Date: Sunday, 20 January 2019
***ሞት ክናና ሙቱ***እቲ ሞት ናብ ዘላቶ ፥ ዝሃድና ፋርስቅዲ ክረምሊን ዘበርዕን፤ ውጥን ዋይት ሃውስውሕሉል እስትራተጂ ዝሕንጽጽ ፥ቅያ ኮማንዶኣርሓ ኣርሓታት፤ ወትሩ ሓኾት ኣብ ሃገራዊ ጽምዶከመይ ሞት ክናና ሙቱ፥ በጅኡ ተዘርግሑነዚ ፈጣሪ ሃገር፥ጸላም እዋን ገሊሁ ንዘርሁግንባራት ዝቕርስም፥ ምስ ኣማኸርቶምኣርሓ ኣርሓታት ጀነራልና፥ክቡር ወዲ ኤፍረምዕስለ ነፈርቲ ዝህሙኽ ፤ምኩር ዓይኒ ንስሪናደው ፈንቅል ዘህተፈ፥ ንዕርብርብ ሓየት ኣባ ዳህሪጸሓይ ናጽነትና ዘብረቐ ፤ ተዋጊኡ ዘዋግኤ ጅግናበጅኡ ተሰጥጡ ወኻሩ፥ ሞትኩም ሞት ክናናሎምስ ድማ በቲ ቀላሲ ፥ሃንዳሲ ኮርዒዳበቲ ጎብለል ጎባልል ፤ዝተሳሕለ ኣብ ሜዳባርነትና ዘቕለለ ፥ውሑሉል ጀነራል ስብሓትፍድኣ ኣላትኩም ፥ ኣንቱም ወይጦት ሐሹላትከምታ ቃሉ ፤ግብሩ ብማዕረ ዝሳነኮኾብ ገድልና፥ ዓይኒ ሰውራና ፈዳይ ሕነዝሓንጸጾ ክዉን ዝገብር፤ ቅዲ ሓያላት ዘበርዓነሞት ክናና ሙቱ ፥ኣንቱም በዓል ዕነ ምነንሱ ደኣ ኣብቲ ረመጽ ተሳሒሉ፥ ብሉጻት ዘፍረየኩምራ ሓጻውን ምስ ዘራያት፤ ኣብራኾም ዝኾርመየሞት ደኣ ናትኩም እንደኣሉ፥ ሞትኩም ሞት ክናናእንበር ጅግና ደኣ ሃገር ዘውሓሰ፤ እንድዩ ብሌን ዓይንናሰብ ጽሩራ ዘረብረበ ፥ያሒት ኣውዳላት ዘላህለሀጸሓዮም ኣድኒኑ ጸላምና ዘቕተረ፤ ግብታና ዝጋለሀብሱል በሊሕ ውፉይ ፥ምቕሉል ዕጉስ ከም ኣንበሳፍድኣ ኣላታ ንወስታኹም፥ ብደውኩም ዝሞትኩም ሬሳነቲ ምእንታና ፥ክቡር ሂወቱ ዘይበቐቐንስለ ህላወ ሎሚና፤ ዕድመ ንእስነቱ ኣብ ከርተት ዝጸንቀቐሞት ናብ ዘላቶ ጠኒኑ ፥ብሃድንን ቃጻን ተፈቲኑ ዝወጸቅዲ ኩናት ብሑጻ ፤ብሓያል ክእለቱ ዝሓንጸጸእንባ መግዛእቲ ብኳዕናኑ፥ ብተርግእ ዝፈለጸድርብራብ ኣስማቶም ፥ሰብ ጉራ ሓንጎሎም ዘናወጸሺሾን ዕስለን ሓግሒጉ፤ መረብ ንዘሳገረ ኣላይ ወሰንብዓይንና ክትመጹና ጥምዙሓት ፥ዓይንኹም እባ ትደፈንከምታ ዝተነበያ፤ ሎሚ ዝኣበስኩሞ ጽባሕ ኣለዋ ዋጋብሉጽ ሰብ ድንዕ ካብ በልኩም ፥ነቲ መሐበኒ ዜጋፈደይቲ ሕነ ከም ዘፍረየ ዘንጊዕኩም፤ ከም ትእርበዱ በደራጋሞት ክናና ሙቱ ኣንቱም ሓታላት፥ ክትቁሽመዱ ከም ተመን ዕዳጋኣሸናፊ ኣብርሃም(( ኣሼ))ጀርመን23/12/ 2018