Dehai News

BBC.com: ኤርትራዊ ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ካብ ዩንቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ረኺቡ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 19 December 2018

https://ichef.bbci.co.uk/news/695/cpsprodpb/1529/production/_104871450_lammaadr-copy.jpg

19.12.2018

ኤርትራዊ ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ካብ ዩንቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ተዋሂብዎ።

ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ፡ ብዛዕባ መለለዪ ህዝቢ ኦሮሞ ዝኾነ ስርዓት ገዳ ብዝገበሮ ምርምር እዩ ዝፍለጥ።

እቲ ፕሮፌሰር ንልዕሊ 45 ዓመታት ኣብ ስርዓት ገዳ ምርምር ስለዝገበረን ንዓለም ስለዘላለየን'ዮም ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ምምሕዳር ክልል ኦሮሞያን፡ ትማሊ ሰኑይ ወግዓዊ ኣፍልጦ ሂቦምዎ።

ፕሮፌሰር ኣስመሮም ኣብ ዘመን ሃጸይ ሃይለስላሰ ንክልተ ዓመት፡ ኣብ እዋን ስርዓት ደርጊ ድማ ብኬንያ ኣቢሉ ብምእታው ንሰለስተ ዓመት፡ ምስ ማሕበረሰብ ቦረና ብምንባር እዩ ንስርዓት ገዳ ኣጽኒዑዎ።

ኣብዚ መዳይ ክልተ ውሩያት መጽሓፍቲ'ውን ኣበርኪቱ'ዩ።

ፕሬዝደንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና "እዚ ሙሁር ስርዓት ገዳን ኣቆጻጽራ ቦረናን ብምጽናዕ ንዓለም ብምልላይ ኣብነታዊ ስራሕ ብምስርሑ፡ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ምሃብና ዘኹርዐና'ዩ" ኢሉ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/590/cpsprodpb/667D/production/_104873262_badhaasa.jpg

ህዝቢ ኦሮሞ ብዛዕባ ርእሱ ምዝራብ ኣብ ዘይክእለሉ ዘመን፡ ስርዓት ገዳ ብምጽናዕን ንዓለም ብምልላይን ንህዝቢ ኦሮሞ ብዘበርከቶ ኣስተዋጽኦ፡ ኩል ግዘ ኣብ ሕልና ህዝቢ ኦሮሞ ክነብር'ዩ ዝበለ ድማ ፕሬዝደንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ'ዩ።

ብመንግስቲ እቲ ክልል ዝተዳለወ ሽልማትን ሜዳልያን' ድማ ኣበርኪትሉ።

መጽናዕታት ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ እንተዘይህልው ነይሮም፡ ስርዓት ገዳ በዚ ቅልጣፈ ኣብ ዩኔስኮ ምምዝጋብ ምኸበደ ነይሩ ዝበለ ድማ፡ ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋን መጽናዕትን ቅርስታት ኢትዮጵያ ኣይተ ዮናስ ደስታ'ዩ።

ስርዓት ገዳ ንዓለም ካብ ምልላይ ብዝሰገረ፡ መቦቆል ስርዓት ገዳ አብ ኢትዮጵያ ምዃኑ'ውን ኣረጋጊጹልና'ዩ ድማ ኢሉ።

"ስርዓት ገዳ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ኣብ ዝነበረ ከይዲ፡ መጽናዕታት ፕሮፌሰር ኣስመሮም መጣቐስን ሳይንሳዊ መረዳእታን ኮይኖም'ዮም" ኢሉ ኣይተ ዮናስ።

ተንታኒ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኦሮሞ ገረሱ ቱፋ ድማ፡ መጽሓፍቲ ፕሮፌሰር ኣስመሮም፡ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ዓለም ዝፍለጠሉ መንነታዊ ቅርሲ'ዩ ይብል።

"ንሱ ቅድሚ ሕጂ ዝሰርሖ፡ ድሕሪ ሕጂ ካልእ ደጊሙ ክሰርሖም ከቢድ'ዩ" ይብል።

ምሁር ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሑሴን ከድር ብወገኑ "ፕሮፌሰር ኣስመሮም በዓል ውዕለታ ህዝቢ ኦሮሞ'ዩ። ብህይወት እዚ ክብሪ ምርኣዩ ኣዝዩ ኣሐጒሱኒ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ዩኒቨርስትን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ካብ ዘበርከትሉ ሽልማት ወጻእ፡ ኣባ ገዳታት ኦሮሞ ዋንጫ፡ ኣባ ገዳታት ጉጂ ድማ 40 ግራም ወርቂ ኣበርኪቶምሉ'ዮም።

ፕሮፌሰር ኣስመሮም መን'ዩ?

ብ 1931 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ፡ ዝበዝሐ ግዜ ቁልዕነቱ ድማ ኣብ ኣስመራ ኣሕሊፍዎ።

ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ኣብ ኣስመራ ቤት ትምህርቲ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ተማሂሩ፤ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ሽዑ ቤት ትምህርቲ ተፈሪ መኮንን እዩ ተኸታቲሉ።

ብድሕሪኡ ኣብ ዩንቨርሲቲ ኮሌጅ ኣዲስ ኣበባ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ኣመሪካ ዩንቨርሲቲ ሃርቫርድ ብ 'ኣንትሮፖሎጂ' ክሳብ ፒኤችዲ (PhD) ተማሂሩ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/590/cpsprodpb/14AE3/production/_104870748_mediaitem104870747.jpg

ስርዓት ገዳ እንታይ እዩ?

'ገዳ' ህዝቢ ኦሮሞ ዝመሓደረሉ ባህላዊ ስርዓት እዩ።

እቲ ስርዓት፡ መራሕቲ ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ዝምረጽሉን፡ ብቑዓት ዘይኮኑ መራሕቲ ድማ ተገምጊሞም ዝወርድሉን እዩ።

እዚ ስርዓት፡ ንኹሉ ክሊ ዕድመ ኣሳታፊ ብምዃኑን፡ መሰል ደቂ ኣንስትዮ'ውን ዝሕልው ብምዃኑን እዩ ዝነኣድ።

'ገዳ' ብህዝቢ ኦሮሞ ንኣማኢት ዓመታት ክትግበር ዝጸንሐ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ 2016 ትካል ትምህርቲ ሳይንስን ባህልን ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ኣብ መዝገብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ኣስፊርዎ እዩ።


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events