Dehai News

ዙር ኢስፖይር 2019: ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዕዉትቲ ፈላሚ መድረኽ ኾይና

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 06 February 2019

🇨🇲 ሓጎስ ካብ ካሜሮን 🇪🇷

4 ለካቲት 2019 
_______________________________________
🇪🇷️ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዕዉትቲ ፈላሚ መድረኽ ኾይና
🇪🇷️ ያቆብ ደበሳይ ብጫ ማልያ ተረኪብዋ።



፨18.6ኪሜ ብምሽፋን ዝፈላለመ ፈላሚ መድረኽ ዙር ኢስፖይር ካሜሩን ፣ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ን 18 ጋንታታት በሊጻ ዕዉትቲ ዚ መድረኽ ኮይና ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንዝተዳለወ ርሕቀት ብ23'58' ብምዝዛም ክትዕወት እንከላ ።
ሃገራዊት ጋንታታት
፨2ይ/ ኣልጀርያ 
፨3ይቲ ፖርቱጋል 
፨ 4ይቲ ሞናኮ 
፨5ይቲ ጃፓን


፨ብጫ ማልያ ኣብ ዝባን ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ያቆብ ደበሳይ ተሰቒላ ምህላዋ ጽቡቕ ምጅማር ኮይኑ ብዓወት ንምዝዛም ምስዞም ብሉጻት ተቐዳደምቲ ብልሕን ጥንቃቐን እንተትሓዊስዎ ነዚ ውድድር ምዕዋት ዝከኣል ዩ ዝመሰል ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር ናይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተቐዳደምቲ ናትናኤል መብራህቶም ፣ዳን ኤል ሃብተሚካኤል ፊሎፖስ ክብረኣብን ብቐደም ተኸተል ድሕሪ ያቆብ ደበሳይ ክሳብ 4ይ ደረጃ ሒዞም ኣለዉ። ፍልልዮም ድማ ናይ 14 ሰከንድ ኮይኗሎ ካብቲ 5ይ ተርታ ሒዙ ዘሎ ኣልጀርያዊ ሓምዛ።



Credit:EriCyc.

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events