Dehai News

(ሚኒስትሪ ዜና) ብሚ/ጉ/ ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገ/ኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ንጉስ ሳልማን ኣብጺሑ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 10 April 2019

ረቡዕ 10 ሚያዝያ 2019 

ብሚ/ጉ/ ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገ/ኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ 
ሎሚ 10 ሚያዝያ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ‘ኣልየማማ’፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ 
ናብ ንጉስ ሳልማን ኣብጺሑ።



 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ፡ ንንጉስ ሳልማን ስለ’ቲ ሓያል ደገፉ ንኤርትራን መስርሕ ሰላም ኤርትራን  
ኢትዮጵያን ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ክልተኣዊ ዘምድናን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘሎ ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ዝሕግዝ  
ሓሳባት ኣቕሪቡ።




ንጉስ ሳልማን፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ንዝተሰረተ  ምዉቕ ሕውነታዊ ዝምድና ስዑድያን ኤርትራን ብምጥቃስ፡ 
ሃገሩ ሽርክነታዊ  ዝምድናኣ ምስ ኤርትራ ንምዕዛዝን ዞባዊ ሰላምን  ጸጥታን ንምርግጋጽ  ግቡእ ሓላፍነታ 
ክትስከምን  ዘለዋ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።



ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ብሰሉስ 9 ሚያዝያ፡ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ሪያድን ከባቢኣን 
ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርን ዞባዊ ምዕባለታትን ሰሚናር ኣካዪዱን ንሕቶታቶም መሊሱን።




ኣቶ የማነ፡ ድሕሪ ናጽነት ንልኡላውነት ኤርትራ ዒላማ ዝገበረ ቅሉዕ ወራራት፡ ቁጠባዊ ሽርሕታትን  መንእሰያት 
ከምዝፈልሱ ንምግባር ዝዓለመ ውዲታትን ከምዘጋጠመ፡  ህዝቢ ኤርትራ ግና ብሓያል ናይ መኸተ ባህሉ ኣላሽ 
ኣቢሉ፡ ብዓወት ከምዝወጸ ገሊጹ።

ድኹም ውዲታትን ተጻብኦታትን ጸላእቲ ከምዘየቋረጸ ዝጠቐሰ ኣቶ የማነ፡ “ከይተገራህናን ኣብ ናይ   ማዕከናት 
ዜና ምትህልላኽን ትርኽን ከይተጸመድናን፡ ከምቲ ልሙድ ሓድነትና ኣትሪርና ብወሕሉልን ዓቃልን ኣገባብ  
ክንብድሆን ክንስዕሮን ኢና።” ኢሉ።





6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events