Dehai News

**** ገና ኣይኽለናን *** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Monday, 25 March 2019

****  ገና ኣይኽለናን ***

ብጨብረቕረቕ ፥ለዕካካዕ ካዕቦ ነዝሒ
 ብቃና ሰብ ዲጂታል ፤ዝዋጠ ገበታ ሽርሒ
ጸሓይና መዓስ ትኽወል፥ ብገልዒ ሰፍኢ
ዓይኒ ንስሪ ኢና ፥ልዕሊ ሰትላይቶም ንርኢ

    ጋግዮምና 'ዶ 'ታ ፥ሕንግዳት ከም ነርዕም
ማዕበላት ዘፍ ከምነብል፤ መጋርያ ረመጽ ከምነቕህም
ኣባትሮ መንዚዕና ፥ዝባኖም ከምንድርዕ
ሴፍና መዚዝና ፤ብሽቶል ከም ንቐጽዕ 

            ሕጂ ከ ደኣ እንታይ እዩ ፣ዝበሃሎ ደቀይ
ቃና ዕጹፋት ኣብራኽ፥ ሰብ ዳንጋ ለንቀይቀይ
ነቲ ደም ድፋጭኡ ዝወጸ፤ ወግሐ ጸብሐ  ዝለፍዐ
ይኽለካ ድዮም ክብልዎ ነቲ ኣብ መትከሉ ዝጸነዐ

      ሰጊድ ሰላም ከምነብል፥ ዓለም ብዓለማ
ረሲዕምና 'ዶ 'ታ፤ እኒ ቃርማ ወዲ ቃርማ
እከይና ዝጥጃእ ፥ከይተሓተመ ኣብ ሳርማ
 ዕስለ ከም ንህንኩት ፥ኣንኳን ዶ እዞም ሃመማ

      ኣንኳን ዶ ጽያፎም ዘይከተቱ ፤ዕፈፈቶም ዘየርገፉ
ብዓል ሌፎ ሽዩጣት ዝዓፍሩ፥ ብድጂታል ዝልፍልፉ
ሓሽከትን ጎመዳን፤ ኣብ ከውሒ ሓድነትና ከም ነላህም
ጋግዮምና'ዶ ህንዱድ ወራር፣ ከም እንቕርስም

      ዓድሃሎ ውዒሉ፥ ገርገራ ዝጸምድ
ኩርኳሕ ዝጸራርግ ፤ መንገዳ ዝምድምድ
ሰለም ከየበለ ፥ኣብ ሓለዋን ህንጸትን ዘትክል
ኣንታ ንሕና እኳ  ፥ዘይበልናኩም ይኣክል
      
     ትማሊ ሃገር ክትእገድ ንሕሰማ ከምዘይጸዓሩ
ምስ ኣባይ ወጊኖም ፥ገበታ ከምዘዳኸሩ ካዕቦ ከምዘይ ገዓሩ
እንታይ እዩም ግበሩ ዝብሉና ፤እዞም  ደቓሉ ወኻሩ
ካብ ሕሉፍ ታሪኽና ኸ ቁሩብ ዘይመሃሩ

          ማህደርና ገንጽሉ፥ ለኣኽትኹም ተወከሱ
ኣብ ዓዲ በጊዖ በለሳ ፤ኣብ ቡሬ ብባርዕና ክለሓሱ
** ኣላህዮምና **ዝብሉ ትማሊ፥ ሎሚ ብድጂታል ክታኾሱ
መወልትኹም ሕተቱ ፤ታሪኽ እግሪ መኸል'ዩ መልሱ

         እሞ ደኣ ረሲዕኩምና ዶ ግዲ
ኣንቱም በዓል ኣልደ መልዲ፣ ጉርደ መርዲ
ኣንኳን ዶ እዚ ጠርቋሽ ፥ ናይ መድያ ፈተነ
ሑቖኣ ጎዚዝና ራዕ ኣቢልናያ እንዲና፣ ኣዴኹም ወያነ

       ኣንቱም ብቱኻት ዕሩባት ሕልና
 ኩንትራት ድዩ መትከላዊ ሃገራዊ እምነትና
ዓንገረር ተዓሲብኩም፤ ንምጽወታ ጉንዖ ጓና
ኢንተርነት ተሸጉጥኩም፥  ክትኳኺዩ እዝንና

        ጋጊኹምና ንኤርትራዊያን ውሁዳት ብሓድነቶም
ንኾርዕ ብመንነቶም ፥ ነኸስቲ ኣብ ሪሞም
ጽኑዓት ኣብ መትከሎም ፣ዘየድፍሩ መረበቶም
ስጡም መሳርዖም ፥ ሓደ ህርመት ልቦም

      ነቓዕ ዘይገድፉ ፥ዛዕጊ ዝርገት ዘየልሑኹ
ገበላ ቅርዓቶም ዝሓጽሩ ፥ ጸላእቶም ዝድህኩ 
ብገዛእ ቅልጽሞም፥ዘውዶም ዝድፍኡ 
ቆፍ ንህቦም ዝትንክፍ፥መርዚ ከምዝተፍኡ

        መሬት ተሸይጣ ባ፥ ቅዋም ዘይጸደቐ ባ
ማንካ ዘየልዓሉላ ሃገር፥ ደም ረሃጽ  እንዳነጠባ
ብዲጂታል መወልቲ ፥ተቓኒኹም ካዕቦ ዘረባ
ንሕና ሰብ ግብሪ ኢና ፥ ተከደኑ ደኣ ጸሊም ካባ
        
,    ሻዕብያ ህ'ግ'ደ'ፍ ኢና ዝተቖልወ ይቆሎ፣ ዝተሓመሰ ይተሓመስ፥ብቕንኢ ይሎሎ
ኤርትራውያን ኢና፥ደም ዝጠዓመ ይጥዓሞ
ኣያኽለናን እዩ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ  ክሳብ ንዛዝሞ

      ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ) -  23/3/2019 - ጀርመን

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events