ጭርሖ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን "ዓወት ንሓፋሽ" ሽዕኡ ጥራሕ ዘይኮነትስ ስጋብ ሕጂን`ውን ዛጊት ትቕጽል ዘላ ሓቀኛን ግብራዊትን መትከላዊትን ኣምር፣ ብመራሕቲ ህውሓት ተማሂዙ ኣብ መቕለ ትግራይ ኣንጻር ማእከላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣንጻር ሰላምን ዞባዊ ምርግጋእን ኣብ ዝተገብረ ፖለቲካዊ ሰልፊ፣ ህውሓት ከይሓነኸትን ሰብ ይኽዕበኒ`ዩ ከይበለትን ተጠሊዓ "ዓወት ንሓፋሽ" ሰሪቓ ከም ናታ ሒዛታ ምውጻኣ እዩ።

 

ዓገብ ትጋገዩ ኣሎኹም ዝብሎም ለባም ሰብ`ዶ ወደይ ኣብ ትግራይ ተሳኢኑ ኾይኑ? ንምዃኑ እዛ ጭፍራ ስነ-ምግባርን ሰብኣውነትን ሓቂን ረሲዓ ካብ ትድርብየን ኣብ ሓሶትን ጃህራን ስርቅን ተሸሚማ ኣብ ዘይጭበጥ ሕልሚ ሰጢማ እናባህረረት ዓሰርተታት ዓመታት ስለ ዝገበረት ዓገብ ንዝብል ሰብ ዝሰምዕ ኣእዛንን ዝርዳእ ሽከናን ኣሎዋ ኢለ ኣይኣምንን እየ።

 

እዚ ዎደሓንኩም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!

ብርሃነ ሃብተማርያም [ወዲ ቀሺ]

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

"ህወሓት ጽርይ ዝበለ ኣቋምን ተግባራዊ ስራሕን ኣይረኣናሉን፡" ሃያሉ ጎደፋይ

ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዘስምዕዎ መደረ ጥንክር ዝበለ’ዩ ኔሩ፡ እዚ ንምንታይ’ዩ፧ ርክብ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስትን ስለዝተበትከ ድዩ፧

ኣብ ትግራይ ዝወሃብ ዘሎ መደረታት ህዝቢ ምልዕዓል ኣይመስልን ዶ፧ ልክዕ ከም’ቲ ናይ ቀደም ቃልሲ ናብ መንእሰያት ዝቐንዐ ጽናዕ፡ መክት፡ ተረባረብ፡ መርሽ፡ ይበሃል ኣሎ፡ ወያናይ ደርፍታት’ውን ይድረፉ፡ እዚ ካብ ኢድ ወጻኢ ከይኸይድ ስግኣት ኣይህሉን’ዶ፧

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ’ዚ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዘሎ ምስሕሓብ ብዙሕ ክዛረብ ኣይስማዕን፡ እዚ ሸለልትነት ድዩ ወይስ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ’ዩ፧

ተራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ምብእኣስ እዚ ኩነታት ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስቲን እንታይ ይመስል፧ ቀ/ሚ ኣቢይ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ’ዚ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ይሰምዖ፧

ንመልሲ ናይ'ዚኦምን ካልኦት ሕቶታትን ምሉእ ቃለመሕትት ምስ ኣክቲቪስት ሃያሉ ጎደፋይ ስምዑ።


Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events