Dehai News

BBC.com፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ገበነኛ ምስ ዝዛረቦ ቋንቋ ክዛመድ ከምዘይብሉ ኣፍሊጦም

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 13 December 2018

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ
Image copyrightANADOLU AGENCY

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ለውጢ ከም ዘላ ብምዝኽኻር፡ ህዝቢ ኣንፃር 'ውልቀ-መላኽነት' ዝተቓለሰ፡ ግፍዒ ንኸብቅዕን ፍትሒ ንኽነግስን 'ምበር ካልኦት ግፍዐኛታት ንምፍጣር ከምዘይኮነ ኣብሪሆም።

13.12.2018

ግፍዐኛታት ንገዛእ ርእሶም እምበር፡ ዝፈፀምዎ ግፍዒ ንዝመፁሉ ህዝቢ ከም ዘይውክል ብምሕባር፡ "ግፍዐኛታት፣ ገረፍትን ጨቆንትን ኣብ ዝኾነ ብሄርን ዓሌትን ክቦቝሉ ይኽእሉ'ዮም። ውልቀ ሰባት ብዘጥፍእዎ ተሓታቲ እንገብሮ ብሔር ኣይህሉን" ክብሉ ገሊፆም።

"ግፍዒ ዝሰርሐ ሰብ ኦሮሚኛ ዝዛረብ እንተኾይኑ ንኦሮሞ፤ ትግርኛ እንተተዛሪቡ ንትግራዋይ፤ ካብ ኣምሓራ እንተተወሊዱ ንኣምሓሩ፤ ካብ ሲዳማ እንተመፂኡ ንሲዳማ ዝወቅስ ህዝቢ እንተሃልዩ፡ ካብ ታሪኽ ዘይመሃር ድኹም'ዩ" ኢሎም።

"ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ምኽባር ዝከኣል፡ እቲ መስርሕ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ብድልየትን ውሳነን ውልቀ-ሰባት እናተመርሐ ዘይኮነስ፡ 'ሓበራዊ ድልየት ብዝወለዶም' ትካላት ክምራሕ ምስ ጀመረ'ዩ" ይብሉ።

ብመሪሕነትን ፍቓድን ፖሊስ፣ ኣባላት ድሕነት፣ ከምኡ'ውን ሰበ-ስልጣን ኣብያተ ፍርድን ህንፀትን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘስካሕክሕ በደላት ይፍፀም ከም ዝነበረ መግለፂ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ የመልክት።

"ነቲ ግፍዒ ዝፈፀሙ ኣካላት በዓልቶም ከሰስቲ፣ ምስክር፣ መርማሪ፣ ኣሳሪ፣ ዓቃቢ ሕግን ዳኛን ነይሮም" ክብሉ'ውን ነቶም ተፈፂሞም ዝተበሃሎ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ኮኒኖም።

ኣብ ዘውፅእዎ በዓል ሰለስተ ገፅ መግለፂ፡ ግፍዒ ፈፀምቲ ኣብ ልዕሊ ዝበልዎም ውልቀ ሰባት ሰለስተ ስጉምትታት ክውሰዱ ከም ዝግባእ ሓቢሮም። ንሳቶም ድማ "ናብ ፍርዲ ምቕራብ፣ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት መሊሱ ንኸይፍፀም ዘተኣማምን ስርዓት ምዝርጋሕ፡ ሳልሳይ ድማ 'ካብኦም ዝሓሽና ከም ዝኾንና ብተግባር ምርኣይ'ዩ" ኢሎም።

"ክፍተታት ግፍዒ ምዕባስ፣ ሕግታት ምምሕያሽ፣ ኣሰራርሓታት ምትዕርራይ፣ ትካልት ምህናፅ፣ ማዕፆታት ውልቀ-መለኽትን ስርቅን ክንዓፁ ኣለና" ይብል ዘሕለፍዎ መልእኽቲ።

እቲ ኩልግዜ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር፡ ገበነኛታት ክሕብኡሉ ካብ ዝደልዎ ብሄር ፈሊኻ ምርኣይን ክሳብ መወዳእታ ናብ ፍርዲ ምቕራብን ክኸውን ከም ዝግባእ ኣብ መግለፂኦም ኣስፊሮም።

"ፍርድን ፍትሕን እምበር፡ ቂምን ሕነ ምፍዳይን ክንሓስቦ ኣይግባእን። ነዚ ኩሉ ንገብር ካብ ፅልኣት ተበጊስና ዘይኮነስ፡ ልዕልና ሕጊ ክሰፍን ስለዘለዎ እዩ" እውን ኢሎም።

ይኹን'ምበር፡ ተጠርጠርቲ ገበን ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ሒዝካ ንብ ፍርዲ ክቕርቡ ከም ዝግበር እቲ መግለፂ የመልክት።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events