Dehai News

(ቢቢሲ) ኤርትራ፡ ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተስፋ ተነቢርዎ ዘሎ ዕደና ኮሎሊ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 01 February 2019

ኤርትራ፡ ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተስፋ ተነቢርዎ ዘሎ ዕደና ኮሎሊ

ኣብ ቢሻ ዝርከብ ዕደና ፡17 ሓምለ 2013AFPዕደና ቢሻ

ኤርትራ፡ ኣብ ዕደናን ዳህሳስን ዝርከብ ብዙሕ ባህሪያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት ሃገር እያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ከም በዓል ቢሻን ዛራን ካልእን ዕደናዊ ንጥፈታት ክካየድ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ብጽሬቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዕደና ፖታሽ "ንውሕስነት መግቢ ኤርትራን ኣፍሪቃን ስትራቴጂካዊ ዕድል እዩ" ክብል ሪፖርት ምግባሩ ብትዊተር ሓቢሩ።

እቲ ሪፖርት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ኮሎሊ፡ ኩኖ ናይ ኤርትራ ቁጠባ፡ ንመላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ እወንታዊ ዝኾነ ቁጠባዊ ለዉጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል ዘይሻራዊ ትካል፡ መደብ ልምዓት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ የመልክት።

መደብ ልምዓት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2018 ብላዕለዎት ክኢላታት ስነ ቁጠባ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ "ኣበርክቶ ዕደና ኮሎሊ ኣብ ዘላቒ መደባት ቁጠባ ኤርትራ" ኢሉ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ንኤርትራን መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል'ዩ ክብል ገለጺዎ።

ላዕለዋይ ኣቦ መንበር ዳናካሊ ስያሙስ ኮርኔሎስ ብወገኑ፡ እዚ ጸብጻብ ንፍሉይነት ኮሎሊ ዘርኢ'ዩ ድሕሪ ምባል "ኣብዚ ኣብ ህይወት ሚልዮናት ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ፕሮጀክት ክንሰርሕ ዕድል ብምርካብና ግሩም ነገር እዩ ኢሉ"።

ብተወሳኺ፡ ስያሙስ ኮርኔሎስ፡ እዚ ኣብ ከባቢ ባዳ ዝርከብ ማእከል ዕደና ኮሎሊ "ብዓይነቱ፡ ብብዝሑ፡ ዘለዎ ቦታን ዕምቆትን፡ ብሉጽ ምዃኑን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኪንኡን ንዝርከቡ ሓረስቶት፡ ውሕስነት መግቢ ኣብ ምርግጋጽ ዓቢ ግደ ክህልዎ'ዩ" ኢሉ።

ትካል ዕዳና ዳናካሊ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኮሎሊ፡ ኣብ ዝብሃል ቦታ ናይ ፖታሽም ዕደና ንምክያድ ተፈራሪማ ኣላ።

ኣብ ቢሻ ዝርከብ ዕደና ንሓስ፡17 ሓምለ 2013AFPኣብ ቢሻ ዝርከብ ዕደና ነሓስ

እዛ ትካል፡ ካብ 2019 ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ህንጻዊ ስራሓቱ ኣጻፊፋ፡ ኣብ 2021 ምህርቲ ምሕፋስ ከም እትጅምር ላዕለዋይ ኣቦ መንበር ዳናካሊ ስያሙስ ኮርኔሎስ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ ይጠቅስ።

እዛ ካብ 2015 ናብ ዳናካሊ ሊምትድ ሽማ ዝቐየረት ትካል፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደበራ ኮይና ሳውዝ ባውልደር ማይንስ ብዝብል ስም'ያ ትጽዋዕ ነይራ።

መልክት ፋብሪካ ዕደና ቢሻ 17 ሓምለ 2013AFPምልክት ዕደና ቢሻ

ኣብ ከባቢ ባዳ ዝግበር ዕደና ፖታሸም፡ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝግበር ዓይነት ዕደና ዝሓሸ ኮይኑ፡ ካብ ጽፍሒ መሬት 16 ሜትሮ ጥራይ ንታሕቲ ኣቲኻ ዝግበር ዕደና ብምዃኑ ዉሑስ ዓይነት ዕደና ምዃኑ ይንገር።

ኮሎሊ፡ ብዓዳኒ ትካል ዳናካሊን ሃገራዊ ኮርፖሬሽን ዕደና ኤርትራን ዝውነን ኮይኑ፡ ክልቲኦም እዞም ትካላት ሓሓምሳ ሚእታዊት ብርኪ ኣለዎም።

እዚ ፕሮጀክት፡ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንሸነኽ ደቡብ፡ ናይ 75 ኪሎሜተር ጥራይ ርሕቀት ክህልዎ እንከሎ፡ ካብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ናይ 230 ኪሎሜተር ርሕቀት ኣለዎ።

ኣብ ኮሎሊ ዝርከብ ማዕድን፡ እቲ ቀዳማይ ቀጸልኡ ኣብ 16 ሜትሮ ዕምቆት ስለ ዝርከብ፡ ብደረጃ ዓለም እቲ ኣብ ቀረባ ዕምቆት ዝተረኸበ ፖታሸም እዩ።

እዚ ፕሮጀክት'ዚ ኣስታት 1.1 ቢልዮን ቶን 10.5 ሚእታዊት ዓቐን ዘለዎ ፖታሸም፡ 203 ሚልዮን ቶን ካርቦን ሞኖክሳይድ፡ ከምኡ'ውን ሳልፈይት ፖታሸም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንኣስታት 200 ዓመታት ክዕደን ዘኽእል ትሕተ ባይትኣዊ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ይጠቅስ።

ሓደ ካብ ቀንዲ መሻረኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዝኾነ፡ መደብ ልምዓት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (UNDP)፡ ኮሎሊ፡ ኣብ ኤርትራ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተነድፈ ሸቶ ዘላቒ ምዕባለ ንምርግጋጽ ሓጋዚ ምዃኑ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ኣብ ቢሻ ዝርከብ ዕደና ነሓስን ዚንጎን 17 ሓምለ 2013AFPኣብ ቢሻ ዝርከብ ዕደና ነሓስን ዚንጎን

እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተነድፈ 17 ዝሸቶታቱ፡ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ምዕባለታት ዘተኮረ ኮይኑ፡ ድኽነትን ጥምየትን ምንካይ፡ ኩሉ ትምህርትን ሕክምናን ዝረኽበሉ ባይታ ምንጻፍ፡ ክሊማዊ ለውጢ ምርግጋጽ ዝብሉን ካልኦትን ኣገደስቲ ውጥናት ይርከብዎ።

ዕደና ኮሎሊ ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ቀጥታዊ ጽልዋ ከምጽእ ዝኽእል ዓቕሚ ከም ዘለዎን፡ ብፍላይ ኣብቲ 13 ሽቶታት ምዕባለ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀጥታዊ ጽልዋ ከም ዝህልዎን'ዩ መጽናዕቲ መደብ ልምዓት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።

ዓመተ 2018 ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ቅልጡፍ ለውጥታት ዝተራኣየላ ዓመት እያ።

እቲ ንኣስታት ዕስራ ዓመታት ኣንጸላልዩ ዝነበረ፡ ኩነተ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጺኡ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ድሕሪ ምቕባሉ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፊቱ።

መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ተነጋጊዶም፡ መስመራት ቴሌፎንን በረራ ኣየርን ዳግማይ ጀሚሩ፡ ዶባት ተኸፊቱ ህዝቢ ተበጻጺሑ።

ይኹን እምበር ሓያሎ ሃገራውያን ተንተንቲ ፖለቲካ መንግስቲ ኤርትራ ዘቤታዊ ለውጥታት ብምክያድ ንኹሉ ዝሓቁፍ ነባሪ ሰላም ከረጋግጽ ይጽውዑ።

ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዝነበረ እገዳ ምስተላዕለ ንብዙሓት ኤርትራውያንን ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ዓቢ ተስፋ ሂቡ ኣሎ። ዕደና ኮሎሊ እውን ሓደ መርእያ ናይቲ ብሩህ መጻኢ ዕደና ኣብ ኤርትራ እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንህዝቢ ንኣታዊታት ዕደና ዝምልከት እኹል ሓበሬታ ኣይሃበን ዝብል ነቐፌታ ኤርትራውያን ጸኒሑ ኣሎ።

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events