Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ - 14 ታሕሳስ 2018 - ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፡ ዝተፈላለየ መደባት ኣሰላሲሎም

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Saturday, 15 December 2018

  ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለዩ መደባት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም። ብመሰረት’ዚ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ኣቶ መሓመድ ሱሌማንን፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመርን፡ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ ዝተቓንዐ 1ይ ዋዕላ ሃገራት ብሪክስ (BRICS)፡ ምስ መሓዙት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡  ኤስያን ላቲን ኣመሪካን ተሳቲፎም። ኣብ’ቲ ብፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ዝተኸፍተ ዋዕላ፡ ብወከልቲ ሃገራት ዝተፈለለዩ ኣርእስታት - ብወከልቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰፊኑ ንዘሎ ዕርቅን ሰላምን ዘብርህ መግለጺታት ተዋሂቡ። 

 እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ፈረንሳ ሃና ስምኦን፡ ኣብ ከተማ ማራከሽ - ሞሮኮ ኣብ ዝተቓንዐ፡ መበል 11 ዓመታዊ ዓለም-ለኻዊ ዋዕላ ፍልሰትን ልምዓትን ተሳቲፋ። ኣምባሳደር ሃና ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ብኲናትን ግጭታትን ክሕመስ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ዓበይቲ ናይ ልምዓት ዕድላት ከምዝባኸኑ ብምጥቃስ፡ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዓኡ ስዒቦም ዝመጹ ዘለው ዞባዊ ሽርክነትን ምትሕብባርን፡ ነዚ ዞባ ኣብ ሓድሽ ትስፍው መዋእል የእትዮምዎ ከምዘለው ገሊጻ። ኣብ ከተማታት ማንሃይምን ሽቱትጋርትን - ጀርመን ከምኡ’ውን ኣምስተርዳም - ሆላንድ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ስንኩላን ዝተፈላለየ መደባት ተወዲቡ። ኣብ ሽቱትጋርት - ጉጅለ ሓርበኛታት ኤርትራ ዝተባህለ ውዳበ 9500ን ዩሮ ዝዋጋአን ኤለክትሮኒካውያን ናይ ስንኩላን ዓረብያታት፡ ከምኡ ድማ ኣብ ባብሊንግ 3000 ዩሮ፡ ኣብ ማንሃይም 2587 ዩሮ ተዋጺኡ፡ ኣብ መዓላ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ክውዕል ተበርኪቱ። 

 ኤርትራውያን ነበርቲ ሮኾቦት - እስራኤል፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት 2200 ዶላር ከወፍዩ እምከለዉ፡ ነበርቲ ሲንሲናቲ - ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምኡ’ውን ነበርቲ ከተማታት መልበርን፡ ፐርዝ፡ ሲድኒ፡ ብሪዝቤንን ኣዶላይድን - ኣውስትራልያ፡ ንምዕባለታት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም። ኣካየድቲ ሃገራውያን ውዳበታት ኣብ ኢጣልያ፡ ብ8ን 9ን ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሮማ መንፈቓዊ ገምጋማት ኣካይዶም። ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕ.መ.ኣመሪካ ኣቶ ብርሃነ ገብርሂወት፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ደንቨር - ኮሎራዶ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ዘተኮረ ኣኼባታት ኣካዪዱ። 

  ሓዳስ ኤርትራ -------መበል 28 ዓመት ቁ. 99 --------14 ታሕሳስ 2018   

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events