Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሕልፊ ምስ ትግራይ ካብ'ዚ'ከ ናበይ? 1ይ ክፋል

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 13 December 2018

ታሕሳስ 13, 2018

ንዓመታት ዝተፈላለያ ስድራቤታት ተሓቋቒፈን
ንዓመታት ዝተፈላለያ ስድራቤታት ተሓቋቒፈን
 
 

ድሕሪ ምኽታም ኣሳሪ ሰነድ ሰላም፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዶባዊ ማዕጾአን ብወገን ዛላምበሳን ራማን ከምኡውን ብወገን ቡሬ-ዓሰብ ንትራፊክ ክፉት ካብ ዝኾን ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ተቖጺሩ'ሎ።

ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ናብ ንቡር ንምምላስ ብዙሕ ጻዕሪን ስራሕቲን ዘድልዮ'ኳ እንተኾነ ዛጊድ ዝተራእየ ዋሕዚ ሰባትን ማካይንን ልዕሊ ትጽቢት ብዙሓት ኮይኑ'ሎ። ኣጋይሽ ናይ ሎሚ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ'ውን ናብ'ዚ ብርኪ'ዚ ንበጽሕ ኢና ኢሎም ይግምቱ ከምዘይነበሩ ይዛረቡ።

እንተኾነ 'እቲ ርክብ ናብ ንቡር ንምብጻሕ ቀዳማይ ክስራዕ ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ፣ ንሱ'ውን ጉድይ ምሕንጻጽ ዶብ'ዩ' ይብል ኤርትራዊ ዳንኤል ብርሃነ። ኢትዮጵያ ሃይሉ ከበደ ብወገኑ 'እቲ መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ ክሳብ ዝፍጸም ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ'ተን ዝተዳመዩለንን ዝተቐብሩለንን ከተማታትን ቁሸታትን ከይተረፈ ልምዓታዊን ሓባራዊን ፕሮጀክታት ሓንጺጽና ንብገሰሉ እዋን'ዩ ዘድልየና' ይብል።

ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ስምዑ ኢኻትኩም።

https://tigrigna.voanews.com/a/4698055.html

 
 
 
0:1113:46
9:27
 
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events