Dehai News

"እንተ ጸርፊ እሞ ዝገደፍናሎም የብልናን፣ እተን ጠሌ-በጊዕ ግን ዛጊት ወሲዶመን እዮም" ኮይኑዋ ስልጣናን ግዝኣታን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመንጠለት ህውሓታዊት ጉጅለ!

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 16 December 2018

 
ወርሒ ታሕሳስ ዕለት 15, 2018 ዓምም ፈረንጂ
 

ከምዚ ናይ ሎሚ ብጊሓት ከይኮነን ቃና ጭፍራ ህውሓት ከም ሕብሪ ነፋሒቶ ከይተቐያየረ ከሎን፣ ብቕድሚ ትማሊ መራሒ ህውሓት እንታይ ይብል ነበረ? ካድራቱ`ኸ ኣብ ውሽጢ መጋብኣያ ብህዝቢ ከመይ ይግለጹን ይዋረዱን ኔሮም? መልሱ ኣብ'ቲ ታሕቲ ተለጢፉ ዘሎ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ስምዕዎ።

 

ቅድሚ ዓመታትን ወርሓትን ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጦም ከሎው መጻኢ ዕጫኦም እንታይ ከም ዝመስልን ከም ዝኸውንን ብፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጭብጢ ዝተሞርኮሰ ቃላት ብግልጺ ተነጊሩዎም እንክብቅዕ፣ ጉጅለ ህውሓት ግን እቲ ንጹር መልእኽቲ ወይ ኣይተሰወጦምን ወይ ሽከናኦም ብጉቡእ ኣይተጠቕምሉን ወይ ከኣ ከም`ቲ ኹላትና ንፈልጦ ንነብሶም ብሓሶትን ጃህራን ፈኸራን ስርቅን ኣተዓሻሽዮማን ኣስኪሮማን ኣመርቂኖማን ኔሮም ማለት እዩ። ወይ ድማ ንኽመጸካ ዝኽእል እንተታትን ነገራትን ሳዕቤናቱን ተመራሚርካን ተረዲእካን ገለ ኣማራጺ ምቕማጥ ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮምን ከምኡ'ውን ስለ ዘይብሎም እዩ።

 

ብዝኾነ እዚ ሕጂ መሳፍንቲ ህውሓት ኣብ ውሻጠ መቐለ ትግራይ ተሓቢኦምን ብስም'ቲ ዝበዝሕ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይን ብሽፋን በቲ ንዕኦም ንኸገልግል በታ ጉጅለ ዓቐን እጀ-ጠባብ ዝተዳለወትን ዝተመስርሐትን "ሕገ-መንግስቲ" ግና ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ዘየኽበሩዋን ብምሉእ ዘይሰርሑላን ትካል፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን "ሕገ-መንግስቲ" ተጣሒሱ ስለ ዘሎ እሞ ሕጂ "ሕጊ" ይከበር ብዝብል ሽጣራን ተንኮል ዝተሓወሶ ኣውያትን ዝግበር ዘሎ ኣዕናውን መድሓርሓርን ተገላባጢን ዘይርጉእ መርገጽን፣ ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ውጽኢት እዩ ኢለ ብወገንይ ይመዝን።

 

ብሓፈሻኡ ጉጅለ መስፍናዊት ህውሓት፣ ኣብ ዕሙቕ ዝበለ ድቃስ ሃሪሳ ትሓልም ስለ ዝነበረት፣ ድሕሪ 27 ዓመታት ካብ ኮረሻ ስልጣናን ኣደራሽ ግዝኣታን ብመትከል ህዝባዊ መኸተን ብድምር ቃልስታት ተባዕ ህዝቢ ኤርትራን ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግምባርን ሓፋሽ ኤርትራዊ ማሕበራትን ማሕበረ-ኮማትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ምስ ተባረረት፣ ዶንጉዩ ተረዲኡዋ በቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝፈጸመቶ ኣረሜናዊ ገበንን ስርቅን ዓይኒ ዝደፈነ ብሕጎጋ ሃብቲ ሃገርን፣ እዚ ዝተጠቕሰ ከም ዘይፈጸመቶ ከም ጲላጦስ ኢዳ ክትሓጽብን ቆርበታ [ነብሳ] ንኸተድሕንን ንቕድሚት ህድማ ከም ተተሓዘቶን ኣብ ናይ ሓውሲ ውግእ ዝመስል ጥሩምባ ምንፋሕ ተጸሚዳ ከም ትርከብን ኣብ ባይታ ንዕዘቦ ዘሎና ህያው ተርእዮ እዩ።

 

ከም ገምጋመይ፣ ናይ ህውሓት ነገር "እንተ ጸርፊ እም ዝገደፍናሎም የብልናን፣ እተን ጤለ-በጊዕ ግን ዛጊት ወሲዶመን እዮም" ወይ ድማ "ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ" እዩ ነገሩ!!!

 

እዚ ዎደሓንኩም፣ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን!!!

 

https://www.youtube.com/watch?v=nMu0P0-9rOA&feature=share

 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events