Dehai News

ECSS-Online.com: ተፈሪ መኮነን “ሃይለ ስላሰ” ክብሪ ዘይግብኦ መራሒ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 18 February 2019

ዶ/ር ኣሕመድ ሓሰን ድሕሊ

Monday, 18 February 2019

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ብ10 ለካቲት 2019 ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ-ኣዲስ ኣበባ ዘቃንዖ መበል 32 ስሩዕ ናይ መራሕቱ ጉባኤ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ነቲ ካብ 1930 ክሳብ 1936 ጸኒሑ ኸኣ ካብ 1941 ክሳብ 1974 ንኢትዮጵያ ዝገዝአ መስፍናዊ መራሒ ናይ መዘከርታ ሓውልቲ ብምስርሑ ዘይግባእ ታሪኻውን ፖለቲካውን ተበግሶ ወሲዱ። ምኽንያቱ እቲ ስርዓት በዚ ዝስዕብ ምኽንያታት ብህዝብታት ኢትዮጵያ ይኹን ህዝብታት ኣፍሪቃ ክብሪ ዘይተዋህቦ መራሒ ስለዝኾነ።


1-ተፈሪ መኮነን ብ2 ሕዳር 1930 ብዋጋ ረብሓታት ህዝብታት ኢትዮጵያ ናይ’ታ ኣብ ባይታ ህላወ ዘይነበራ ኢምብራጦርያ መስፍናዊ ኢብራጦር ኮይኑ ተመዚዙ።


2-ፋሽሽታዊት ኢጣልያ ኣብ 1936 ንኢትዮጵያ ወሪራ ምስ ሓዘታ፡ ሃይለ ስላሰ ሂወቱ ንምድሓን ሃዲሙ። ናብ ብሪጣንያ ብምኻድ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ከተማ ባስ ተቀሚጡ። ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ፋሽሽታዊት ኢጣልያ ተሳዒራ ኪዳን ሓይልታት ንኢትዮጵያ ሓራ ምስ ኣውጽኡዋ ኸኣ’ዩ ኣብ 1941 ተመሊሱ። ኪዳን ሓይልታት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃን...............

.................ምንባብ ቀጽል


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events