Dehai News

(ገጽ-መጽሓፍ) ማሕበራዊ ፍትሒ፡ እቲ ካልኣይ ሰውራ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 20 February 2019

ማሕበራዊ ፍትሒ፡ እቲ ካልኣይ ሰውራ


ሕዝባዊ መንግስትኣብ     ረቡዕ 20 ለካቲት 2019 

ዝዀነ ሕብረተ-ሰብ፡ ሰውራ ከካይድ እንከሎ፡ ነገራውን መንፈሳውን ድልየታቱ ንኸርዊ’ዩ ዝቃለስ። መንፈሳዊ ድልየታት፡ ፖለቲካዊ፡ ባህላዊ፡ ስኒትን ሰላምን፡ ማሕበራዊ ባህግታትን ምድንፋዕ ሞራላዊ ጠባያት ሕብረተ-ሰብን ከጠቓልል ይኽእል።

እቲ ቀዳማይ መድረኽ ሰውራ ኤርትራ፡ ቅድመ-ኵነት ነቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈና ስልጥንቲን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ናይ ምህናጽ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ነይሩ። እዚ ዳሕረዋይ መድረኽ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ቀዳማይ መድረኽ ኰይኑ፡ ካልኣይ ሰውራ’ዩ። እቲ ነዚ ካልኣይ መድረኽ ሓላፍነት ዝስከመሉ ወለዶ ድማ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ መሰረት ዘንጸፈ/ዝድለ ቅድመ-ኵነት ዘረጋገጸ ወለዶ’ዩ። እቲ ተልእኾን እቶም ፈጸምቲ ናይ’ቲ ኣብ በበይኑ መድረኽ ዝገሃድ ታሪኻዊ ኵነትን ዝነጻጸሉ ኣይኰኑን። ተመላላእቲ ደኣ’ምበር። እቲ መሰረት ዘንጸፈ ወለዶ፡ ብዘይ’ቲ ካብ’ቲ ዘንጸፎ መሰረት ተበጊሱ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈና ስልጥንቲን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ዝሃንጽ ወለዶ፡ ተልእኾኡ ምሉእን ዕዉትን ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ካብ’ቲ ብኸቢድ ዋጋ ዝተነጽፈሉ መሰረት ተበጊሱ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈና ስልጥንቲን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ክሃንጽን ነገራዊን መንፈሳዊን ድልየታት ህዝብና ኸዕግብን ዝቃለስ ወለዶ ድማ፡ ነቲ ዘድሊ ቅድመ-ኵነት ዘረጋገጸ ወለዶን ንዝተሰግረ ታሪኻዊ መድረኽን ኣፍልጦ ዘይህብን ዘየኽብርን እንተዀይኑ፡ ፈልሲ ሱራ ቈሪጽካ ብምትካል ከተጠጥዓ ምፍታን’ዩ።

ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ከም ኣምር፡ መትከል ወይ ስነ-ሓሳብ ኣዝዩ ቅዱስን ኣብ ልዕሊ ካልኦት መትከላት ወይ ስነ-ሓሳባት ጸብለልታ/ልዕልና ዘለዎን’ዩ። ብልጽነቱን ጸብለልትኡን ግን፡ ኣብ ህይወት ህዝቢ ብዘምጽኦ ዝጭበጥ ነገራዊን መንፈሳዊን ርውየት ጥራይ’ዩ ዝረጋገጽ። ቃልሲ ንማሕበራዊ ፍትሒ፡ ድኽነት ቦርቊቑ፡ ህዝብና ሓባራዊ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ሞራላዊን ፖለቲካዊን ጣዕሚ ከምዝቋደስ ዝገብር ተልእኾ እዩ። ብሕጽር ዝበለ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሓባራዊ ብልጽግና ዘረጋግጽን ሕድሕዳዊ ምትፍናን ዘወግድን ማለት’ዩ። እዞም ክብሪታት’ዚኣቶም፡ ኣብ’ቲ ብኮርፖረሽናት ዝምራሕ ርእሰ-ማላዊ ሕብረተ-ሰብ ክረጋገጹ ዝኽእሉ ኣይኰኑን። ርእሰ-ማልነት፡ ናይ ውሑዳት ሰባት እምበረ-መጠን ግዙፍ መኽሰብ ከጥፍእ ዝኽእል ኣይኰነን። ርእሰ-ማልነት፡ ምዝመዛ ብዙሓት ብውሑዳት፡ ዝምታን ቁጠባዊ ቅልውላዋትን ክገትእ ኣይክእልን። ርእሰ-ማላዊ ሕብረተ-ሰብ፡ ማሕበራዊ ባህግታትን ሞራላዊ ጠባያት ሕብረተ-ሰብ ከደንፍዕን ከርዊን ዝኽእል ኣይኰነን። ርእሰ-ማላዊ ሕብረተ-ሰብ፡ ነብሱ ካብ ዘሰቅቑ ገበናትን፡ ሞራላዊ ውድቀትን ቅብጸተ-ተስፋን ሓራ ክገብር ኣይክእልን። ይኹን ግን፡ ካብ ርእሰ-ማላዊ ሕብረተ-ሰብ ክንመሃሮ፡ ክንልቅሖን ኣብ ጥቕምና ከነውዕሎን እንኽእል ውህሉል ፍልጠትን ተመኵሮን ምህላዉ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

በዚ ምኽንያታት’ዚ፡ እቲ ኣብ ፍሉይ ሃገራዊ ታሪኽና፡ ባህልናን ኵነታትናን ተመርኵስና እነካይዶ ቃልሲ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ክንዕወተሉ ከምእንኽእል ዘጠራጥር የብሉን። ግን ኣብ ትሕቲ ሓደ ቅድመ-ኵነት - ምርግጋጽ ቁጠባዊ ዕብየት። ብዘይ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ከም ዕላማ፡ ሓሳባዊ ጥራይ ኰይኑ’ዩ ዝተርፍ። ቁጠባዊ ዕብየት ንምርግጋጽ፡ ብመጀመርያ ኣፍራዪ ሓይሊ/ዓቕሚ (ሰብኣዊ ርእሰ-ማል፡ ነገራዊ ርእሰ-ማል (ትሕተ-ቅርጺ)፡ ፋይናንሳዊ ርእሰ-ማልን ቴክኖሎጂን) ከተዕቢኳ እንተለካ፡ ሰብኣዊ ርእሰ-ማል ግን ኣብ ቅድሚት ይስራዕ። ብሕጽር ዝበለ፡ ቃልሲ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ ክትዕወተሉ እንተዄንካ፡ ኣፍራዪ ሓይሊ ሰብ ወሳኒ ረቛሒ’ዩ። ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ በብመድረኹ ስጕሚ ብስጕሚ ዝኽየድ መስርሕ’ዩ። ንሓደ ወለዶ ዝግደፍ ወይ ብሓደ ወለዶ ጥራይ ክዕመም ዝኽእል ተልእኾ ድማ ኣይኰነን። ስለዚ፡ እቲ ቀዳማይ ወለዶ፡ ነቲ ተልእኾ ኩሉ ባዕሉ ክፍጽሞ ከምዘይክእል ተገንዚቡ፡ ነቲ ዝቕጽል መስርሕ ብብቕዓት ዝገጥምን ነቲ ብድሆ ዝበቕዖን ተካኢ ወለዶ ኣብ ምህናጽ፡ ባብ ከርሑን ዕድላት ክህብን ሓላፍነቱ’ዩ። እቲ ዝስዕብ/ዝወርስ ወለዶ ከኣ፡ ንዝተቐረበሉ ዕድል ጨቢጡ ተልእኾኡ ካብ ምፍጻም ሓላፍነቱ ከምዝተሰከመ ብግብሪ ከረጋግጽ ግዴትኡ’ዩ። ንሕና፡ ከም ህዝቢን ከም ሃገርን፡ ከም ግንባርን መንግስቲን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ምርግጋጽ’ዩ ዕላማና። ስለዚ፡ ኣብ ዝተናውሐ ታሪኻዊ መድረኽ ኣፍራዪ ሰብኣዊ ሓይሊ ኣብ ምፍራይ/ምዕባይ እንተዛሕቲልና፡ ቁጠባዊ ዕብየት ይኹን እቲ እንሓልሞ ማሕበራዊ ፍትሒ ናይ ምህናጽ ሕልምና ከምዝናዋሕ ርጉጽ’ዩ።

ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈና ሃገር ናይ ምህናጽ ካልኣይ ሰውራ ክዕወትን ድኽነት ምሉእ ብምሉእ ተሳዒሩ ነገራውን መንፈሳውን ድሌታት ህዝብና ክረዊን እንተዀይኑ’ምበኣር፡ ነቶም ቀዳማይ ሰውራ ኣብ ምዕዋት መሪሕ ዝዀኑና መሰረታውያን መትከላት ከይፈነና፤ ንሕሉፍ ተመኵሮና ታሪኽናን ከም መወከሲናን መማእዘኒናን እናጠመትና፡ ንዝጠቕመና ሓድሽ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ካብ ካልኦት እናተመሃርናን እናምጻእና ምስ ናትና ፍሉይ ሃገራዊ ታሪኽ፡ ባህሊን ክውንነትን እናወሃሃድና፤ ዝማዕበለ ኣገባብ ምሕደራ መንግስታዊን ቁጠባዊን ትካላትና እናተኸተልና፤ ውዳበ ሓይሊ ከምዝፈጥር፡ ዕላማታት ድማ ብዘይድስፕሊን ከምዘይረጋገጹ ኣብ ቀዳማይ ሰውራ ኣጸቢቕና ስለዝተመኰርናሉ፡ ብዕላማታትናን ብዲስፕሊንን ሓድነትናን ውዳበናን ብምውርጻጽ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ከነረጋግጽ ምእንቲ፡ ነዚ ሓድሽ ታሪኻዊ መድረኽ ዝበቕዖን ክርከቦ ዝኽእልን፡ ዘመናዊ ክእለት፡ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ዝዓጠቐ ኣፍራዪ ዓቕሚ-ሰብና፡ ብዓይነትን ብብዝሒን ንቕድሚት ከምዝመጽእ ምግባር ቀዳማይ ስትራተጅያዊ ዕላማና ክኸውን ኣለዎ።

ዘልኣለማዊ ክብሪን ዝኽሪን ንሰማእታትና!!
ክብሪ ንህዝቢ ኤርትራ!!


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events