Dehai News

(HdriMedia.com) ተመኵሮይ ኣብ ምድላው መጽሓፍ ቅንየታት `ህያው ደብሪ` ብኤፍረም ሃብተጽዮን

Posted by: Hdri Media

Date: Saturday, 09 February 2019


Source: https://wp.me/pa2mXx-3Q

ተመኵሮይ ኣብ ምድላው መጽሓፍ ቅንየታት `ህያው ደብሪ` 

ኤፍረም ሃብተጽዮን 

ኣብ 2009፡ ብጻይ ዘምህረት ዮውሃንስ ሓንቲ `ዳዕሮና-ሆይ!` ዘርእስታ ብውቍብ ኣጸሓሕፋ ኢድ ዝተጻሕፈት ቅንየት ክርእያን ምስቲ ኣብ ኮምፕዩተር ዝተጻሕፈ ከነጻጽራን ሂቡኒ። እታ ቕንየት፡ ብኹሉ መልክዓ ከምቲ ኣቐዲመ ዝለመድኩዎ ዓይነት ግጥሚ ኣይነበረትን - ብትሕዝቶ፡ ብቕርጺ፡ ብሃብቲ ቋንቋ፡ ጽባቐን ዕምቈትን ኣገላልጻ፡. . . ዝተፈልየት እያ ነይራ። ደጋጊመ ኣንቢበያ፡ ምሉእ-ብምሉእ ከይተረዳእኩዋ፡ ኣዝየ ፈትየያ። ክርድኣ ጽዒረ፡ ቀልጢፈ ቈብ ከብሎ ዝኽእል ጥሙር መልእኽቲ ኣይጨበጥኩን፣ ምፍታወይን ምድናቐይን ግን ቀጺለ። ብዛዕባ ትሕዝቶኣ ኣፈይ መሊአ ዝብሎ ኣብ ዘይነበረኒ፡ መውጽኢት ኣፈይ ገይረያ። ከምቲ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ግጥሚ ዘንበብኩዎ፡ “ግጥሚ፡ እንታይ ኢልካ ከም ዝጀመርካን እንታይ ኢልካ ከም ዝወዳእካን ከይተረድኣካ ዝጸሓፍ ዓሚቝ ስምዒት ውሽጢ እዩ፡” ኰይኑለይ፡ እዚ ዘይብሎ ኣብ ውሽጠይ ዝውሕዝ ነገር እናተሰምዓኒ ንነዊሕ እዋን ኣንቢበያ።

እዛ ግጥሚ’ዚኣ እያ ድማ ናብቲ ዝዓበየን ንትሽዓተ ዓመት ዝቐጸለን ዕዮ ምድላው መጽሓፍ “ህያው ደብሪ” ዝመርሐት። እቲ ዕዮ ምቍርን በዳህን ነይሩ ክበሃል ይከኣል፤ ምቍር ዝገብሮ ናይ ብሓቂ ግጥሚ ዝበሃል ከማልኦ ዘለዎ ኩሉንትናዊ ጽባቐ ዝሓዘ ብምዃኑ ብዙሕ ክትሓስብን ክትመራመርን ዝድርኽ እዩ። እቲ ብድሆ ኸኣ ነቲ ዕምቈት ብቐሊሉ ክትርድኦን ክስወጠካን ዘይምኽኣሉ ነይሩ - ምናልባት ናይ ግዜን ኲነትን ዝፈጥሮ ብድሆ ክኸውን ይኽእል።

እዛ ቕንየት፡ እንታይ እያ ኢላትኒ ኣይፈልጥን፡ ሕሹዅታ ግን ኣብዚሓትለይ። ከምዚ እዝኑ ዝዀርዓሉ ሽማግለ፡ ‘እ’ እናበልኩ እየ ኣብ በይነይን ንበይነይን ደጋጊመ ተቓሊሰያ። ናተይ ሕመቕ ዘይኰነ ግን፡ ዕምቈት ናይቲ ቕንየታት ምዃኑ ኣጸቢቐ ኣረጋጊጸ። ኣብ መወዳእታ፡ ቃል ብቓል’የ ክርድኣ ፈቲነ፤

ዳዕሮና-ሆይ! ብርዝነታ
ንባይታ ናይ ደንበና፤

ኣጦምቢቓ ኣንሂላቶ ንቑሸትና፡ ብመላኡ

ከም ሮማዲ__ ዝርግሕ-`ላ ዓሚማ ኣጽሊላቶ።

(ውዳቕ ፍረ ዳዕሮ ንባይታ የጠምቡቝ፣ ጽላላ ኸኣ ንምሉእ ቍሸት የጽልል - ከምቲ ደራሲ ዝብሎ ዓዚም “ዳዕሮ!”)

ዓዲ ቐንየ’ስ. . . በጺሐያ__ ተፈቲሐ፡ ‘ሃተፍ!’ ክብል፤

ኣውጊሐ’ስ፡ ኣጽቢሐያ! (. . .)

ከም ዝጠዓመኒ ጨሊጣያ ወይ ኣዀምሲዐያ፡ ነዛ ቕንየት። ንሳ’ያ ምስ ዓለም ‘ህያው ደብሪ’ ኣራኺባትኒ፣ ወይ ናብ ዓለም ‘ህያው ደብሪ’ ኣጥሒላትኒ። ብድሕሪኣ ዝመጸ ዘበለ፡ ብሕኑን ባህጊ እየ ጸሚደሉ። ቃላት ክኣራሪ (ተስፋማርያም ኣብ ምርጫ ቃላት ልዕልን ሕልፍን ጸጋ’ዩ ዝውንን)፡ ሓሳባት ከዋስብ፡ ታሪኻዊ መድረኻት ክድህስስ፡ ከምቲ ልሙድ ንገብሮ ናይ ኣርትዖት ስራሕ ምስራዝን ምውሳኽን ዘይኰነ፡ ምንጽጻር ክነሱ፡ ኣመና ፈቲኑኒ። ንዝዀነት ቃል ከምዚ ማለቱ እዩ ኢለ ከይተንከፍኩ - ዘይትፈልጣ ክንስኻ እትህቦ ቃና ስለ ዝስወጠካ - ከም ዘላታ ክዕቅባን ዘይፈልጣ ክንሰይ ደጋጊመ ከንብባን ዝወሰድኩዎ ምርጫ ቅኑዕ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ተስፋማርያም ናብ ኤርትራ ምስ መጸ፡ ክረኽቦ እከለኹ ብዛዕባ’ቲ ቅንየታት ‘እዚን እትን’ ኢለ ክማጐት ወይ ጥልቕ ኢለ ርእይቶ ክህብ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ’ቲ ብኸምቲ ዝተሰዶ ዝዓቀብኩዎ ግጥሚታት መብርሂ ክህበኒ እየ ተጸብየ።

ተስፋማርያም ናብ ኤርትራ ምስ መጸ - ትሕዞይ ሒዘ - ኣብ ኢደይን ኣብ ሓሳበይን - ናብ ዓዲ-ዃላ ከይደ ረኺበዮ። እቲ ከም ቅንየታቱ ምስጢር፡ ዕቱብን ዘይቅረብን ሰብ እዩ ዝኸውን ኢለ ዘስረጽኩዎ፡ ኣብታ ፈላሚት ርክብ ሃፊፉ። ኣዝዩ ምቝሉልን ግሉጽን ኰይኑ ጸንሓኒ። ኣብ መንጐ’ቲ ረዚንን ዓሚቝን ቅንየታትን ኣብቲ ምቝሉልን ትሑትን ሰብን ዘሎ ፍልልይ ኣመና ዓቢ። እቲ ዕዮታት’ምበኣር ኣብ መዓሙቝ ብሕትውናኡ ዝጸመቘ ዓሚቝ ዕላል ውሽጢ ክኸውን ኣለዎ ኢለ ገመትኩ። እተን ሒዘየን ዝኸድኩ ክልተ ቅድሓት ‘ህያው ደብሪ’ ሂበዮ፡ ኣስመራ ምስ መጸ ክንራኸብ ተቛጺርና ናብ ካልእ ዕላል ተሰግረ። ብሓሳበይ፡ “እምበኣር ኣብ ከምዚ በጺሓ!” ኢሉ ክግረምን ገናጺሉ ክርእዮን’የ ተጸብየ፣ ቅሩብ ሞሳ ዝደለኹ’ውን ‘መስለኒ። ተስፋማርያም ግን ተቐቢሉ ጥራይ እዩ ኣብ ጣውላ ኣንቢሩዎ። ከምቲ ኣብ ቅንየታቱ ዝነበብኩዎ፡ ክቱር ፍቕሪ ዚሓለፈ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ዲቕ ዝበለ ዕላል ስድራ-ቤት እዩ ኣትዩ። ዕላሉ ዝኽሪ እዩ።

ድሕሪ ወርሒ ኣቢልና ኢና ኣብ ኣስመራ ተራኺብና። ሽዑ’የ ዝያዳ ቀሪበዮ። ነተን ቅንየታት ርእዩወን ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ኣመና ኣጽፊፈ ሒዘዮ ዝበልኩዎ ስራሕ ብሰማያውን ቀይሕን ቀለም ሕውስውስ ኣቢሉዎ ጸንሓኒ። ሰንቢደ። ክዛረብ ግን ኣይከኣልኩን። ዝነበራኒ ሕቶታት ሓቲተ፡ ነቲ ዝተኣረመ ሒዘዮ ብምኻድ ኣብ ሓድሽ ስራሕ ተጸመድኩ። ነዚ ወዲአ ምስ ኣረከብኩዎ፡ እቲ ዕዮ ዝተወድአ መሲሉ ተራእየኒ’ሞ፡ ቀልጢፍና ናብ ማሕተም ክንከይድ ከም ንኽእል ገመትኩ። ኣብ ዝቐጸለ ቈጸራ ምስ ተራኸብና፡ ነቲ ኣዐርየ ዝሃብኩዎ፡ መሊሱ ኣይርአ-ኣይብላዕ ገይሩዎ ጸንሓኒ። እንተ ረኣኹ፡ ኩሉ ልክዕ ናብቲ ቅድም ዝነበሮ ተመሊሱ። ብቐሊሉ ከም ዘይገድፈኒ ፈሊጠ፡ ዘዝበለኒ ክገብር ምስ ነፍሰይ ተሰማሚዐ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ምምልላስ፡ ደጋጊምካ ምጽሓፍን ዘይምዕጋብን ንዓይ ዓቢ ምህሮ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሰፊሕን ዝተሓላለኸን ቅንየታት፡ ዝጐደለት ምልክት ጨረት (`) ከይተረፈ ዘይርስዕ ምዃኑን፡ እቲ ቅንየታት ብመላኡ ኣብ ኣእምሮኡ ከም እተቐርጸን’ውን ፈሊጠ። ዘዝቐየሮ ክቕይር፡ ዘዝመለሶ ክመልስ ጽምዶ ኰነ። ሕጅስ ወዲእና ኢና ኣብ ዝበልኩሉን ብዛዕባ ሕትመት ኣብ ዘልዕለሉን ግን መመሊሱ ንኸይሕተም ዝጽዕር ክመስል፡ ኣቕቢጹ።

ኣብ ከምዚ ኲነታት እንከለና እዩ ኸኣ ናብ ባጽዕ ከይዱ፡ ኣብኡ ዓስኪሩ ፍጹም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሉ፡ ጽሑፍን መጽሓፍን ኣወንዚፉ፡ ምስቲ ባሕሪ ዝተመሓዘወ። ብዛዕባ ምዝዛም ናይቲ ዕዮ ኣጥቢቐ ምስ ተወከስኩዎ፡ ናብ ኣመሪካ ተመሊሱ ጥሮታ ወዲኡ ምስ መጸ ክንውድኦ ምዃንና እዩ ዝእምት ነይሩ። ምሕታም ዝበሃል ከም ዛዕባ’ውን ፍጹም ኣየልዕሎን። ንማሕተም ዘይኰነስ ንነፍሱን ንሕሉፉን ኢሉ’ዩ ዝጽሕፍ ነይሩ። ሓደ ቋንቋ ወይ ስነ-ጽሑፍ ብሓፈሻ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ውፉይን ብምልኣት ዝግዝኣሉን ሰብ ክረክብ ዕድለኛ እዩ። ዓሚቝ ናፍቘት ዝሓለፈን ከቢድ ዝኽሪ ዓድን ስድራ- ቤትን - ኣብቲ ርሑቕ ኣመሪካዊ ስደቱ ኰይኑ ፍጹም ከም ዝበሓቶ እዩ ዝምስክር ዕዮታቱ። ነቲ ዘልዕሎ ዛዕባ ወይ ሓሳብ ብኸመይ ናብ ጽሑፍ ከም ዝቕይሮ ኣይሽገርን፣ ንቓላት ከም ፈትሊ ስለ ዝፈትሎም ከኣ ኣብ ኩሉ ዕዮታቱ ውጽእ ዝበለ ኣቀራርባ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ቀልጢፉ ተወዲኡ ናብ ኣንባቢ ክበጽሕ ኣለዎ ዝብል ክቱር ባህገይ፡ ምስቲ ደራሲ ብዛዕባ ሕትመት ፍጹም ዘይግደስ ምዃኑ፡ ክቃዶ ኣይከኣለን።

ኰይኑ ኸኣ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኣመሪካ ምስ ተመልሰ፡ ኣብዚኣ ኣትዩ ዘይብሉ ደሃይ ኣጥፈአ። ወዮ ተወዲኡ ዝበልናዮን ዝበሃግናዮን ስራሕ ንዘይተወሰነ ግዜ ተወንዘፈ። ድሕሪ ገለ እዋን ተደልዩ ተረኺቡስ፡ እቲ ስራሕ ክውዳእ እናበልና፡ ብዙሕ ዝጐደሎ ከም ዘሎን ዳግማይ ኣጻፊፉ ይሰርሖ ምህላዉን’ዩ ገሊጹ። ብድሕሪ’ዚ ኣይተራኸብናን፡ ሞት ኣርኪባ። ድሕሪ ሞቱ እዩ ኸኣ ዳግመ ስራሕ ከነካይድ ብዝለዓለ ዝተበገስና። ዋና ኣብ ዘይብሉ ዝስራሕ ከምዚ ዝኣመሰለ ብርቂ ናይ ጽሑፍ ስራሕ እቲ ዝኸበደ እዩ። እቲ ምሳና ዝነበረን እቲ ድሒሩ ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ብዙሕ ፍልልይ ጸኒሕዎ፤ ገሊኡ ተወሲኹ፡ ገሊኡ ጐዲሉ፣ ገሊኡ ሰፊሑ፡ ገሊኡ ሓጺሩ፣ ወዘተ. ነየናይ ከም እትመርጽ ኣሸጋሪ ኰነ። ቅድሚ ምጽፋፉ ስለ ዝዓረፈ ኸኣ ነቲ ጒድለታት፡ ሕድገት ፊዴላት፡ ስርዓተ ነጥቢ፡ ብዓቢኡ ኸኣ

ኣብቲ ሓደ ካብ ሓያል ጐድኑ ዝዀነ ‘ቅርጺ’ ርኡይ ጸገም ተንጸባሪቑ። ነዚ ንምምላስ እምበኣር፡ ነቲ ዝተወሰኸ ምስቲ ምሳና ዝጸንሐ እናኣረኣኣና፡ ወሰን ኢልና ክንሕዞ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ ነበረ።

ፕሮፌሰር ቻርለስ ካንታሉፖ ብዛዕባ ተስፋማርያም ዘሎኒ ትዕዝብቲ ምስ ሓተተኒ፡ “ንዓይ ተስፋማርያም፡ ኣብ ርሑቕ ስደት ዓስኪሩ፡ ፍጹም ኣብ ሕሉፍ ዝኽሪታቱ ዝነበረ ባሕታዊ ጸሓፊ ኰይኑ ይስምዓኒ። ካብቲ ሕሉፍ ናይ ኵናት በሰላ ንኽገላገል ብዘእምን መንገዲ ኣብ ወረቐት ከስፍሮ ዝቃለስ ገይረ እየ ዝርእዮ። ዝበዝሐ ካብቲ ዘይሓድግ ዝኽሪታት፡ ብዘዕግብ መንገዲ ኣብ ወረቐት ምስ ሰፈረ ይፎኵስ’ዩ። ተስፋማርያም ምሉእ ኣድህቦኡን ግዜኡን ብዛዕባ ዓዱን ዓውዱን፣ ብዛዕባ ገድሉን ታሪኹን፣ ብዛዕባ ባህሉን ቋንቋኡን ዝገበረ ሰብ ኰይኑ ይስምዓኒ፡” ኢለዮ። ብርግጽ ድማ እቲ ኣብ ቅንየታት ተስፋማርያም ዘሎ በብዓይነቱን ብብዝሕን ትሕዝቶ፡ ኣሰር ዚሓለፈን ናፍቖት ድሕሪትን ዝምስክር እዩ። ተስፋማርያም፡ ምስ ነፍሱን ሕልናኡን ኣዕሚቑ ዝምጒት ተቐናያይ እዩ ነይሩ። ሕልናን ጣዕሳታቱን፡ መስትያት ናይ ዕቋር ማይ፡ ዚሓለፈ፡ ኤርትራዊት ቁሸት፡ ምስ ጸሓይ ኰፍ ኢለ ኣብሪቐያ፡ ኣደን ጓልን ይሳለያ፡ የማነይቲ ኢደ-ኵርሲ፡ ህያው ደብሪ፡ መሓመዲኖ. . . ዝብሉ ቕንየታት ሓያል ዝኽሪ ዝብርብሩ እዮም።

ኩሉ ተሰጊሩ። ሎሚ ኣብ ምምራቕ ናይዚ ዕዮ በጺሕና ኣለና። ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ነዚ ንስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ብፍላይ፡ ንስነ-ጽሑፍ ሃገርና ኸኣ ብሓፈሻ ዓቢ ጸጋ ዝዀነ ስራሕ ከሕትም ምብቅዑ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ዕቤት ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ክገብሮ ዝጸንሐ ሓያል ጻዕሪ እዩ። ኣሕተምቲ ሕድሪ ነዚ ዕዮታት’ዚ እንተ ዘይሕዞን ብዕቱብ እንተ ዘይከታተሎን፡ ዳርጋ ነበርያ-ነበረ ምዀነ ወይ በዚ ዘለዎ ልዑል ክብሪን ምልኣትን ኣይምተሓትመን ዝብል መረዳእታ ኣሎኒ። ኣብ ትሕዝቶ ዘይኰንኩ ዝዛረብ ዘለኹ ግን፡ ኣብ ምክትታሉን ምጥርናፉን፣ ኣብ ምእካቡን ምጽፋፉን። ምኽንያቱ፡ ኣሰር ናይቶም ጽሑፋትን ናይቲ ደራሲን ሃሰው ክንብል ዘሕለፍናዮ ኰለል ህያው ምስክር ስለ ዝዀነ።

ገጣሚ፡ ሓቀኛን ቅኑዕን እዩ ዝበሃል’ሞ፡ ተስፋማርያም ህያው ምስክር ኰይኑ’የ ረኺበዮ። ከም ሰብ ሕሉፍ ርህራሄ - ኢዶም ቈሪጾም ከም ዝህቡ ሰባት - እዩ ነይሩ። ቃንዛ ሰባት ዘቐንዝዎ ምዃኑ ኸኣ ብዙሓት ካብ ቅንየታቱን ኣዕሩኽቱን ይምስክሩ። እዚ ንስነ-ጽሑፍ ሃገርና ኣበርኪቱዎ ዘሎ ጸጋ ኸኣ ምልክት ናይቲ ደረት ዘይብሉ ልግሱ ገይረ እርእዮ። ምኽንያቱ፡ ዓቢ ህያብ ዝህብ በቃቕ ስለ ዘየለ።

ደጊመ፡ ብስም ኣሕተምቲ ሕድሪን ብስመይን እንቋዕ ነዚ ጸጋ’ዚ ክንካፈል ኣብቅዓና እብል። ኣብ ምዝዛም ናይዚ ዕዮ ልዑል ግደ ንዝተጻወቱ ምምስጋን ኣገዳሲ እዩ። ስነ-ጥበባዊ ደሞዝ ርእሶም ገበር ናይዚ መጽሓፍ ስለ ዘዳለወ፣ ኣቶ ሱራፍኤል ተስፋብሩኽ ቅጥዒ መጽሓፍ ብምዕማሙ፣ ኣገልግሎት ማሕተም ሳቡር ጽፉፍ ኣገልግሎት ማሕተም ብምሃቡ፣ ንኹላቶም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝሓገዙ፡ . . . ምስጋናና ነቕርብ።

ዓወት ንሓፋሽ!



307124-my reflections on hyaw debri.pdf

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events