Dehai News

(ድምጺ ኣመሪካ ቋ/ ትግርኛ) ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ሰላም ነባሪ ንምግባር ዝዝትይ ዋዕላ ኣካይዱ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 25 January 2019

ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ሰላም ነባሪ ንምግባር ዝዝትይ ዋዕላ ኣካይዱ

መቐለ   ጥሪ 25, 2019   ሙሉጌታ ኣጽብሃ




መቐለ — 

ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ሰላም ነባሪ ንምግባር ክፍፀሙ ዝግብኡ ስርሓት ዝዝትይ ዋዕላ ትማሊ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዋዕላ ፖለቲከኛታት፣ ምሁራን ካብ ህዝቢ እውን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ተሳተፍቲ ኔሮም።

ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ዩኒቨርስቲዎች ንኤርትራ ዝቐረበ ኮይኑ ካብ ዶብ 35 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ዝርከብ እዩ። ካብ ዝምስረት ጀሚሩ 87 ኤርትራውያንን ኣምሂሩ ኣመሪቑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ካልኦት 54 ኣብቲ ዪኒቨርሲቲ የምህር ከምዘሎ ግዝያዊ ፕረዚዳንት እቲ ዩኒቨርስቲ ዶክተር ገብረመስቀል ገብረፃድቅ ተዛሪቦም። ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ሰላም ነባሪ ንምግባር ዩኒቨርስቲኦም ይሰርሕ ምህላዉ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ፅሑፍ ካብ ዘቕረቡ ብተኸታታሊ ኣብ ርክብ ኢትዮ ኤርትራ ጠሚቱ ትንታነ ዝህቡ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ፖለቲካል ሳይንስን ስትራቴጂካዊ መፅናዕትን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዝኾነ ኣይተ መረሳ ፀሃየ ኣብ ሞንጎ ክልቲኣን ሃገራት ነባሪ ሰላም ክፍጠር ኣብቲ ከይዲ እቲ ሰላም ህዝቢ ናይ ምውሳን ስልጣን ክህልዎ ይግባእ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ንሉኣላዊነትን ዴሞክራሲን ኣብርሃ ደስታ ን20 ዓመታት ዝፀንሐ ስእነት ሰላም ኣብ ሞንጎ መንግስታትን ገዛእቲ ውድባት ብዘይ ምስምዕማዕ ዝተፈጠረ እዩ ብምባል ናይዚ ስእነት ሰላም ተጎዳኢ ድማ ህዝቢ እዩ ኢሎም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ሰላም ንምቕፃል መንግስቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኣተወ ውዕል ንህዝቢ ግልፂ ክኸውን ይግባእ ብምባል ተዛሪቦም።

ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኢህወደግ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም "ኣብ ሞንጎ ክልተኣን ሃገራት ዝተጀመረ ሰላም መንግስታት ድልየት ይሃልዮም ኣይሃልዮም ህዝቢ ቁርፀኛ ኮይኑ ተተሳቲፍሉ ዘላቒ እዩ ክኽውን" ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ዝረኸብኩዎም ኤርትራዊ ኣይተ ዳዊት ይብራህ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንንምሕያል ተባሂሉ ዝካየድ መድረኽ ብወገን ኤርትራ እውን ክሰናዳእ ይግባእ ይብሉ።

ነባሪት ከተማ ዓዲ ግራት ወይዘሮ ኣኸዛ ግደይ ብወገነን ህዝቢ ይቀራረብ ኣሎ ከም ቀደሙ ድማ መርዓ ደጊሱ ካብ ክልቲኡ ወገን ይመራዓዉ ኣለዉ ኢለን። እንተኾነግና ተኸፊቱ ዝነበረ መስመር ዶብ ክልቲኣን ሃገራት ምዕፃዉ ከይዲ ሰላም ከየተኣጓጉሎ ስግኣት ከምዘለወን ተዛሪበን።





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events