Dehai News

(ቢቢሲ) ሕጹይ ሽልማት ግራሚ ኤርትራዊ ራፐር ኒፕሰይ ተቐቲሉ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 01 April 2019

ሕጹይ ሽልማት ግራሚ ኤርትራዊ ራፐር ኒፕሰይ ተቐቲሉ

ራፐር ኤርሚያስ ኣስገዶም (ኒፕሰይ ሃስል)REUTERS
ራፐር ኤርሚያስ ኣስገዶም (ኒፕሰይ ሃስል)

ብስም ኒፕሴይ ሃስል ዝፍለጥ፡ ካብ ኤርትራዊ ኣቦ ዝተወለድ ራፐር ኤርሚያስ ኣስገዶም ብዝተተኮሶ ጠያይቲ ተቐቲሉ።

እቲ ወዲ 33 ራፐር፡ ኣብ ጥቓ ዝውንኖ መሸጢ ዓለባ 'ማራቶን ክሎዚን' ዝተቀትለ ክኸውን እንከሎ፡ ካልኦት ክልተ ሰባት'ውን ከም ዝቖሰሉ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ገሊጹ።

'ቪክትሪ' ዝብል ኣልበም ኒፕሰይ ሃሰል፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ምድብ ብሉጽ ኣልበም ራፕ፡ ሕጹይ ሽልማት ግራሚ ኮይኑ ቐሪቡ ነይሩ።

ክሳብ ሕጂ መንነት እቶም ቀተልቲ ከም ዘይተፈለጠ'ውን ፖሊስ እታ ከተማ ገሊጹ።

ካብቶም ብሞት እቲ ኣርቲስት ብዙሕ ሓዘን ዝተሰመዓ ስነ-ጥበበኛ ሪሃና፡ ብሞት ኒፕሴይ መንፈሳ ከም ዘተረበሸ ዝገልጽ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ኣላ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል'ውን ብሞት ህቡብ ስነ-ጥበበኛ ኤርምያስ ኣስገዶም መሪር ሓዘን ከም ዝተሰመዖ ድሕሪ ምግላጽ፤ ንስድራ ቤቱ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።

ዕግርግር ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎኒያ ዝዓበየ ኒፕሰይ ሃስል፡ ትማሊ ሰንበት ንጉሆ ''ሓያላት ጸላእቲ ክህልዉኻ፡ ዕድሎት እዩ'' ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።


https://www.facebook.com/fox11la/videos/186702448879580/

https://www.bbc.com/tigrinya/news-47770292

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events