Dehai News

ተንኮለኛን ቅጥፈትን ንዝኾነ ዕላል ጸላኢ አይትስምዑ፡

Posted by: "MediaComunitaEritrea .it"

Date: Tuesday, 19 February 2019

ተንኮለኛን ቅጥፈትን ንዝኾነ ዕላል ጸላኢ አይትስምዑ፡           

                                                            ወግድዎ ንየው በልዎ።

እዚ ቃል'ዚ ንድሕሪት ክምለስ ዘይክእል፡ ዘይሕባእ፡ ዘይሕሰን ዘይጥበርን እዩ። ስለ'ዚ ውን እቶም ጸላእቲ ብዛዕባኡ ዝበሉ እንተበሉ አይትስምዕዎም ዕላሎም መባኾርን ዓንቃፍን እዩ። ብስም ናጽነት ኤርትራ እዕድመኩምን እላበወኩምን። ናጻን ሓራን ዲሞክራስያዊት ንኤርትራ ንዘልአለም ትንበር።                                                                                                                            እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ብ04 ለካቲት 1950 ኣብ ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ ዝሰፈረ ቃል ክቡር ሓርበኛ ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ንህዝቢ ኤርትራ ዘቕረብዎ ታሪኻዊ ማዕዳ ኢዩ።

ሎሚ ከኣ ነቶም ሰላም ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክርእዩ ዘይደልዩ፡ ንልምዓትን ዕቤትን ናይ ክልቲአን ሃገራት ዝጻብኡ ብፍላይ ከኣ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ሓሳዳትን በቲ ሓደ ወገን፡ ናይ ገዛእ ነብሶም ኣጀንዳ ዘይብሎም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዘዳኽሩ ዝኸሰሩን ዝነደዩን ከሓድትን ገበነኛታትን በቲ ካልእ ወገን፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላም ምስ ህዝቦም ክነብሩ ዘይደልዩ ባእታታት፡ ኣብ ስደት መታኣርግቲ ዝኾኑዎም መንእሰያት ትሕቲ ሃገራውነት ብዝኾነ ብጸቢብ ኣተሓሳስባ ንየውሃት መንእሰያት ዕለታዊ ዘየቐኒ ዘየቕስን ሓደስቲ ሕሱር ሓሶታት እንምሃዙ “ኤርትራ ያኢ እንቓቑሖ ኮይና ክትሽየጥ`ያ ክትልወጥ`ያ ወዘተ እናበሉ፡ ከደንቑርዎምን ከታልልዎምን ዕለታዊ ንጥፈታቶም ኮይኑ ኣሎ።

ንመንእሰያት የሕዋትና፡ ክላበዎም ዝደሊ ነቲ ቃል ናይ ኣቦና ሓርበኛ ኢብራሂም ስልጣን ኣብ ሓምሳታት ዝበልዎ ደጊምኩም ኣንብብዎ ተረድእዎ፡ እቶም ኣብቲ ግዜ`ቲ ነዚ ምዕዶ ጸማም እዝኒ ዝሃብዎ ኣብ ናይ 30 ዓመት ቃልሲ ንናጽነትና ዝፈሰሰ ደም ተሓተትቲ ኮይኖም ኢዮም። ብዙሓት ሽዑ ዝተጋገዩ ኣቦታት ንሕና ዘጥፍኣናዮን ዝገበርናዮን ጌጋታት ሎሚ ደቅና ደሞም ከፊሎም ክመልስዎ ይቃለሱ ኣለዉ እናበሉ ብዝገበርዎ ጉድለታት እናተጣዕሱ ሓሊፎም ኢዮም።

እዚ ኣብ ምዕቡል ግዜ ኣብ ዕጹው ገዛ ኮይኖም ብመሳርሒ ሶሻል ሜድያ ዝፍንውዎ ሓሶታት ጉጉይ ምኽርታትን፡ ምስ ህዝብኹም ኣባኢሶም ኣእምሮኹም ኣመዛቢሎም መጻኢ ዕድላትኩም የባላሽውልኩም ከም ዘለዉ ክትግንዘብዎ ይግባእ። እቶም ናብዚ ጥፍኣት ዝመርሑኹም ዘለዉ ጉጅለታት ወይ ባእታት መብዛሕትኦም ገበነኛታት ምኻኖም ድሕሪ ባይትኦም ከተጽንዕዎም ኣለኩም። ዝበዝሑ ካብኦም ናጽነት ኤርትራ ዘይተቐበሉ ረፈረንዱም ዘይመረጹ ክነሶም “ካብ ብህዝባዊ ግንባር እትመጽእ ናጽነት ብኡ ገይራ ትጥፋእ” ዝብሉ ዝነበሩ ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኩናት ሓድሕድ ክቕጽል ዘሳውሩ ዝነበሩ ሎሚ ከኣ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ  ላዕለዎት ካድራት ናይ ተ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ኢዮም። ካልኦት ዝኾረዩ ናይ ስልጣን ህርፋን ጥራይ ዝሓልሙ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣባላት ገሊኦም ውን ተጋደልቲ ዝነበሩን ድሕሪ ናጽነት  ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተመዲቦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ገለ ካብኦም ኣጠፋፊኦም ዝሃደሙ፡ ካብ ሕጊ ዘምለጡ ውን ኣይተሳእኑን። እዚኣቶም መሳርሒ ናይ ካልኦት ሓይልታት ዝኾኑ ንፖለቲካ ከም ቢዩዝነስ ዝወሰድዎ ዝኽፈልሉ ኣብ መንጎ ይርከብዎም። ገሊኦም ውን ነቲ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ብጠንቂ መራሕቲ ወያነ ዝወልዕዎ ኩናት ንዘጋጠመ ሳዕቤናት ንዝተፈላለየ ብድሆታት ጽንኩር ኩነታትን ክገጥምዎ ዘይከኣሉ ሕልንኦም ዝዓረቦም ድኽመታቶም ንምሽፋን ፖሎቲካዊ ምስምስ ዝደልዩሉ ኢዮም። ብዙሓት ተዛረብቲ ትግርኛ ጥራይ ብምኻኖም ኤርትራውያን ተመሲሎም ኣብ መንጎኹም ኣትዮም ዝዋስኡ ናይ ወያነ ካድራት ከም ዘለዉ ኩላትና እንፈልጦ ጉዳይ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ዋላ ዓሰርተ መንግስትታት ይቀየር፡ ዓበይቲ ገበናት ብቐሊል ስለ ዘይሕከኽ ተሓተትቲ ምኻኖም ስለ ዝፈልጡ፡ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ሕልሚ ወይ ራእይ የብሎምን፡ ስለዚ ንዝኾነ ለውጢ ዘይቅበሉ ኣብ ስደት በለይቲ ኢዮም። ነዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓጎስን እልልታን ዝተቐበሎ መስርሕ ሰላም፡ ኣበራት ሃሰስ እናበሉ ንምዕንቓፉ ዝኣልምዎ ፈጠራን ሓሶታትን  ሓደ ካብ መርኣያ ናይ ባህርያቶም ኢዩ፡ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከላ መንግስትን ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ልኡላውነት ሃገር ከይድፈር ኩሉ መስዋእቲ እናከፈለላ ከሎ፡ ንዕስራ ዓመት ብጭቕ ኢሎም ዘይፈልጡ ሕጂ ሓለይቲ ክመስሉ ሉኡላውነት ኢሎም እንተሸቐጡ መን ክኣምኖም ይኽእል፣ 

ካልእ ዝዓበየ ገበን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት ተኸፊልዋ ብደም ጀጋኑ ስውኣት ዝተረኸበት መግለጺ መንነትና ዝኾነት ሃገራዊት ባንዴራና ይፍንፍንዋ፡ ከይሓፈሩ ነታ ቅድሚ 60 ዓመት ዝነበረት ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ሒዞም ክዋራዘዩ ይርኣዩ፡ እዚ ከኣ ክሕደት ንሰማእታት ንዕቀት ንህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። በዚኣቶም ዝተመልመሉ በጋሚንዶታት ከኣ ንሃገራዊ ባንዴራና ብሓዊ እናቓጸሉ ክጅሃሩን ኣብ ቅድሚ ካሜራ ክሰኣሉን ብዙሓት ተዓዚብክምዎም ኢኹም።

 ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ኣብዚ ናይ 27 ዓመት ድሕሪ ናጽነት ኣብ ልምዓት ሃገር ሳንቲም ዘየበርከቱ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝተጽዓነ ዘይፍትሓዊ እገዳ ንኸይልዓል፡ ዜጋታት መሕወይ ግብሪ 2% ንኸይከፍሉ፡ ኤርትራ ካብ ዓለም ንኽትንጸልን፡ ሓድነት ኤርትራውያን ፋሕ ብትን ንኽብል፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ሃገሮም ገዲፎም ንወጽኡ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምትብብዓትን፡ ጸውኻ ክውዳእ ዘይክኣል ንዕንቅፋት ጥራይ ዝተወዳደቡ ፍሹላትን ሕሱራትን ባእታታት ኢዮም። 

ስለዚ መንእሰይ ክሳብ መኣስ ኢኻ መሳርሒ ናይዚኣቶም ኮንኻ እትነብር፡ ኣእምሮኻ ኣበራብሮ ተምሃር ስራሕ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሃገር ዝሃንጹን ዝከላኸሉን ዘለዉ ጀጋኑ መንእሰያት የሕዋትካ ምሰል፡ ዳወን ዳወን እናበልካ ግዜኻን ሓይልኻን ኣይተዕርቦ። ግቡእኻ እናገበርካ ንመንግስትኻ ሃናጺ ነቕፌታን ሓዲሽ ሓሳባትን ከተቕርብ ዝኽልክለካ የለን፣ ቅዋማዊ መስርሕን ደሞክራስን ብጻዕርን ስራሕን`ዩ ዝረጋገጽ ሃገር ኣብ ሓደጋ እናሃለወት ቅጫ እንበር ምርጫ ኣይኮነን ቀዳምነት፡ ንስድራኻ ሓግዞምን ብጽሓዮምን ዓድኻ ንኽትእቱ ዝኸልኣካ ዝኾነ ሓይሊ ወይ ሰብ የለን፡ ሃገር ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ኢያ። ዘይናትካ ኣይናትካን`ዩ ስደት መናበሪኻ ኣይኮነን፡ ሃገርካን ቤትካን ኢዩ ክብረትካ። ስለዚ ዝበደልካዮ ዓቢ ገበን ዘይብልካ ክነስኻ፡ ናይ ዝጠፈሹ ሰባት መሳርሒ ክትኸውን ምስኦም ናብ ጥፍኣት ይሕሸኒ እንተበልካ ምርጫኻ`ዩ። ኩሉ ጸገማት ሓላፋይ ኢዩ፡ ኤርትራ ትዕንብብ ንቕድሚት ትምርሽያ ዘላ። እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ከም ማና ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣይኮነን፡ ሳላ ዘይሕለል ሓያል መኸተን ጽንዓትን ናይ መንግስትናን ህዝብናን ሓይልታት ምክልኻልናን ዝተረኽበ ውጽኢት ኢዩ። ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ሰላም ጸጋ ተጠቐመሉ ኤርትራ ናትካ`ያ ኣለኹልኪ በላ፡ ስለዚ ናብቲ ቅኑዕ መስርዕ ተጸንበር፡ ንህዝብኻን ንሃገርካን ኣገልግል፡ ግዜ ምስ ሓለፈ እቲ ዘይተርፍ ዕቤትን እርጋንን ምስ ኣርከበካ ከምቶም ዝተጣዕሱ ኣቦታት ከይትቑዝም ከይትጠዓስ፡ ከምቲ ደራፋይ ዝበሎ “ጣዕሳ ዋጋ የብሉን ቀደም ተጋጊኻ” ከይትብሃል። ምኽሪ ሓርቦኛ ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ነዚ ናይ ሎሚ ወለዶ`ውን ኣብ ቦቱኡ`ዩ ዘሎ። 

ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና

ዓወት ንሓፋሽ !!

ፋሲል ቀለታ - (Italy)



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events