Dehai News

***ሞት ክናና ሙቱ*** ብገዲም ተጋ. ኣሸናፊ ኣብርሃም(( ኣሼ)) - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 20 January 2019


       ***ሞት ክናና ሙቱ***

       እቲ ሞት ናብ ዘላቶ ፥ ዝሃድና ፋርስ
ቅዲ ክረምሊን ዘበርዕን፤ ውጥን ዋይት ሃውስ
ውሕሉል  እስትራተጂ ዝሕንጽጽ ፥ቅያ ኮማንዶ
ኣርሓ ኣርሓታት፤ ወትሩ ሓኾት ኣብ ሃገራዊ ጽምዶ

       ከመይ ሞት ክናና ሙቱ፥ በጅኡ ተዘርግሑ
ነዚ ፈጣሪ ሃገር፥ጸላም እዋን ገሊሁ ንዘርሁ
ግንባራት ዝቕርስም፥ ምስ ኣማኸርቶም 
ኣርሓ ኣርሓታት ጀነራልና፥ክቡር ወዲ ኤፍረም

     ዕስለ ነፈርቲ ዝህሙኽ ፤ምኩር ዓይኒ ንስሪ
ናደው ፈንቅል ዘህተፈ፥ ንዕርብርብ ሓየት ኣባ ዳህሪ
ጸሓይ ናጽነትና ዘብረቐ ፤ ተዋጊኡ ዘዋግኤ ጅግና
በጅኡ ተሰጥጡ ወኻሩ፥ ሞትኩም ሞት ክናና

     ሎምስ ድማ በቲ ቀላሲ ፥ሃንዳሲ ኮርዒዳ
በቲ ጎብለል ጎባልል ፤ዝተሳሕለ ኣብ ሜዳ
ባርነትና ዘቕለለ ፥ውሑሉል ጀነራል ስብሓት
ፍድኣ ኣላትኩም ፥ ኣንቱም ወይጦት ሐሹላት

      ከምታ ቃሉ ፤ግብሩ ብማዕረ ዝሳነ
ኮኾብ ገድልና፥ ዓይኒ ሰውራና ፈዳይ ሕነ
ዝሓንጸጾ ክዉን ዝገብር፤ ቅዲ ሓያላት ዘበርዓነ
ሞት ክናና ሙቱ ፥ኣንቱም በዓል ዕነ ምነ

    ንሱ ደኣ ኣብቲ ረመጽ ተሳሒሉ፥ ብሉጻት ዘፍረየ
ኩምራ ሓጻውን ምስ ዘራያት፤ ኣብራኾም  ዝኾርመየ
ሞት ደኣ ናትኩም እንደኣሉ፥ ሞትኩም ሞት ክናና
እንበር ጅግና ደኣ ሃገር ዘውሓሰ፤ እንድዩ ብሌን ዓይንና

      ሰብ ጽሩራ ዘረብረበ ፥ያሒት ኣውዳላት ዘላህለሀ
ጸሓዮም ኣድኒኑ ጸላምና ዘቕተረ፤ ግብታና ዝጋለሀ
ብሱል በሊሕ ውፉይ ፥ምቕሉል ዕጉስ ከም ኣንበሳ
ፍድኣ ኣላታ ንወስታኹም፥ ብደውኩም ዝሞትኩም ሬሳ

         ነቲ ምእንታና ፥ክቡር ሂወቱ ዘይበቐቐ
ንስለ ህላወ ሎሚና፤ ዕድመ ንእስነቱ ኣብ ከርተት ዝጸንቀቐ
ሞት ናብ ዘላቶ ጠኒኑ ፥ብሃድንን ቃጻን ተፈቲኑ ዝወጸ
ቅዲ ኩናት ብሑጻ ፤ብሓያል ክእለቱ ዝሓንጸጸ

      እንባ መግዛእቲ ብኳዕናኑ፥ ብተርግእ ዝፈለጸ
ድርብራብ ኣስማቶም ፥ሰብ ጉራ ሓንጎሎም ዘናወጸ
 ሺሾን ዕስለን ሓግሒጉ፤ መረብ ንዘሳገረ ኣላይ ወሰን
ብዓይንና ክትመጹና ጥምዙሓት ፥ዓይንኹም እባ ትደፈን

       ከምታ ዝተነበያ፤ ሎሚ ዝኣበስኩሞ ጽባሕ ኣለዋ ዋጋ
ብሉጽ ሰብ ድንዕ ካብ በልኩም ፥ነቲ  መሐበኒ ዜጋ
ፈደይቲ ሕነ ከም ዘፍረየ ዘንጊዕኩም፤ ከም       ትእርበዱ በደራጋ
ሞት ክናና ሙቱ ኣንቱም ሓታላት፥ ክትቁሽመዱ ከም ተመን ዕዳጋ


        ኣሸናፊ ኣብርሃም(( ኣሼ))
             ጀርመን 
         23/12/ 2018
      

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events