Dehai News

(ገጽ-መጽሓፍ) ዘመናዊ ሕጊ ኤርትራ ኣብ መበል 32 ዋዕላ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ብኣባል ሃገራት ሉዑል ኣድናቆትን ደገፍን ረኪቡ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 01 February 2019

"ዩሃና ንኩሉኩም ጹኑዓትን  ሑቡናትን ኤርትራዊያን"
_________________________________________________________

"ዘመናዊ ሕጊ ኤርትራ ኣብ መበል 32 ዋዕላ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ብኣባል ሃገራት ሉዑል ኣድናቆትን ደገፍን ረኪቡ" እዚ ነቶም ኣብ ኤርትራ ሕጊ የለን ዝብሉ ከቢድ መርድእ'ዩ
_________________________________________________________

*ኣክሊሉ ኣብረሃም   ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን 





ከቢድ መስዋእቲ ዝተከፍሎን ምስ ዘለናዮ 21 ክፈለ ዘመን ክሳነን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሙዕቡልን ዘመናዊ ሕጊ ኤርትራ ብቅሳነትን ሰላምን ሓጎስን ንክነብርን ፥ ሰብኣዊ መሰላቱ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘውሕስን ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ዝሰርዕ ብከቢድ ጻዕርን ተሳታፍነት ኪኢላታት ሕግን ኣክበርቲ ሕግን ደያኑን ጠበቃታትን ፖሊስን ወጻእተኛታት ኪኢላታት ሕግን ህዝብን ዝተሳተፎን -

ንምድላዋቱ ሓያል ጥንቃቃን ዝተገብረሉ ምስ ክብርታትን ፥ ባህልን ስርዓትን ፥ ህዝቢ ኤርትራ ዝሳነ ንሕሉውን መጻእን ዎሎዶታት ኤርትራ መሰረት ዝኮነ ፥ ዘመናዊ ሕጊ ኤርትራ ፥ ኣብ ዋዕላ መበል 32 ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ፥ ንመንፈስን ትሕዝቱኡን ብኩቡር ኣንባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ብዝርዝር ድሕሪ ምቅራቡ ብኩለን ኣባል ሃገራት ሉዑል ኣድናቆትን ተቀባልነትን ደገፍን ረኪቡ።

"ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንሰብኣዊ መሰልን ሓርነትን ዝተወልደት ሃገር'ያ" ኢሉ ጀሚሩ ጸብጻቡ ንኣባል ሃገራት ዘቅረበ ፥ ኩቡር ኣምባሳደር ተስፋሚካኤ ገራህቱ ፥ እቲ ዘመናዊ ሕጊ ኤርትራ ፥ ቅድሚ ኣብ ስራሕ ምውዓሉ ህዝቢ ክላለዮን መሰላቱ ጉቡኣቱን ክፈልጥ ፥ ንመመላእታ ልዕሊ 2 ዓመታት ብመራከቢ ቡዙሓን ብጋዜጣ 4 ቋንቋታት ትግርኛ ዓረብ ትግረ እንግሊዝ ክዝርጋሕ ከሎ -

ኣብ ሬድዮ ብኩለን ቋንቋታት ኤርትራ ፥ኣብ ተለቪጅን ሚኒስተር ፍትሒ እትርከቦም ብኪኢላታት ሕግን መብሪሂታት ከም ዝተዋሕበሉን፥ ኣብ 6 ዞባታት ንህዝቢ - ህዝባዊ ሰሚናራት ከም ዝተካየደሉን ፤ህዝቢ ዝያዳ ኣብ ዘመናዊ ሕጊ ኤርትራ ኣፍልጡኡ ከም ዘዕቢ ንምግባር ፤ ብመጽሓፍቲ ተዳሊዩ ከም ዝተዘርግሓ ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ።

ብተወሳኪ ደያኑን ኣክበርቲ ሕግን ጠበቃታትን ፖሊስን ብዕሙቆት ከም ዝላለይዎ ከም ዝተገብረን ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ንከይጥሓስ ንኣባላት ሓይሊ ፖሊስ ኤርትራ ዘድሊ ስልጠናት ክውሃብ ከሎ ንምክልካል ገበን ዝምልከት ብኣህጉራዊ ፖሊስ "Interpol"ፉሉይ ስልጠናታት ከም ዝተዋህበ ኣረዲኡ።

ኩቡር ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣስዒቡ ኤርትራ ንኩሉ ዜጋ ብማዕረ ስጋብቲ ዝርሓቀ ገጠራት ኣብ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሕን ምምሕያሽ መነባብሮ ዜጋታትን ሙዑሪ ኣገልግሎት ንክረክብን ኣብ ትምህርቲ ጥዕና ፥ዝስተ ጹሩይ ማይን ፥ ሕርሻን ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ጽላታት ዓበይትን ውሑስን ዕዮታት ከም ዘሰላሰለት ብደቂቅን ዝርዝርን ንተሳተፍቲ ኣባል ሃገራት ኣቅሪቡ።

ኣባል ሃገራ ንዝቀረበ ጸብጻብ ብተመስጦ ድሕሪ ምክትታል ኣብ ዝተዋሕበ ሪኢቶታት ኣድናቆተን
ደገፈንን ገሊጸን።

ኣብ'ቲ ዋዕላ ኣንባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ፈረንስ ክብርቲ ኣምባሳደር ሃና ስምኦን

ኩቡር ኣቶ ኣማኒኤል ጆርጆ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቤት/ጽ ቀዋሚ
ወኪል ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳያት ኣብ "ኒወርክ"

ኩቡር ኣቶ ኣደም ዑሱማን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት/ጽ ቀዋሚ ወኪል 
ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳያት ኣብ "ጀኔቫ" ተረኪቦም ነይሮም።

ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰል ኣባል ላዕለዋይ ኮሚቴ ኮይና ንከተገልግል 
166 ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ዓመት 2018 ከም ዝተመርጸት ዝዝከር'ዩ።

ብዜካዚ ኤርትራ ነቲ ብሃገራት ኤሮፓ ንምቁጽጻርን ምንካይን ዋሕዚ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ንዝቆመ
ብመስርሕ ካርቱም ዝፍለጥ ብኣቦ መንበርነት ክትመርሕ ከም ዝተመርጸት ዝፍለጥ'ዩ።

ሙልእ ትሕዝቶ እቲ ዝቅረበ ጸብጻብ ተተሩጉሙ ምስ በጽሓና ከነቅርበልኩም ኢና።




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events